እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መቐለ ዝተጀመረ ልግሲ ዘርኢ ተባዕታይን እንቋቍሖን፡ መኻንነት ይፈትሕ ዶ ይኸውን?
ኣብ መፋርቕ ኣርብዓታት እትርከብ ሄለን ተስፋይ (ስማ ዝተቐየረ) ሓዳር ካብ እትገብር ክልተ ዓመት ኮይኑዋ ኣሎ፤ ውሉድ ናይ ምርካብ ህርፋና ግና ኣይሰመረን።
“እንዳ ቤተሰብይ ምስ ከድኩ ‘ንምንታይ ኢኺ ዘይትወልዲ?’ ይብሉኒ። እዚ ድማ ዘጨንቅን ዘሻቕልን እዩ። ኣብዚ እዋን ቈልዓ ስለዘይብለይ ኣዝዩ ይስመዐኒ። ኣሓተይ ኩለን ወሊደን እየን። ዘይምውላደይ ኣዝዩ እዩ ዝስመዐኒ” ብምባል ድሕሪ ሓዳር ቈልዓ ዘይምውላዳ ዝፈጠረላ ጸቕጢ ተዘንቱ።
እታ ነባሪት ከተማ መቐለ “ቈልዓ ኣዝዩ ወሳኒ ነገር እዩ። ዋላ ገዛ እንተሰራሕኩ፣ ካልእ እንተረኸብኩ፣ በይነይ እንተኾይነ እንታይ ይዓብሰለይ?” ክትብል'ውን ትሓትት።
ሄለን ዋላኳ ወርሓዊ ጽግያታ እንተቋረጸ፡ ቈልዓ ንምርካብ ናብ ዝተፈላለዩ ሰብሞያ ሕክምና ከምዝተመላለሰት ንቢቢሲ ተዛሪባ። ነዚ ተባሂሉ ዝተውሃባ መድሓኒት ወሲዳ'ውን ለውጢ ኣይረኸበትን።
ሕጂ ግን ተስፋ ዝህብ መድሓኒት ከምዝረኸበት ትዛረብ። እንቋቍሖ እትልግሰላ ጓል ኣንስተይቲ እንተረኺባ ክትጠንስ ከምእትኽእል ተነጊርዋ እዩ።
ነዚ ሕክምና ዝህብ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኣዴታት፣ ህጻናትን ነቅኣ ህይወትን እዩ።
ብዛዕባ እዚ ውላድ ዝርከበሉ ሓድሽ መንገዲ ካብ ሰብ ሞያ እቲ ትካል ዝሰምዐት ሄለን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብቐረባ እትፈልጠን ደቂ ኣንስትዮ እንቋቍሖ ክህባኣ ክትሓትት ከምዝቐነየት ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ነቲ ሕቶ ካብ ዘቕረበትለን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዘሐጉስ ምላሽ እኳ እንተዘይረኸበት፡ ሓንቲ ናይ ቀረባ ዘመዳ ግን እንቋቍሖ ክትህባ ፍቓደኛ ምዃና ከምዝገለጸትላ ትጠቅስ።
ነዚ ናይ መኻንነት ሽግር ፍታሕ ዝህብ ማእከል ሕክምና ኣዶ፡ ካብ ለገስቲ ዝርከብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ንምእካብ ዘኽእል ፍቓድ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ - 24 ታሕሳስ 2016 ኣግ - እዩ ካብ በዓል መዚ ቁጽጽር ምግቢ፣ መድሓኒትን ጥዕናን ክልል ትግራይ ረኺቡ።
እቲ ማእከል ነዚ ፍቓድ ምስረኸበ ብልገሳ ዝተረኸበ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ብምርኻብ ብዕዉት ኩነታት ጥንሲ ክፍጠር ከምዝገበረ ወናኒ ማእከል ሕክምና ኣዶ ዶ/ር ሳምሶን ሙሉጌታ ንቢቢሲ ገሊጹ።
