ቻይና ንመንግስታውያን ትካላት ኬንያ መጥቃዕቲ ሳይበር ፈጺማ ንዝበሃል ክሲ ነጺጋ

ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና፡ ካብታ ኤስያዊት ሃገር ዝመጹ ሃከራት ናይቲ ፕረዚደንት መርበብ ዝርከብዎም ኣብ ናይሮቢ ንዝርከቡ ወሰንቲ መንግስታዊ ትካላት መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝፈጸሙ ዝገልጽ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ነጺግዎ።

ሮይተርስ እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ሳይበር፡ ቻይናውያን ንኬንያ ዝህብዎ ልቓሕ ክዓጽዉ ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ዕዳጋታት ብዝተራእየ ለውጥታት ኣብ 2019 ከምዝጀመረ ጸብጺቡ ነይሩ።

ዕላማ ናይቲ ምጥቃዕቲ ሳይበር፡ ኬንያ ነቲ ብቢልዮናት ዶላራት ዝቍጸር ዕዳኣ ክትከፍሎ ትኽእል ድያ ኣይትኸእልን ንምፍላጥ ዘተኰረ ምዃኑ እዩ እቲ ማዕከን ዜና ዘውጾ ጽሑፍ ዝገልጽ።

ይዅን እምበር ኤምባሲ ቻይና ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጸብጻብ "ካብ ሓቂ ዝርሓቐን ትርጕም ኣልቦን" እዩ ብምባል "እዚ መጥቃዕቲ መርበብ ንዅለን ሃገራት ናይ ሓባር ስግኣት እዩ፡ ቻይና'ውን ግዳይ መጥቃዕቲ ሳይበር እያ" ኢሉ።

እቲ ኤምባሲ፡ ኣብ መንጐ ኬንያን ቻይናን ዘሎ ርክብ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝተመስረተ ምዃኑ ብምግላጽ ተጨባጢ መርትዖ ዘይብሉ ንሓደ መንግስቲ ብመጥቃዕቲ ሳይበር ምውቃስ ኣዝዩ ተነቃፊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ምዃኑ'ውን ይሕብር።

ኬንያ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ቻይና ምልቓሕ ከምዘቋረጸት ይግለጽ። ክሳብ መጋቢት ግን ካብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ ሃገር 6.31 ቢልዮን ዶላር (5.8 ቢልዮን ፓውንድ) ዕዳ ነይርዋ።