ትራምፕ፡ ሓድሽ ጐስጓስ ንመረጻ 2024፤ ይዕወት ዶ ይኸውን?

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ እንደገና ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2024 ክወዳደር ምዃኑ ምግላጹ፡ ከምቲ ገሊኦም ዝገመትዎ ካብ ክሲ ንምህዳም ዝዓለመ ተንኮል ኣይነበረን። ንሱ ደጊሙ ናብ ንዋይት ሃውስ ንኽምለስ ዕቱብ ጻዕሪ ብምግባር መሰረት የንጽፍ ኣሎ።

ትራምፕ፡ ጐስጓስ ድሕሪ ምእዋጁ ዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ትማሊ ንፈለማ እዋን ወፍሪ ጀሚሩ።

ኣብ ኒው ሃምፕሻየር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሪፓብሊካን መደረ ኣስሚዑ፤ እቲ ኣቦ መንበር ሰልፊ እታ ግዝኣት ኰይኑ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጐስጓሱ ክኸውን ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ኮሎምብያ ደቡብ ካሮላይና ድማ፡ ድጋፍ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ሄንሪ ማክማስተርን ሰነተር ሊንድሲ ግራሃምን ረኺቡ።

እቲ መሻርኽቲ ትራምፕ ዝዀነ ሰነተር ሊንድሲ፡ ድሕሪ እቲ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ዝተፈጸመ ናዕቢ ዘይሕጕሱ’ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ናብ ዝነበሮም ጥቡቕ ምሕዝነት ተመሊሱ’ሎ።

"ክንደይ ግዜ ሰሚዕኩም! 'ፖሊሲታት ትራምፕ ንፈትዎ ኢና፡ ግን ሓድሽ ሰብ ዲና ንደሊ?' ሚስተር ግራሃም ነቶም ኣኼበኛታት ሓተተ። "ብዘይ ዶናልድ ትራምፕ ፖሊሲታት ትራምፕ የለን፤ ኣነ ኣብኡ ነይረ እየ።" 

እቲ ናይ 2020 ስዕረቱ ምቕባል ዝሓንገደ ትራምፕ፡ ንሱ - ዘይከም ዝዀነ ካልእ ክህሉ ዝኽእል ኣማራጺ ሪፓብሊካን - ኣብ 2024 እቲ ዝበለጸ ኣድማዒ ሕጹይ ተወዳዳሪ ምዃኑ ንደገፍቱ ሓቢሩ።

"ንዅሉ’ቲ ስርዓት ንምቕያር፡ ዝኽእል ፕረዚደንትን ክዕወት የድሊ" ክብል፡ ንነብሱ ብምእማት ካብ ቀንዲ ኣዳራሽ ቤተመንግስቲ እታ ግዝኣት ተዛሪቡ።

ሚስተር ትራምፕ መደረኡ፡ ነቲ ኣብ እዋን ፕረዚደንትነቱ ዝረኸቦ ክብረወሰን ዓወታት እዩ ዝበሎ ብምድማቕ፡ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ብገበን፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ውድቀት ቍጠባን ኣጥቂዑ። 

ሓደ ቶድ ገርሃርት ዝተባህለ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሪፓብሊካን ኣብቲ ዞባ፡ ኣብ ቻርለስተን፡ ቅርጺ ትራምፕ ኣብ ዘለዎ ፕላስቲክ መትሓዚ መዓር ኣብ ጐደናታት ክሸይጥ ጀሚሩ።

ሚስተር ገርሃርት፡ ንፈለማ እዋን ካብ ኣተሓባበርቲ ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ ትራምፕ 2016 ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ንዝግበር ጐስጓስ ንምውህሃድ፣ መጐስጐሲ መዓርን ቦርሳታት ህያብን ዘድሊ ገንዘብ ንምውጻእን ናብቲ ውቁብ ርስቲ እቲ ፕረዚደንት ነበር ‘ማር-ኣ-ላጎ’ በጺሑ።