በዚ መገዲ ዝጠነሰት ኣዶን በዓል ቤታን ቈልዓ ንምውላድ ይጽበዩ ከምዘለዉ ምክትል ዳይረክተር ቁጽጽር ምግቢ፣ መድሓኒትን ጥዕናን ትግራይ ኣቶ የሱፍ ኡብራሂም ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ካልኦት ተሓከምቲ እቲ ማእከል እውን ዘርኢ ተባዕታይን እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ካብ ወለንተኛታት ንምርካብ ይጽበዩ ከምዘለዉ ዶ/ር ሳምሶን ይገልጽ። ነዚ ድማ እቲ ማእከል ፍቓደኛ ዝኾኑ ሰባት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ክልግሱ ጻውዒት ይገብር ኣሎ።
ብዝተለገሰ ፍረ ዘርእን እንቋቍሖን ህጻን ዘሕቁፍ ሕክምና
ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ዶ/ር ሳምሶን ከምዝብሎ፡ ብዝተለገሰ እንቋቍሖ ዝወልዳ ደቂ ኣንስትዮ “ጥንሲ ክስከም ዝኽእል ማህጸን እናሃለወን፡ እንቋቍሖ ግን ዘይብለን” ከምዝኾና ይገልጽ። ኣብዚ ኩነታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝልገሰለን እንቋቍሖን ናይ በዓል ቤተን ዘርእን ብምርኻብ ጥንሲ ከምዝፍጠር የረድእ።
ብናይ ተባዕታይ ዘርኢ ልግሲ ዝወልዳ ድማ፡ በዓል ቤተን “ናይ ዘርኢ ፈሳሲ እናሃለዎ ፍረ ግን ዘይብሉ” እንተኾይኑ ከምዝኾነ ዝገልጽ እቲ ስፔሻሊስት፡ እቲ ብልግሲ ዝተረኸበ ፍረ ዘርእን ናይታ ሰበይቲ እንቋቍሖን ተራኺቦም ጥንሲ ከምዝፍጠር ኣረዲኡ።
ኢንቪትሮ ፈርቲላይዜሽን (Invitro fertilization-IVF) ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ብምርኻብ ጥንሲ ዝፍጠረሉ ከይዲ እዩ። እዚ ሰብ ሰራሕ ሕክምና ተዋልዶ፡ እንቋቍሖን ዘርኢ ተባዕታይን ካብ ማህጸን ወጻኢ ኣብ ቤተ ፈተነ እዮም ክራኸቡ ዝግበር።
እቲ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተፈጠረ ጥንሲ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ክኣቱ ብምግባር ልሙድ ተፈጥሮኣዊ ናይ ጥንስን ወሊድን ከይዲ ይቕጽል።
በዚ ከይዲ ሕክምና ንፈለማ እዋን ቈልዓ ዝተወለደ ኣብ 1978 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ማዕቢሉ ብስፍሓት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ።
መረዳእታታት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብርዎ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ምፍጣር ጥንሲ ካብ ዝጅመር ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህጻናት በዚ ከይዲ ተወሊዶም።
ቈልዓ ምውላድ ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ነዚ ሕክምና ንምርካብ መብዛሕትኡ ግዘ ናብ ህንዲ ከምዝጓዓዙ ክኢላ ሕክምና ማህጸንን ጥንስን ዶ/ር ሳምሶን ይገልጽ። ካብ 15 ክሳብ 20 ሽሕ ዶላር ዝውድእ ሕክምና ህንዲ “ብዙሕ ድኻም” ከምዘለዎ እውን ይጠቅስ።
