እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ምስታ ኮኾብ ፖርኖግራፊ ብዝነበሮ ዝምድና ክኽሰስ’ዩ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ነታ ኮኾብ ፖርኖግራፊ ስቕ ክትብል ገንዘብ ብምክፋል ብገበን ክኽሰስ ምዃኑ ይነገር ኣሎ።
እቲ ዝርዝር ክስታት ገና'ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ትራምፕ ንስቶርሚ ዳኒኤልስ ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ 130 ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈለ ይግለጽ።
እቲ ወዲ 76 ዓመት ትራምፕ፡ ኣብ 2016፡ ቅድሚ ፕረዚደንት ምዃኑ፡ ነዚ ክፍሊት ከም ዘይፈጸመ ይገልጽ።
ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ኣብ ስልጣን ዘሎ ይዅን ካብ ስልጣን ዝወረደ ፕረዚደንት ብገበን ተኸሲሱ ኣይፈልጥን።
ጉዳይ ትራምፕ ዝምርምሩ ዳያኑ፡ ትራምፕ ንስቶርሚ ዳኒኤልስ ብዛዕባ ምስኡ ዘለዋ ርክብ ስቕ ክትብል ገንዘብ ሂብዋ ዝብል ክሲ ድሕሪ ምምርማሩ፡ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ንምኽሳስ ወሲኖም።
ንጉዳይ ትራምፕ ክመርሕ ዝጸንሐ ኣኽባሪ ሕጊ ማንሃታን ኣልቪን ብራግ ብዛዕባ ማእሰርቲ ፕረዚደንት ነበር ምስ ጠበቓታት ትራምፕ ከም ዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።
ሲቢኤ ኒውስ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ትራምፕ፡ ሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ትራምፕ ብፖሊስ ክእሰርን ልክዕ ከም ካልእ ገበነኛ ተኸሳሲ ኣሰር ኣጻብዕቲ ክህብን ክስኣልን እዩ።
ትራምፕ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ እዩ ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ዝመርሕ ዘሎ ዓቃቢ ሕጊ ኒውዮርክ፡ ናይ ጆ ባይደን "ረሳሕ ስራሕ ዝሰርሕ ሰብ" ክብል ገሊጽዎ።
ትራምፕ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ 2024 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክሳተፍ ምዃኑ ዘፍለጠ ክኸውን ከሎ፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ነዚ ክሲ ዘቕረበ፡ ንዝቕጽል ፕረዚደንታዊ መረጻ ንምቕያር ምዃኑ ገሊጹ።
ጠበቓ ትራምፕ ሱዛን ኔችለስ፡ ትራምፕ ዝዀነ ገበን ከም ዘይፈጸመ ብምግላጽ፡ "ነዚ ፖለቲካዊ ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ብትሪ ክንቃለሶ ኢና" ኢላ።
ስቶርሚ ዳኒኤልስ፡ ትራምፕ ኣብ 2006 ምስ በዓልቲ ቤቱ ሜላንያ ሓዳር ቅድሚ ምምስራቱ ምስኣ ርክብ ከም ዝነበሮ ትገልጽ።
ጠበቓ ትራምፕ ነበር፡ ብትእዛዝ ትራምፕ 130 ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈለ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ’ዩ። ጠበቓ ትራምፕ ነበር ማይክል ኮሃን ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ ብዝተፈላለየ ገበናዊ ክስታት ካብ 2018 ክሳብ 2020 ተኣሲሩ ነይሩ።
እቲ ክሲ ኣብ 2024 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ውድድር ነጥበ መቐይሮ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ትራምፕ ሓደ ካብቶም ብስም ሰልፊ ሪፓብሊካን ናብ ዋይት ሃውስ ዘቃምቱ ተወዳደርቲ እዩ።
ይዅን እምበር ኣብ ሕጊ ኣሜሪካ፡ ገበነኛ ዝተበሃለ ወይ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ሓደ ፖለቲከኛ ጐስጓስ ከካይድን ፕረዚደንት ኰይኑ ከገልግልን ዝኽልክል ዓንቀጽ የለን።