ንሱ፡ ማር-ኣ-ላጎ ድሙቕ ሃዋሁ በዓል ከም ዝነበሮ ብምግላጽ፡ ኣብ ደቡብ ካሮላይናን ይዅን ኣብ መላእ ኣሜሪካን ዝርከቡ መረጽቲ ሪፓብሊካን “ኣብዚ እዋን’ዚ ካልእ ሕጹይ ክጥምቱ ይኽእሉ እዮም” ንዝብል ስክፍታታት ነጺጉ።

"ሰባት ብዛዕባ ካልኦት ሕጹያት ክዛረቡ እንከለዉ፡ ‘ኣነ እዚ እገብር፣ ወይ ከምዚ ክገብር እየ እዮም ዝብሉ፤ ትራምፕ ግን ብርግጽ ገባሪ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ንሱ፡ ኵሉ ኦክስጅን ‘ቲ ክፍሊ ኣሎዎ፡" ኢሉ።

ኣብቲ ግዝኣት፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ብብረት መንግስቲ መደባት ጐስጓስ ከካይድ ግቡእ ከምዘይኰነ ክዛረብ እንከሎ፡ ብዙሓት፡ ትራምፕ ኣብታ ከተማ ከምዘሎ’ኳ ኣይፈልጡን ነይሮም።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ንትራምፕ ከምቲ ናይ ፈለማ ተመስጦ ዘሎ ኣይመስልን" ይብል ሓደ ነባሪ’ቲ ከባቢ።

እዚ ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ ትራምፕ ኣብ ደቡብ ካሮላይናን ኒው ሃምፕሻየርን ምጅማሩ ኣጋጣሚ ኣይኰነን። እዘን ክልተ ግዝኣታት ኣብቲ ንዋይት ሃውስ ዳግማይ ንምምላስ ዝኽተሎ ዘሎ ስትራተጂ ወሰንቲ ክዀና ስለዝኽእላ እዩ። 

ኣዮዋ፡ ውድድር ሪፓብሊካን ንሕጹይነት ፕረዚደንታዊ መረጻ 2024 ንፈለማ ግዜ ከተአንግድ እያ። እዛ ትራምፕ ኣብ 2016 ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘላ ግዝኣት፡ እቶም ወንጌላውያን ክርስትያናት ዝዀኑ ዓብለልቲ ሪፓብሊካን መረጽቲ እታ ግዝኣት፡ ንከም ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ማይክ ፔንስን ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ነበር ማይክ ፖምፐዮን ገጾም ከማዕድዉ እዮም።

ኒው ሃምፕሻየርን ሳውዝ ካሮላይናን ግን ንትራምፕ ኣብ 2016፡ ሓንሳእ ንቕድሚት ምስ መጽአ ዘይተመልሰ መሪሕነት ከም ዘውሃባኦ ኣይርሳዕን።

ኣብ 2024 እውን ከምኡ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብርግጽ፡ ካብ 1980 ኣትሒዙ፡ ዝዀነ ሕጹይ ተመራጺ ሪፓብሊካን ኣብ መባእታዊ መረጻ ደቡብ ካሮላይና ተዓዊቱ እዩ፤ እዚ ድማ ካብተን ካልኦት ኣቐዲመን ድምጺ ዝህባ ግዝኣታት ፍልይቲ ይገብራ። 

ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ደቡብ ካሮላይና ንትራምፕ በዳሂት ክትከውን ትኽእል እያ። ንሱ፡ ካብ ሰነተር ቲም ስኮትን ኣመሓዳሪት እታ ግዝኣት ነበር ኒኪ ሄሊ ተሪር ብድሆ ክገጥሞ እዩ።