ዶ/ር ሳምሶን ከምዝብሎ፡ ካብቲ ዝሓቶ ልዑል ወጻኢ ብተወሳኺ፡ ኣብ ህንዲ ካብ ዝተለገሰ ዘርኢ ጠኒሰን ዝመጻ ኢትዮጵያውያን ካልእ ጸገም እውን የጋጥመን እዩ።
እቶም ኢትዮጵያውያን “ናብ ወጻኢ እንትኸዱ ሒዞምዎ ዝመጹ ጥንሲ ናይ ህንዲ እዩ ዝኸውን። [ናይቶም ህጻናት] ጸጉሮም ዝተፈለየ እዩ፤ መልክዖም እውን ለውጢ ይህልዎ። ካብቲ ማሕበረሰብ እውን ቁሩብ ጽዕንቶ ይህልዎ እዩ። ዋላኳ ምውላዶም እንተ ኣሐጎሶም፡ ዝወሃቦም ፍረ ዘርእን እንቋቑሖን ናይ ህንዲ ስለዝኾነ ናይ ባዕሉ ጸቕጢ ይህልዎ እዩ” ብምባል ነቲ ዘስተውዓሎ ይዝርዝር።
“ናብዚ ስራሕ ክንኣቱ ዝደፈአና እውን ናይቲ ማሕበረሰብ ጸገም እዩ” ዝብል ዶ/ር ሳምሶን “ናይዞም ሰባት ጸገም ዝርደኦ ቈልዓ ዘይብሉ ሰብ እዩ” ይብል። ካልእ ድማ “[ኣብ መደበኛ ሕክምና] እንትንሰርሕ ‘ኣብ ዘርእኻ ፍረ (ስፐርም) ኣይረኸብናን’ እንትንብሎም ቀጥታ ናብ ፍትሕ ብምኻድ፡ ንዓሰርተ ዓመት ዝነበሮም ፍቕሪ ብሓደ ግዘ ናይ ምፍራስ” ኩነታት ምርኣዩ ከምዝኾነ ይጠቅስ።
ጻውዒት ልገሳ ፍረ ዘርእን እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን
ኣዶ ማእከል ሕክምና ኣዴታት፣ ህጻናትን ነቅኣ ህይወትን፡ ነዚ ሕክምና ንምሃብ ምድላው ዝጀመረ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ምንባሩ ዶ/ር ሳምሶን ይገልጽ። ነቲ ሕክምና ንምጅማር ዝተበገሰ ጻዕሪ ብሰንኪ እቲ ኲናት ተቛሪጹ ዝነበረ ኮይኑ፡ እቲ ኲናት ደው ምስበለ እቲ ከይዲ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ተበጺሑ።
ኣብዚ እዋን እቲ ማእከል ፍረ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ንምልጋስ ፍቓደኛ ዝኾኑ ሰባት እዩ ዝጽበ ዘሎ።
ዶ/ር ሳምሶን ከምዝብሎ፡ ኩሉ ሰብ ኣይኮነን ፍረ ዘርኢ ወይ እንቋቑሖ ክልግስ ዝኽእል። ካብ ናይ ክልቲኦም ጾታ ፍቓድ ብተወሳኺ ብቑዕ ምዃኖም ዘረጋግጽ መመዘኒታት ኣሎ።
ለገስቲ ፍረ ዘርኢ ተባዕታይ ዝህብዎ መጠን ፈሳሲ ዘርኢ ልዕሊ 1.5 ሚሊ ሊትር ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሚሊ ሊትር ዘርኢ ፈሳሲ ድማ ልዕሊ 15 ሚልዮን ዋህዮታት ፍረ ዘርኢ ክህልዉ ይግባእ። ብተወሳኺ ለገስቲ ብዝግበረሎም ምርመራ ካብ ኤችኣይቪ፣ ቫይረስ ጉበትን ካልኦት ተመሓላላፍቲ ሕማማትን ነጻ ምዃኖም ክረጋገጽ ኣለዎ።
እንቋቍሖ ኣብ ዝልግሳ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ናይ ዕድመ ገደብ እውን ከምዘሎ ዶ/ር ሳምሶን የረድእ። እንቋቍሖ ንምልጋስ ብቑዓት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ካብ 20 ካስብ 30 ዓመት ዕድመ ዝርከባ እየን። ካብዚ ብተወሳኺ ለገስቲ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ሕዚ ዝወለዳ ክኾና ኣለወን።
