እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘርኢ ደቂ ተባዕትዮ ንጽንተት ይቃላዕ ምህላዉ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ
ዓለምና ብዘይ ደቂ ተባዕትዮ እንታይ ምመሰለት ነይራ?
እዚ ዘይሕሰብ'ኳ እንተመሰለ፡ መልሲ ንምርካብ ግን ነዊሕ ምጽባይ ኣይከድልን ይኸውን።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ጾታ ወዲ ተባዕታይ ዝውስን ወሳኒ ረቛሒ ዝዀነ ዋይ (Y) ክሮሞዞም ብርሰት የጋጥሞ ኣሎ።
ክሮሞዞም ማለት ካብ ፕሮቲንን ሓደ ዝደቐቐ ኣሃዱ (ሞለኪዩል) ዲኤንኤን ዝተሰርሐ ፈትሊ-መሰል ቅርጺ እዩ። ካብ ዋህዮ ናብ ዋህዮ ድማ ሓበሬታ ሕነተ-ሰረት (genomic) ንምስግጋር የገልግል።
ደቂ ሰባት 23 ጽምዲ ክሮሞዞም ኣለዎም። ካብዚኦም እቲ ሓደ ጽምዲ ናይ ጾታዊ ክሮሞዞም (XX ወይ XY) እዩ።
ንደቂ ተባዕትዮ ዝኸውን መምርሒታት ስነ-ሰረት ዝሓዘ ክሮሞዞም ድማ ዋይ (Y) ብዝብል ይጽዋዕ። ብኻልእ ኣገላልጻ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ጾታ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ክልተ ኤክስ (X) ክሮሞዞም ክህልወን እንከሎ፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ሓደ ኤክስን ሓደ ዋይን ክሮሞዞም ኣለዎም።
ስለዚ ዋይ ክሮሞዞም ጾታ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ምውሳን ቀንዲ ረቛሒ እዩ።
ሕጂ ድማ እዚ ዋይ ክሮሞዞም ድሮ ኣዝዩ ይጸንት ብምላዉ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
እዚ ክሮሞዞም እንተበሪሱ ግን እንታይ ከጋጥም ይኽእል?
ሓድሽ ዓይነት ጾታ ይፍጠር'ዶ ይኸውን? ወይስ ዘርኢ ደቂ ተባዕትዮ ሃንደበት ጸኒቱ ይተርፍ?
ኣብ ኢንስቲትዩት ሞለኪዩላዊ ሳይንስ ላ ትሮብ ክኢላ ጀነቲክስን ፕሮፌሰርን ዝዀነት ጀኒ ግሬቭስ፡ ኣብ ጉዳይ ስነ-ሰረት (ጀነቲክስ) 4 መጻሕፍቲን ልዕሊ 430 ጽሑፋት ኣሕቲማ እያ። ኣብ ምርምር ፍልቀት ደቂ ሰባትን ምዕባለ ዋይ ክሮሞዞምን መሪሕ ተዋሳኢት ኰይና ጸኒሓ እያ።
እዛ ክኢላ፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ሳይንስ ፎካስ ዝሃበቶ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ስለምንታይ እዩ ዋይ ክሮሞዞም ዝበርስ ዘሎ?
ፈለማ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ክሮሞዞም ዳግማይ ክነዘኻኽረኩም።
ኣብ ደቂ ሰባትን ኣብ ገለ ካልኦት መጥበውቲ እንስሳታትን፡ ደቂ ኣንስትዮ ክልተ ኤክስ ክሮሞዞም ኣለወን። ብኻልእ ወገን ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ኤክስን ሓደ ዋይን ይህልዎም።
ጾታ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዝውስኑ እዞም ካብ ጠቕላላ ዲኤንኤ ደቂ ሰባት ብግምት 4 ሚእታዊት ጥራይ ዝዀኑ ጽምዲ ክሮሞዞማት እዮም።
"ክሮሞዞማት ብጽምዲ እዮም ዝፈርዩ፡ እቲ ናይ ጾታ ጽምዲ ግን ዘይተለምደ እዩ፤ምኽንያቱ ኣብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፍልልይ ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ክልተ ኤክስ ክህልወን እንከሎ፡ ደቂ ተባዕትዮ ግን ኤክስን ዋይን ኣለዎም" ትብል ክኢላ ጀነቲክስን ፕሮፌሰርን ጀኒ ግሬቭስ።
