ናታ ዘይኰነ ቈልዓ ክትወልድ ዝተገብረት ኣደ፡ ክሲ መስሪታ

ሓንቲ ኣመሪካዊት ኣደ፡ ናታ ዘይኳዓኦነ ቈልዓ ጠኒሳ ክትወልድ ንዝገበራ ማእከል ሕክምና ኣይቪኤፍ [IVF] ከሲሳ።

ተቐማጢት ጆርጂያ ክርስቲና ሙረይ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2023 ናብ ሓደ ክሊኒክ ብምኻድ ሕክምና ኣይቪኤፍ ምስ ገበረት እያ ጠኒሳ።

እንተዀነ እቲ ዝሓዘቶ ድቂ፡ ወዲ ምስ ተገላገለት እቲ ቈልዓ ዘርኢ ናታን ናይቲ ዝመረጸቶ ዘርኢ ዝለገሰ ወዲ ተባዕታይን ዘይኰነስ፡ ናይ ካልኦት መጻምዲ ዘርኢ ዝመጽአ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ጌጋ ምስ ተፈጥረ ሙረይ ነቲ ቈልዓ ከተዕብዮ ስለ ዝደለት፡ ወለዱ ሕጋዊ መሰል ምዕባይ እቲ ቈልዓ ክሳብ ዝረኽቡ ነቲ ህጻን ንኣዋርሕ ክትከናኸኖ ጸኒሓ።

ንሳ ብመገዲ ጠበቓኣ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ጥንሲ፡ ምስቲ ድቂ ፍቕሪ ምትሓዝ፡ ምውላድ ድሕሪኡ ድማ ምስቲ ዕሸል ፍሉይ ምትእስሳር ምፍጣር፡ ከምኡ'ውን ካብ ሕቑፎ መንዚዕካ ምዉሳድ ከቢድ ቃንዛ እዩ። ካብዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይክሓዊን እየ" ኢላ።

ኢንቪትሮ ፈርቲላይዜሽን (Invitro fertilization-IVF) ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ብምርኻብ ጥንሲ ዝፍጠረሉ ከይዲ እዩ። እዚ ሰብ ሰራሕ ሕክምና ተዋልዶ፡ እንቋቍሖን ዘርኢ ተባዕታይን ካብ ማህጸን ወጻኢ ኣብ ቤተ ፈተነ እዮም ክራኸቡ ዝግበር።

እቲ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተፈጠረ ጥንሲ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ክኣቱ ብምግባር ልሙድ ተፈጥሮኣዊ ናይ ጥንስን ወሊድን ከይዲ ይቕጽል።

በዚ ከይዲ ሕክምና ንፈለማ እዋን ቈልዓ ዝተወለደ ኣብ 1978 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ማዕቢሉ ብስፍሓት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ።

እዚ ኣገልግሎት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኣዶ ይወሃብ ከም ዘሎ ቅድም ኢሉ ቢቢሲ ጸብጺቡ ምንባሩ ይዝከር።

ሙረይ ዋላ'ኳ ጻዕዳ እንተዀነት፡ እቲ ኣብ ታሕሳስ 2023 ዝወለደቶ ቈልዓ ግን ጸሊም'ዩ።

በዚ ምኽንያት ስእሊ 'ወዳ' ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ጠቂዓ ኣይትፈልጥን።

ፈተውታን ቤተሰባን'ዉን ንክርእይዎ ኣይፈቐደትን።

ኣብ መወዳእታ፡ ንዲኤንኤ መርመራ ዝሕግዝ መሳርሒ ገዚኣ፡ ጥሪ 2024 ምስ'ቲ ውላዳ ዝዀነ ስነ-ህይወታዊ ዝምድና ከም ዘይብላ ዘርኢ ውጽኢት ከም ዝረኸበት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክሊኒክ ዘቕረበቶ ዝርዝር ክሲ ይሕብር።

ኣብቲ ዝቕፅል ወርሒ ድማ፡ ነቲ ክሊኒክ ብዛዕባ እቲ ጌጋ ክፈልጥ ገይራ።

እቲ ህጻን ወዲ ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበረ ድማ ነቶም ወለዲ ተነጊሩዎም፤ ብኡንብኡ ድማ መሰል-ሞግዚት [ምዕባይ] ክረኽቡ ዝጠልብ ክሲ ኣቕሪቦም።

ሙረይ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ነቲ ጕዳይ ናይ ምዕዋት ዕድል ከም ዘይብላ ብጠበቓታ ምስ ተሓበራ፡ ብወለንታኣ ካብቲ መጐት ስሒባ።

ሕዚ፡ እቲ ህጻን ምስ ወለዱ ኣብ ካልእ ግዝኣት ብኻልእ ሽም ክጽዋዕ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ክሊኒክ፡ ክሳብ ሎሚ ብጌጋ እንቋቑሖኣ ንኻልኦት መጻምድቲ ሂቡ ድዩ ወይ ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመ መረዳእታ የብላን።

ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ከም ዝሓበሮ ግን፡ እቲ ክሊኒክ ስነ-ተዋልዶ ጌጋኡ ኣሚኑ፡ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ድማ ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።

"እዚ ሓደ ዝተነጸለ ፍጻመ እዩ ነይሩ። እዚ ጌጋ ኣብ ዝተፈፀመሉ እዋን ዕሙቕ ዝበለ ገምጋም ኣካይድና፡ ንዓማዊልና [ሕሙማት] ዝያዳ ንምክልኻልን ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ዳግማይ ከይፍጸምን ተወሳኺ መከላኸሊታት ኣቐሚጥና ኢና።"