እዚ ህሞት ንትራምፕ ኣገዳሲ ዝኸውን፡ እቲ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ መረጻ መፋርቕ ኮንግረስ፡ ሪፓብሊካን ዘመዝገብዎ ተስፋ ዘቝርጽ ውጽኢት፡ ደገፉ ድሕሪ ምንቁልቋሉ፡ ህዝባዊ ርእይቶ ንዕኡ ክረጋጋእ ኣብ ዝጀመረሉ’ዩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ 55 ሚእታዊት ሪፓብሊካን መረጽቲ ንትራምፕ ከም ዝድግፉ የረጋግጽ፤ እቲ ንፕረዚደንታዊ ውድድሩ ገና ዘየፍለጠ ግን ከኣ ቀንዲ መነሓንሕቲ ትራምፕ ኰይኑ ዝረአ ዘሎ ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ሮን ደሳንቲስ 29 ሚእታዊት ኣመዝጊቡ። ኣብ ታሕሳስ ዝተኻየደ ዳህሳስ ፡ ሚስተር ደሳንቲስ ብኽልተ ኣሃዝ ቀዲሙ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ መጀመርታ ‘ዚ ሰሙን፡ ሜታ፡ ድሕሪ’ቲ ብደገፍቲ ትራምፕ ኣብ ካፒቶል ኣሜሪካ ዝተኻየደ ናዕቢ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ሕሳባት [ኣካውንት] ዘንበሮ ኣገዳ ከምዘልዕሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ሽሕ’ኳ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ገና ምልጣፍ’ኳ እንተዘይጀመረ፡ ምምላሱ ንመረጽቲ ንምብጻሕን ገንዘብ ንምትእኽኻብን ካልእ ዕድል ዝህቦ እዩ።

ኣብ መረጻ 2016 ወፈያታት ፈይስቡክ ቀንዲ ነዳዲ ትራምፕ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ደቡብ ካሮላይና ዝገበሮ ጐስጓስ ዝተፈልየ ስርሒት ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል።

እዚ 300 ጥራይ ዝተሳተፍዎ፡ ምስቲ ልሙድ ዝጸንሐ ምትእኽኻባት ትራምፕ ክነጻጸር እንከሎ፡ ትሑት ዝደረጃኡ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ስፖርታዊ ዝመስል ኣከዳድና እምበር እቲ ‘Make America Great Again’ ዝብሉ ቈቢዓትን ‘Let's Go Brandon’ ዝብሉ ማልያታትን ኣይተራእዩን።

ትራምፕ፡ ንሳልሳይ ግዜ ከም ሪፓብሊካን ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ኰይኑ ክቐርብ፡ ኣብ ከም በዓል ኒው ሃምፕሻየርን ሳውዝ ካሮላይናን ዝኣመሰላ ግዝኣታት ዝርከቡ ጸለውቲ ፖለቲከኛታትን ልሂቃንን ደገፍ ክረክብ ኣለዎ።

ብደረጃ ሃገር ብዝተገብረ ዳህሳስ፡ ትራምፕ ሓይሊ ከምዘለዎ ከርኢ እንከሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ካሮላይና ዝተኻየደ ገምጋም ግን፡ ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ሪፓብሊካን መራጽቲ ካብ ትራምፕ ወጻኢ "ካልእ ሰብ" ክመርጹ ከም ዝደልዩ የርኢ።

"ካልእ ሰብ" ኣብዚ መባእታዊ ምሃብ ድምጺ ዝልለ ኣይኰነን። ድምጺ ምሃብ ክሳብ ዝጅምር’ውን ንልዕሊ ዓመት ገና እቲ እንኮ ዕላዊ ሕጹይ ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ኰይኑ፡ ነዚ ዕድል ሓድሽ መገድታት ይፍትን ኣሎ።

ትራምፕ ኣብ ኒው ሃምፕሻየር፡ "ሰልፍታት ኣይገብርን እዩ ጐስጓስ ኣይገብርን እየ ኢሎም፡ ኣንፈቱ ስሒቱ’ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ’ ኢሎም፤ ኣነ ግን ዝያዳ ሓሪቐ ኣለኹ፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረኒ ንላዕሊ ኒሕ ኣሎኒ፡” ኢሉ።