"ምስ ኤክስ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዋይ ንእሽቶ እዩ። ኤክስ ክሮሞዞም ካብ 900 ክሳብ 1400 ሰረት (ጂን) ክሕዝ እንከሎ፡ ዋይ ግን 45 ሰረት ጥራይ እዩ ዘለዎ፤ካብዚኦም እቲ ሓደ ጥራይ እዩ ተባዕታይ ዝገብር። ካልኦት ውሑዳት ሰረታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምፍራይ ይሕግዙ፡ እቶም ዝተረፉ ግን ስለምንታይ ኣብኡ ከምዝርከቡ ምሉእ ብምሉእ ኣይንፈልጥን። በቃ ብሓቂ ክንኣልዮም ኣይንኽእልን።"
ኣብ መጀመርታ ዋይ ክሮሞዞም ከም ኤክስ ልዕሊ 900 ሰረት ነይርዎ። ሕጂ ግን 45 ጥራይ እዮም ተሪፎም ዘለዉ። ምኽንያቱ እቶም ናይ ጾታ ክሮሞዞማት፡ ካብ ምስ ጾታ ዝዀነ ርክብ ዘይብሎም ፍጹም ንቡር ተመሳሰልቲ ክሮሞዞማት ዝመጹ ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተረፉ ድማ ብመሰረቱ ዝዀነ ፋይዳ የብሎምን።
ነዚ ዘገርም ታሪኽ መስርሕ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋይ ክሮሞዞም ክበርስ ምጅማሩ ዘገርም ኣይከውንን።
እዚ ጉዳይ ግን ኣብ ደቂ ሰባት ጥራይ ዘጋጠመ ዘሎ ጸገም ኣይኰነን።
ኣብ ካልኦት እንስሳታት'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ይርአ ዘሎ። ንኣብነት ሃመማ ፍረ (ትንንያ) ድሮ ዳርጋ ኵሉ ዋይ ክሮሞዞማቶም በሪሱ እዩ።
"እዚ ዝዀነሉ ብክልተ ምኽንያት ይመስል። እቲ ሓደ ብትርጕሙ ዋይ ክሮሞዞም ኵሉ ግዜ ኣብ ፍረነብሲ እምበር ኣብ ማህደር-እንቋቝሖ ፈጺሙ ኣይርከብን። ብኸፊል ብዙሕ ሰረታዊ ልውጠት (ቅይጠት) ስለዝካየድ ድማ፡ ፍረነብሲ ሓደገኛ ቦታ እዩ" ትብል ግሬቭስ።
"ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምፍራይ ብዙሕ ምምቕቓል ዋህዮታት ኣድላዪ እዩ፤ ነፍሲ ወከፍ ምምቕቓል ዋህዮታት ድማ ሰረታዊ ልውጠት ዕድል ይህብ። እዚ ድማ ኣብ ክሮሞዞም ምሉእ ብምሉእ ጽልዋ ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ። በቃ ኣብ ዋህዮ ሓደ ጥራይ ስለዝርከብ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምጽጋን ብዙሕ ንጡፍ ኣይኰነን" ብምባል እታ ፕሮፌሰር ተብርህ።
መብዛሕትኦም ክሮሞዞማት፡ ዲኤንኤ ምስቲ ተጻራሪ ክሮሞዞም ብምልውዋጥ ብሰንኪ ሰረታዊ ልውጠት ዝመጽእ ጉድኣት ክጽግኑ ይኽእሉ እዮም።
እዚ መስርሕ'ዚ ዳግመ-ውህደት ተባሂሉ ይፍለጥ። ይዅን እምበር፡ ዘይከምቲ ኣቃውማ ጓል ኣንስተይቲ ድርብ ኤክስ፡ ዋይ ክሮሞዞም በይኑ ዝውረስ ስለዝዀነ፡ ብምልውዋጥ ዝኸውን መጻምድቲ የብሉን።
መጻኢ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ
ምስቲ ናይ መጀመርታ ኵነታቱ ክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ ወዲ ሰብ ዋይ ክሮሞዞም ሕጂ ብግምት 97 ሚእታዊት ሰረቱ ጠፊኡ እዩ። ብኣንጻሩ ኤክስ ክሮሞዞም ብተዛማዲ ከይተተንከፈ ይርከብ።
እዚ ቅልጡፍ ዘጋጥም ዘሎ ምንቁልቋል ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ደቂ ተባዕትዮ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ? ደቂ ተባዕትዮ ዘይብላ ዓለም ትቕልቀል'ዶ ትህሉ?
