ሰነድ ግብሪ ትራምፕ ናይ ወጻኢ ባንክ ሕሳባት ከም ዘለዎ ኣቃሊዑ

ብዛዕባ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተወሃበ ሓድሽ መግለጺ ግብሪ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ንግዳዊ ክሳራታት፡ ዝተሓላለኸ ኣቀማምጣ ግብሪን ክፍሊት ግብሪን ዝምልክት ሓበሬታ ኣቃሊዑ።

ይኹን'ምበር ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድሩ ዓቢ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክህልዎም ተኽእሎ ከም ዘየለ ክኢላታት ይገልጹ።

ትራምፕ ኣብ 2020 ዝኾነ ናይ ፌደራል ግብሪ ከም ዘይከፈለን ኣብ 2016ን 2017ን ድማ 750 ዶላር ጥራይ ከም ዝኸፈለ እቶም ሰነዳት ኣረጋጊጾም።

ኣብ 2018 ግን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዶላር ከፊሉ’ዩ።

ነዊሕ ሕጋዊ ሞገት እቲ ሰነድ ንኽዝርጋሕ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ፤ ትራምፕ ንፖለቲካዊ ምፍልላይ ኣመሪካ ከም ዘዕምቖ ኣጠንቂቑ’ሎ።

ወሲኹ ድማ፡ እቲ ሰነድ "ክሳብ ክንደይ ብኹርዓት ዕዉት ከም ዝኾንኩን፡ ምጉዳል ዋጋን ዝተፈላለየ ካልእ ምጉዳል ግብሪን፡ ንኣሽሓት ስራሕን መስተንክር መሓውራትን ትካላትን ንምፍጣር ከም መተባብዒ ክጥቀመሉ ከም ዝኸኣልኩን ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።

ዋላ'ኳ ዝጠልቦ ሕጊ እንተዘየለ፡ ፕረዚደንታት ግን ሰነድ ግብሪ ዕላዊ ክገብሩ ልሙድ'ዩ።

ፕረዚደንታት ኣመሪካ ከም ዝኾነ ሰራሕተኛ ደሞዝ ይኽፈሎም፡ ብዙሓት ግን ካብ ውልቃዊ ንግዶምን ወፍርታቶምን እውን ኣታዊ ይረኽቡ እዮም።

እቶም ሓደስቲ ዝተዘርግሑ ሰነዳት፡ ንዶናልድ ትራምፕ፡ ዶናልድ ጄ ትራምፕ ሪቮ ካብል ትራስትን 7 ትካላት ዝምልከቱ እዮም።

ብተወሳኺ ኣህጉራዊ ንግዳዊ ርክባት ዝነበሮ ትራምፕ፡ ካብ 2015-17 ኣብ ኣየርላንድ፡ ብሪጣንያን ቻይናን ናይ ባንክ ሕሳብ ከም ዝነበሮ እቶም ሰነዳት ይሕብሩ።

ካብ 2018 ጀሚሩ ትራምፕ ኣብ እንግሊዝ ጥራይ ሕሳብ ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ እቶም መዛግብቲ ከም ዘመልክትዎ ኣገልግሎት ውሽጣዊ እቶት፡ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ፕረዚደንትነቱ ኣብ ትራምፕ ኦዲት ኣየካየደን።

እቲ ትካል ኣብቲ ኣቐዲሙ፡ ምስ ኣማኢት ንግዳዊ ረብሓታት ትራምፕ ዝተኣሳሰር "ንኹሎም ክህልዉ ዝኽእሉ ጉዳያት ንምምርማር ዘሎ ጸጋታት ምርካብ ከም ዘይከኣል" ኣመልኪቱ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ክኢላታት፡ እቲ ሰነድ ግብሪ ኣብ ልዕሊ ተፈታውነት ትራምፕ ኣብ ቀንዲ ደገፍቱ ብዙሕ ጽልዋ ከም ዘይህልዎ ይኣምኑ።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ኮሚተ ሪፓብሊካን ነበር ዳግ ሄይ፡ "ኣብቲ ሰነድ እንታይ ከም ዝነበረ ፈጺሙ ቁምነገር ኣይክህልዎን እዩ፡ ንጹር ሕጋዊ ጥሕሰት ዝኸውን ነገር የብሉን" ኢሉ።

" ‘ሕጂ ክመርጾ ኣይክእልን እየ' ዝብል ደጋፊ ትራምፕ የለን።"

"ዋላ'ኳ ግብሪ ትራምፕ እንተዘይረኣናዮ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን በዚ መንገዲ ሓሊፍና ኢና። እዚ ሓሳብ ሰብ ዝቕይር ኣይኮነን" ክብል ሓቢሩ