እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደገፍቲ ትራምፕ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ድምጾም ኣስሚዖም
ብርክት ዝበሉ ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ንፕረዚደንት ነበር ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።
እቶም ደገፍቱ፡ ኣብ ፍሎሪዳ "ትራምፕ መጻኢ ፕረዚደንትና ክኸውን እዩ" ዝብል ጭርሖታት’ውን ኣስሚዖም።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ምስታ ተዋሳኢት ፊልም ዝፈጸሞ ጾታዊ ርክብ ከይትዛረብ፡ 130 ሽሕ ዶላር ብምኽፋሉ፡ ብገበን ክኽሰስ ምዃኑ ምስተገልጸ እዩ እቶም ደገፍቲ ንትራምፕ ዘለዎም ድጋፍ ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ነይሮም።
እቶም ኣብ ጎደና ዝወጹ ደገፍቲ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝቐረበ ክሲ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወቱ ጸቕጢ ከምዘይብሉን፡ ኣብ መረጻ 2024 ከምዝዕወት ከምዝኣምኑን ገሊጾም።
“ዳግማይ ፕረዚደንትና ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ብዙሓት ሰባት ክመርጽዎ እዮም” ክትብል ሓንቲ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ክትድግፍ ዝወጸት ጓል ኣንስተይቲ ንቢቢሲ ገሊጻ።
እዛ መርሲ ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ፡ እዚ "ዋላ ሓንቲ ከምዘይቅይሮ" ከምኡ'ውን እቲ ክሲ ንትራምፕ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ጉልበት ከምዝህቦን ሓቢራ።
ድሕሪ ክሲ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዝነበሩ ሰዓታት፡ ሰበስልጣን ጎስጓስ ትራምፕ፡ ንወፍሪ ጎስጓስ ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ከምዘዋህለሉ ኣፍሊጦም።
ዝርዝር ክስታት ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ነበር ገና እኳ እንተዘይተገልጸ፡ ኣብ 2016 ንስቶርሚ ዳኒኤልስ 130 ሽሕ ዶላር ከፊልዋ ዝብል ይርከቦ።
ትራምፕ ነዚ ክፍሊት ቅድሚ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሒደት ሰሙናት እዩ ፈጺምዎ። እቲ ተግባር ምስ ናይ ጎስጓስ መረጻ ጥሕሰት ዝመጣጠን እዩ ዝብሉ ኣለዉ።
እታ ተዋሳኢት ፊልም ፖርኖግራፊ ነበር፡ ናብ ማዕከናት ዜና ወጺኣ ኣብ 2006 ምስ ትራምፕ ጾታዊ ርክብ ከምዝፈጸመት ገሊጻ'ያ።
ትራምፕ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ቅድሚ ምዕዋቱ ሒደት ሰሙናት፡ ዳኒኤልስ ብዛዕባ ዝምድናኦም ስቕ ንኽትብል ብመንገዲ ጠበቓ ትራምፕ ማይክል ኮሄን ኣቢላ ካብቲ ፕረዚደንት ነበር 130 ሽሕ ዶላር ከምዝተቐበለት ተዛሪባ።
ጠበቓ ትራምፕ ብተወሳኺ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ገንዘብ ብትእዛዝ ትራምፕ ንዳኒኤልስ ድሕሪ ምሃቡ፡ እቲ ገንዘብ ከምዝተተክአሉ ገሊጹ።
ወዲ 76 ዓመት ትራምፕ 130 ሽሕ ዶላር ከምዝኸፈለ እኳ እንተተኣመነ፡ ምስ ዳኒኤልስ ፍሉይ ጾታ ዝምድና ከምዘይነበሮን ሕግታት ፋይናንስ ጎስጓስ ከምዘይጠሓሰን ይምጉት።
ትራምፕ መጻኢ ሰሉስ ኣእዳዉ ኩርንኩሪት ተኣሲሩ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብን ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ድማ ክንበበሉን እዩ።