ዶ/ር ሳምሶን እዚ መምዘኒ ዝተቐመጠሉ ምኽንያት እንተረድእ “ [ናይ ዝወለዳ ደቂ ኣንስትዮ] እንቋቍሖአን ዝተፈተነ እዩ። ምኽንያቱ ወሊደን እየን፤ እንቋቍሖአን ጥዑይ ምዃኑ መረጋገጺ ኣሎ። ዕድሚአን ንእስ እንትብል ድማ እቲ እንቋቍሖ ጸርየት ይህልዎ። ጽርየት ዘለዎ እንቋቍሖ እንትኸውን ጥንሲ ናይ ምፍጣር ዕድሉ ሰፊሕ እዩ። ናብ 80፣ 85 ምኢታዊት ይበጽሕ። እዚ ኣብ ዓለም ዝስረሐሉ ተሞኩሮ እዩ” ይብል።
ነዞም መመዘኒታት ዘማልኡ ለገስቲ ምስቲ ትካል ዝኣትውዎ ስምምዕ ከምዘሎ እውን ወናኒ እቲ ማእክል ሕክምና ይገልጽ። ዶ/ር ሳምሶን ከምዝብሎ ካብቶም ስምምዓት ሓደ ዝተለገሰ ፍረ ዘርኢ ወይ እንቋቑሖ ንመን ከምዝወሃብ ዘይግለጽ ምዃኑ እዩ።
“ደም እንትልገስ ንመን ከምዝወሃብ ኣይፍለጥን። ህይወት ሰብ ምድሓን እዩ እቲ ዝሕሰብ። ኣብዚ እውን ንሰብ ምሕጋዝ እዩ እቲ ዝሕሰብ” ብምባል እቲ ከይዲ ምስ መትከል ልገሳ ደም ከምዝመሳሰል ይጠቅስ።
ኮይኑ ግና ዝተለገሰ ፍረ ዘርኢ ንመን ከምዝወሃብ ክፍለጥ ዝከኣለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ካብዚኦም ሓደ ፡ ተቐበልቲ ዝልግሰሎም ሰብ ሒዞም እንትመጹ እዩ።
ኣብ እዋን ልገሳ ዝፍረም ውዕል ነዚ ፍታሕ ከምዘቐመጠ እዩ ዶ/ር ሳምሶን ዝሕብር። ለገስቲ በቲ ዝህብዎ እንቋቑሖ ወይ ፍረ ዘርኢ፡ ጥንሲ ምስተፈጠረ ኣብቲ ዝውለድ ቈልዓ ናይ ወላዲነት ሕቶ ከልዕሉ ከምዘይክእሉ እቲ ስፔሻሊስት ማህጸንን ጥንስን ይገልጽ።
“እቲ ኣብቲ ውዕል ዝፍርም ‘ኣነ ብወለንታይ እየ ዝልግስ ዘለኹ። እቲ ዝፍጠር ጥንሲ፣ ቈልዓ ዋንነቱ ናይቶም ተቐበልቲ እዩ’ ኢሉ እዩ። ስለዚ ብዙሕ ናብ ጭቕጭቕ ዘእቱ ነገር የለን” ብምባል ካብ ቀንዲ ነጥብታት እቲ ስምምዕ ነቲ ሓደ የረድእ።
በዚ ውዕል ተሰማሚዖም ዝፍርሙ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ለገስቲ፡ ብዝተፈላለዩ ከይዲታት እዮም ዝሓልፉ። ተባዕትዮ ለገስቲ ብምርመራ ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ነጻ ምዃኖም ምስተረጋገጸ፡ ፍረ ዘርኢ ክሳብ ዝህቡሉ መዓልቲ ካብ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ተዓቂቦም ክጸንሑ ከምዘለዎም ዶ/ር ሳምሶን ይገልጽ።
ፍረ ዘርኢ ኣብ ዝውሰደሉ መዓልቲ ድማ ብመገዲ ማስተርቤሽን ወይ ግብረ-ሕቡእ ፈሳሲ ዘርኢ ከምዝህቡ የረድእ። ፍረ ዘርኢ ዝልግሱ ደቂ ተባዕትዮ “መተባብዒ” 10 ሽሕ ብር ከምዝወሃቦም'ውን ገሊጹ።
እንቋቑሖ ዝልግሳ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝወስድዎ ግዘ ዝነውሐ መዓልቲ እየን ዝወስዳ። በዚ ከይዲ ዝሓልፋ ገቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ምልጋሰን “እንቋቍሖ ክዓቢ ዝገብር መርፍእ” ክወስዳ ከምዝግበር ዶ/ር ሳምሶን ይገልጽ።
“[ለገስቲ ደቂ ኣንስትዮ] ንኣስታት 10 መዓልቲ መርፍእ ይወስዳ። እቲ እንቋቑሖ ዓብዪ ኢልና ኣብ ዝሓሰብናሉ፡ ናብ ማህጸን ዝኣቱ ኣልትራሳውንድ ኣሎ፤ ብእኡ ኢና እንቋቍሖ እንእክብ” ክብል የረድእ።
