ኣብ ከተማ መቐለ ንህንጻ ኣብ ዝተኹዓተ ጉድጓድ ክሕምብሱ ዝኣተዉ ሰለስተ ህጻናት ሞይቶም

ኣብ ከተማ መቐለ ንመስርሒ ህንጻ ኣብ ዝተኹዓተ ጉድጓድ ናብ ዝዓቖረ ማይ ክረምቲ ዝኣተዉ ሰለስተ ህጻናት ሞይቶም።

እቲ ንሓደ በዓል ሃብቲ ኣብ ዝተውሃበ መሬት ዝተኹዓተ ሰፊሕ ጉድጓድ ዘይተሓጸረን ንሓደጋ ዘቃልዕን ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣማሃ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ህጻናት ናብቲ ጉድጓድ ክሕምሱ እዮም ኣትዮም።

“እቲ ሓደጋ ንህንጻ ኣብ ዝተኹዓተ ናይ ሓደ በዓል ሃብቲ ቦታ እዩ ኣጋጢሙ። ካብቲ ከተማ ውጽእ ዝበለ ዓሚዩቕን ማይ ዝመለአን እዩ። እቶም ቆልዑ ክሕምብሱ ምስኣተዉ ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ” ኢሉ።

እቲ ሓደጋ ብ 9 ነሓሰ 2015 ኣግ፡ ሰራዋት ኣብ ዝበሃል ክፋል ከተማ መቐለ ከምዘጋጠመ ዝገልጽ ኣይተ ይትባረክ፡ ኣስከሬን ናይቶም ህጻናት ኣብቲ መዓልቲ ከምዝወጽአ ሓቢሩ።

“ምስሰማዕና ሽዑ ምርብራብ ጌርና ኣውኢጽናዮም። ነበርቲ ናይቲ ቀበሌ እዮም። ዕድሚኦም ድማ ኣብ ከባቢ 10 ዓመት ይኸውን።”

ኣብ ትግራይ ህንጻ ንምስራሕ ተባሂሎም ዝኮዓቱ ጎዳጉዲ ግቡእ ሓለዋ ስለዘይግበረሎምን ስራሕቶም ኣብ እዋኑ ስለዘይሳለጥን፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን እንስሳታትን ተመሳሳሊ ሓደጋ ከብጽሑ ምርኣይ ዝተለመደ እዩ።

እቲ ህይወት ሰለስተ ህጻናት ዝውሓጠ ጉድጓድ እውን ብኣግባቡ ዝተሓጸረ ከምዘይኮነ እዩ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣማሃ ዝገልጽ።

“እቲ ከባቢ በረኻ እዩ። ካብ ከተማ ውጽእ ዝበለ እዩ። ብሓመድ ዝተኸበበ እዩ እምበር ኣይተሓጸረን።”

ቢቢሲ ተሓታትነት ኣመልኪቱ ሕቶ ዘቕረበሉ ከንቲባ ከተማ መቐለ “ መን እዩ ተሓታቲ ንዝብል፡ ሰብ ሞያ ሕጊ እውን ኣብቲ ስራሕ ስለዝተሳተፉ፡ ብሕጊ ዝረኣይ እዩ ክኸውን” ኢሉ።

ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ብዙሓት ሰባት ጥንቃቐ ክግበርን መንግስቲ ዝተጀመሩን ዘይተዛዘሙን ስራሕቲ ህንጻ ዝምልከት ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድን ብማሕበራዊ ሚድያ ጻውዒት የካይዱ ኣለዉ።

ኣይተ ይትባረክ ተመሳሳሊ ጸገማት ንምፍታሕ መጽናዕቲ ከምዝተኻየደን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝርርብ ከምዝግበርን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኩሉ ብዝርዝር ተጸኒዑ ኣሎ። መን ተዋሂብዎ? መን ሰሪሑ? መን ኣይሰረሐን? መን ኣብ ከይዲ ኣሎ? ዝብል ብኽኢላታት ተጸኒዑ ኣሎ። ከከም ደረጅኡ ምስቶም ኣካላት ምርድዳእ ጌርካ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጸገም እውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መፍትሒ ንምቕማጥ ጻዕሪ እናተገበረ እዩ።”