ትራምፕ ናብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ክምለስ ክፍቀደሉ'ዩ

ሜታ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ምእጋድ ኣካውንታት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ከብቅዕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ትራምፕ ናብፌስቡክን ኢንስታግራምን ክምለስ ክፍቀደሉ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ምእጋድ "ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት" ከብቅዕ ምዃኑ እቲ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዓለማዊ ጉዳያት ሜታ፡ ኒክ ክለግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህዝቢ "ፖለቲከኛታቱ እንታይ ይብሉ ከም ዘለዉ ክሰምዕ ክኽእል ኣለዎ" ኢሉ።

ትራምፕ፡ ኣብ 2021 ኣብ ካፒቶል ድሕሪ ዘጋጠመ ናዕቢ፡ ካብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ንዘይተወሰነ እዋን ተኣጊዱ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ትካል፡ ትራምፕ "ኣብ ካፒቶል ኣብ ዓመጽ ንዝተዋፈሩ ሰባት" ድሕሪ ምውዳሱ፡ ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ ከም ዝነበረ ሚስተር ክለግ ኣዘኻኺሩ።

"እቲ ምእጋድ ኣብ ዘይተለምደ ኩነታት ዝተወሰደ ፍሉይ ውሳነ እዩ ነይሩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣካውንታት ትራምፕ ደጊም ንድሕነት ህዝቢ ከቢድ ሓደጋ ከም ዘይኰኑ ኣረዲኡ።

ይኹን’ምበር፡ ትራምፕ ብሰንኪ ኣብ ሕሉፍ ዝፈጸሞም "ጥሕሰታት" ሕጂ ተመሳሳሊ ጸገማት ምስ ዝፈጥር ዝለዓለ መቕጻዕቲ ከጋጥሞ'ዩ።

ሪፓብሊካን፡ ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ናብ ፌስቡክ ክምለስ ክፍቀደሉ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ትራምፕ ትማሊ ኣብ ናይ ባዕሉ ማሕበራዊ መራኸቢ [ትሩዝ ሶሻል] ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ፌስቡክ "ንተፈታዊ ፕረዚደንት . . . ኣነ" ድሕሪ ምእጋዱ "ቢልዮናት ከሲሩ" ክብል ጽሒፉ።

"ከምዚ ዝበለ ነገር ዳግማይ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት፡ ወይ ካልእ መቅጻዕቲ ዘይግብኦ ሰብ ከጋጥም የብሉን!" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ትራምፕ ናብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክምለስ ምዃኑ ምስተሰምዐ፡ ዴሞክራትን ገለ ነጠፍቲ ትካላትን ነቲ ውሳነ ነቒፎምዎም።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ዳግማይ ነቲ መድረኽ ተጠቒሙ ኣብ ምርጫ 2020 ተዓዊተ’የ ዝብል ናይ ሓሶት ምጉት ክደግሞ ከም ዝኽእል ስክፍታኦም ገሊጾም።

ወኪል ዲሞክራት ካሊፎርንያ ኣዳም ሺፍ ኣብ ትዊተር "ትራምፕ ናዕቢ ኣለዓዒሉ። ሓሶትን ምትላልን ንምዝርጋሕ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምምላስ ሓደገኛ'ዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ናይቲ ንሲቪላዊ መሰላት ዝጣበቕ ትካል NAACP ዝዀነ ደሪክ ጆንሰን ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ስጉምቲ ከም "ከቢድ ጌጋ" ከም ዝርእዮን "መኽሰብ ልዕሊ ድሕነት ሰባት ንምቕማጥ ቀንዲ ኣብነት" ምዃኑን ገሊጹ።

"ሓደ ሰብ ኣብ ህንጻ ካፒቶል ሃገርና ጽልኢ ክውሕዝ፡ ውዲታት ክፍጸምን ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ ከለዓዕልን ምኽኣሉ ኣዝዩ ዘገርም'ዩ፤ ማርክ ዛከርበርግ ድማ ክሳብ ሕጂ ንሓደ ሰብ ካብ መድረኻቱ ምእላይ እኹል ከም ዘይኰነ ይኣምን ኣሎ" ኢሉ።

ትዊተር'ውን ነቲ ፕረዚደንት ነበር ድሕሪ’ቲ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ኣመሪካ ዘጋጠመ ናዕቢ ኣጊዱዎ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ግን ወናኒ ትዊተር ኤሎን መስክ፡ እገዳ ኣካውንት ሚስተር ትራምፕ ከም ዝተላዕለ ገሊጹ።

ትራምፕ ግን ገና ናብ ትዊተር ኣይተመልሰን ዘሎ።