ለገስቲ ደቂ ኣንስትዮ እንቋቍሖ ንምሃብ ዝሓልፈኦ መንገዲ ከም ደቂ ተባዕትዮ “ቀሊል” ብዘይምዃኑን ንመዓልቲታት ናብቲ ማእከል ስለዝመላለሳን፡ ዝወሃበን “መተባብዒ ገንዘብ” ካብ ናይ ለገስቲ ተባዕትዮ ዝለዓለ እዩ። እቲ ማእከል ንለገስቲ ደቂ ኣንስትዮ 30 ሽሕ ብር ከምዝህብ ዶ/ር ሳምሶን ይገልጽ።
ክሳብ ሕዚ ግና ፍረ ዘርኢ ኮነ እንቋቍሖ ዝልግስ ፍቓደኛ ክርከብ ከምዘይተኽኣለ ወናኒ እቲ ማእከል ሕክምና ተዛሪቡ። እዚ ድማ ሕጽረት ግንዛበ ዘስዓቦ ምዃኑ ብምሕባር “. . . ኣብ ካልእ ዓለም እውን ከምዝትግበር፣ ንዝተጸገመ ሰብ ምርዳእ ከምዝኾነ ንምርዳእ ጻዕሪ ንገብር ኣለና። ቁሩብ ግዘ ዝወስድ ይመስለኒ” ኢሉ።
ብልገሳ ብዝተረኸበ ፍረ ዘርእን እንቋቍሖን ጥንሲ ናይ ምፍጣር ከይዲ
ዶ/ር ሳምሶን ከምዝብሎ፡ ተሓከምቲ ቅድሚ ብልገሳ ብዝርከብ ፍረ ዘርኢ ወይ እንቋቍሖ ክረኽቡ ናብ ዘኽእል ሕክምና ምእታዎም ብኻልእ መንገዲ ቈልዓ ክወልዱ ዘይክእሉ ምዃኖም ክረጋገጽ ኣለዎ። እዚ ምስተረጋገጸ እቲ ጉዳይ ናብ ቦርድ እቲ ማእከል ቀሪቡ ይግምገም።
“[ኣባላት ቦርድ] ነቲ ከይዲ ይርእይዎ። ተሓከምቲ እንታይ ተመርሚሮም? እንታይ ኣማራጺ ኣለዎም? [ዝብል መርሚሮም] ‘ዘለዎም መማረጺ ልገሳ ጥራሕ እዩ’ ዝብል ብፊርማኦም የረጋግጹ” ብምባል ድሕሪ እዚ ክዳለዉ ከምዝንገሮም ዶ/ር ሳምሶን ይዛረብ።
እንቋቍሖ ዝልገሰለን ደቂ ኣንስትዮ፡ ግድግዳ ማህጸነን ክዳሎ ምእንቲ ን 10 መዓልቲ መድሓኒት ከምዝወስዳ እቲ ክኢላ የረድእ። ነዘን ደቂ ኣንስትኦ ዘድሊ ፍረ ዘርኢ ካብ በዓል ቤተን ከምዝርከብ እውን ይጠቅስ።
ብሰንኪ ኣብቲ ሰብኣይ ዘጋጠመ ጸገም ዘርኢ ፍረ ካብ ካልእ ተባዕታይ ዝውሰድ እንተኾይኑ ድማ፡ ናይታ ሰበይቲ አንቋቑሖ ክእከብ ይግበር። “በዓልቲ ቤቱ እንቋቑሖ እናፍረየት ትጸንሕ። [ናይታ ሰበይቲ] እንቋቍሖ ኣብ ዝኣከብናሉ መዓልቲ፡ ጥንሲ ንምፍጣር እቲ ዝተለገሰ ፍረ ዘርኢ ምስቲ እንቋቍሖ ይራኸብ ማለት እዩ” ብምባል ነቲ ኣፈላላይ የረድእ።
ብኽልቲኡ መንገዲ፡ እንቋቍሖን ፍረ ዘርእን ዝራኸቡ ኣብ ቤተ ፈተነ ከምዝኾነ እቲ ክኢላ ይገልጽ።
“እቲ እንቋቍሖን ፈረ ዘርእን ተራኺቦም ኣብ ላቦራቶሪ ጥንሲ ይፍጠር። እቲ ጥንሲ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ኢንኩቤተር ይጸንሕ። ደረጃ ናይቲ ጥንሲ፣ ዕብየቱ ርእይና፣ ጥዑይ ምዃኑ ኣረጋጊጽና፡ እቲ ጥንሲ ናብ ግድግዳ ማህጸን እታ ተቐባሊት ነእትዎ” ብምባል እውን ነቲ ከይዲ የብርህ።
ዶ/ር ሳምሶን ከምዝብሎ እቲ ከይዲ ካብ 350 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ብር ክውድእ ይኽእል። እዚ ወጻኢ ነቶም ከይዲታት ከምዝሽፍንን ካብቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝኽፈል ብብዙሕ ዕጽፊ ዝወሓደ ከምዝኾነን ይገልጽ።
ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ሰብ ሰራሕ ተዋልዶ እንታይ ይብል?