"ብቕልጡፍ ክብል ከለኹ፡ ብመሰረት ፍልቀት ማለተይ'ዩ። ናይ ጾታ ክሮሞዞማት ኣብ መጥበውቲ፡ ቅድሚ ኣስታት 180 ሚልዮን ዓመታት እዮም ተፈጢሮም። ዋይ ክሮሞዞም ክሳብ እዚ ደረጃ እዚ ንኸንቈልቁል ክንድኡ ዝኣክል ግዜ እዩ ወሲዱሉ" ትብል ግሬቭስ።
"ሰባት ብዛዕባ ምንካይ ዋይ ክሮሞዞም ክሳብ ክንድ'ዚ ክጉህዩ ምርኣይ ዘስሕቕ'ዩ። ብናተይ ግምታዊ ቅማረ፡ ዋይ ክሮሞዞም ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝጠፍእ ካልእ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ሚልዮን ዓመት ኣለና።"
ኣብ መወዳእታ ሃብታማት ዓለምና ዘልኣለማውነት ዝህብ ገለ ነገር እንተዘይኣምጺኦም፡ ምጅማር ምጥፋእ ዋይ ክሮሞዞም ክጸንሕ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ብክልሰ-ሓሳብ ግን እንታይ ክመስል ይኽእል?
ካብ ዘይጸገየ እንቋቑሖ ዘርኢ ከፍርዩ ዝኽእሉ ገለ እንስሳታት ኣለዉ፤ እዚ 'ፓርቴኖጀነሲስ' ዝበሃል መስርሕ ግን ኣብ ደቂ ሰባት ኣይሰርሕን።
"ንጡፋት ንኽንከውን ካብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክመጹ ዝግባኦም ብርክት ዝበሉ ሰረታት ኣለዉ። እዚኦም ብሕነተ-ሰረት (genomic) ዝተሓተሙ ሰረታት ተባሂሎም ይፍለጡ። ደቂ ተባዕትዮ የድልዩና እዮም፤ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ የድልየና እዩ። ይዅን እምበር፡ ኣማራጺ ኣሎ" ትብል ግሬቭስ።
"ጾታ ኣብ ምውሳን ዝነጥፍ ሓድሽ ሰረት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። እዚ ድሮ ኣብ ከም ኣንጭዋ፡ ምጹጹላይ ዝኣመሰሉ ገለ ቀርጠፍቲ እንስሳታት ዝተረኣየ ኰይኑ፡ ብኣድማዒ መንገዲ ዝሰርሐ'ውን ይመስል።"
ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝርከቡ ሞል ቮልቭስን ኣብ ጃፓን ድማ ስፓይኒ ዝተበሃሉ ክልተ ዓይነታት ኣናጹ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምሉእ ብምሉእ ዋይ ክሮሞዞም የብሎምን። ይዅን'ምበር ንዅሎም ኣገደስቲ ሰረታት ዋይ ክሮሞዞም ናብ ካልኦት ክሮሞዞማት ብምግዓዝ፡ ብዝተፈልየ መንገዲ ጾታ ዝውስንሉ ኣገባብ ኣማዕቢሎም ኣለዉ።
ኰይኑ ግን እዚ መስርሕ ኣብዞም ቀርጠፍቲ እንስሳታት ጽቡቕ ውጽኢት እኳ እንተምጽአ፡ ኣብ ደቂ ሰባት ግን ብኸመይ ከምዝሰርሕ ውሕስነት የለን። ሓደስቲ ሰረታት ጾታ ምፍጣር ብሓቂ ኣዝዩ ቀሊል'ዩ፣ እቲ ጸገም ግን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣረጊትን ሓድሽን ሰረት እንተመጺኡ እንታይ ክፍጠር ይኽእል ዝብል'ዩ።
"እዚ ድማ ኣብ ሰረታት ጾታ ውግእ ይፈጥር ኣሎ" ትብል ግሬቭስ። "ኣብ ዋይ ክሮሞዞም ሓደ ጾታ ወዲ ተባዕታይ ዝውስን ሰረት ክህሉ ይኽእል፤ካልኦት ድማ ኣብ ካልእ ቦታታት ክርከቡ ይኽእሉ እዮም። እዚኣቶም ኣብ እተፈላለየ ክፋላት ዓለም ማዕቢሎም ምፍልላይ ዓሌት ደቂ ሰባት ክፈጥሩ ይኽእሉ።"
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እዚ ሓሳብ እዚ ግምታዊ ጥራይ እዩ። ዋይ ክሮሞዞም የንቈልቁል ኣሎ፤ እዚ ንጹር እዩ።
ብኣንጻሩ እቲ መጻኢ ውጽኢት ግን ከምኡ ንጹር ኣይኰነን።
ድሕሪ ሚልዮናት ዓመታት ደቂ ተባዕትዮ ህላወኦም ከቋረጽ ግን ተኽእሎ ኣሎ። ማዕረ ማዕረኡ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ጾታ ዝፈጥር ለውጢ ፍልቀት ክንርኢ ንኽእል ንኸውን።
ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ዋይ ክሮሞዞም ስግንጢር ባህሪ ስለዘለዎ፡ ድሮ ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዓለምና ንመጀመርታ ግዜ ብዘይ ዋይ ክሮሞዞም ዝተወልደ ወዲ ተባዕታይ ክህሉ ከምዝኽእል ግሬቭስ ትኣምን።