ምክትል ዳይሬክተር በዓል መዚ ቁጽጽር ምግቢ፣ መድሓኒትን ጥዕናን ትግራይ ኣቶ የሱፍ ኢብራሂም ከምዝብሎ፡ ማእከል ሕክምና ኣዶ ዘቕረቦ ልገሳ ፍረ ዘርእን እንቋቑሖ ወዲ ተባዕታይን ንምቕባል ዘኽእሎ ፍቓድ ክወሃቦ ምሕታቱ ስዒቡ እዩ እቲ ቤት ጽሕፈት ፍቓድ ሂብዎ።
እቲ በዓል መዚ ኣብ ሕዳር 2016 ኣግ ንዝቐረበሉ ሕቶ ፍቓድ ቅድሚ ምሃቡ እቲ ማእከል ነቲ ዝሓተቶ ኣገልግሎት ምሃብ ዝኽእል ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝተፈላለዩ ምዘናታት ከምዘሳለጠ ይዛረብ።
ናይቶም ነቲ ሕክምና ዝህቡ ሰብሞያ ደረጃ ትምህርትን ልምድን ከምኡ ድማ ኣብ ረብሓ ዝውዕል ቴክኖሎጂ ብሰብ ሞያ ተመዚኑ፡ ነቶም መለክዒታት ከምዘማለአ እውን ኣቶ የሱፍ ሓቢሩ።
“(ብተወሳኺ) ናይ ፌደራል ሕጊ ይቃወምዶ ኣይቃወምን ዝብል እውን ርእይናዮ ኢና። በዚ ኣዋጅ መሰረት ዝቃወም ስለዝሰኣንና (ፍቓድ ተዋሂቡ እዩ)” ብምባል ጉዳይ ሕጊ ከምዝተርኣየ ገሊጹ።
እቲ ምክትል ዳይሬክተር “ኣብ ትግራይ (ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዝተለገሰ ዘርኢ) ዝተወለዱ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ቆልዑ ኣለዉ። ናይ ወጻኢ ዜጋ እዮም ዝመስሉ። እቲ ዝውለድ ቆልዓ ምስ ናትና ቆርበት ዝመሳሰል ኣይኮነን። (በዚ ምኽንያት) ኣብ ኣዶታት ዝበጽሕ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ንምቕናስ ብናትና ፍረ ዘርኢ፣ ብናትና እንቋቑሖ፣ ኣብዚ ሕክምና እንተሃብና ይሓይሽ ኢልና ፈቒድና” ብምባል እቲ ትካል ፍቓድ ዝረኸበሉ ተወሳኺ ምኽንያት ኣረዲኡ።
እቲ በዓል መዚ ኣብቲ ንማእከል ሕክምና ኣዶ ፍቓድ ዝሃበሉ ወረቐት፡ እቲ ኲናት ኣብ ጥዕና ስነ ተዋልዶ ነበርቲ እቲ ክልል ጽቕጢ ከምዘስዓበ ከምኡ ድማ ኣብ ወጻኢ ዓዲ ነዚ ሕክምና ንምግባር ዘሎ ቁጠባዊ ጸቕጢን ብምኽንያትነት ጠቒሱ።
እቲ ቢቢሲ ዝረኣዮ እቲ ማእከል ፍቓድ ዝረኸበሉ ደብዳበ፡ ኣብ 2006 ኣግ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዘጽደቖ ደንቢ “ምምሕዳርን ቁጽጽርን ምግቢ፣ መድሓኒትን ጥዕናን” መሰረት ዝገበረ እዩ። ብኣቶ ኢብራሂም ዝተጽሓፈ ደብዳበ ኣብቲ ደንቢ ዓንቀጽ 57 ዝሰፈረ “ልገሳ ፍረ ዘርእን እንቋቑሖን ብዝምልከት ክልከላ ከምዘይተቐመጠ” ይጠቅስ።
እቲ ኣብቲ ደብዳበ ዝተጠቐሰ ዓንቀጽ፡ “ሕክምና ሰብ ሰራሕ ተዋልዶ” ዝምልከት ዝተሓገገሉ ክፍሊ እዩ። እዚ ዓንቀጽ ፍቓድ ዝረኸቡ ትካላት ነዚ ሕክምና ክህቡ ከምዝኽእሉ ሓጊጉ እዩ።
እቲ ደንቢ “ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ብዝህቦ ፍቓድ፡ ብትካላት ጥዕናን ሰብሞያ ጥዕናን ሕክምና ሰብ ሰራሕ ተዋልዶ ክወሃብ ይኽእል እዩ” ይብል። ክራይ ማሕጸንን “ብቴክኖሎጂ ክሎኒንግ ሰብ ምፍጣርን “ ግና ዝተኸልከሉ ተግባራት ከምዝኾኑ ኣብዚ ዓንቀጽ ሰፊሩ ኣሎ።
ኮይኑ ግና በቲ ደንቢ ፍቓድ ክወሃቦ ዝተጠቐሰ ሰብ ሰራሕ ተዋልዶ ካብ ካልእ ሰብ ዝርከብ ፍረ ዘርኢ ወይ እንቋቑሖ ከምዘየጠቓልል ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ፈጻሚ ስራሕ ቁጽጽር ጥዕና፣ ትካላት ጥዕናን ሰብ ሞያን ኣቶ እንዳልካቸው ጸዳል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ 2006 ኣግ ዝወጸ ደንቢ “ ንሕክምና ሰብ ሰራሕ ተዋልዶ” ዝሃቦ ትርጉም፡ ሕክምና ዝወሃበሉ ክልተ መንገዲታት የጠቓልል። እቲ ናይ መጀመርታ “ፍረ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ካብቲ ብተፈጥሮ ዝፍለጥ መንገዲ ብዝተፈለየ፡ ንወሊድ ተባሂሉ ናብ መራብሒ እታ ጓል ኣንስተይቲ ምትሕልላፍ” ዝብል እዩ።
እቲ ካልኣይ ትርጉም ድማ “ውጽኢት ጥምረት ዘርኢ ተባዕታይን ኣነስታይን፡ ናብ ማህጸን ናይታ ዘርኢ ዝተወሰደላ ሰበይቲ ንምትሕልላፍ፡ ካብ ኣካላዊ ሰብነት ወጻኢ፡ ዘርኢ ተባዕታይን ኣንስታይን ምትሕውዋስ” ይብል።
ኣቶ እንዳልካቸው ከምዝብሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ “ኣይቪኤፍ” ዝተባህለ ሕክምና ዘካይዱ ትካላት ጥዕና ፍቓድ ዝረኽቡሉ መመዘኒ እኳ እንተሃለወ፡ ካብ ካልእ ሰብ ብዝርከብ ፍረ ዘርኢ ወይ እንቋቑሖ ጥንሲ ምፍጣር ግን ኣየጠቓልልን።
“ከም ሃገር እዚ ምስራሕ ዝከኣል ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ልገሳ ዝበሃል ብወገንና ኣፍልጦ ክንህብ ኣይንኽእልን” ክብል ንመስርሕ እቲ ሚኒስትሪ ኣረዲኡ።
በዚ ምኽንያት ብልገሳ ብዝተረኸበ ዘርኢ ብዛዕባ ዝፍጠር ጥንሲ “ርእይቶ ክህብ ከምዘይክእል” ዝጠቐሰ ኣቶ እንዳልካቸው ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተውሃበ ፍቓድ ከምዘይፈልጥ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኮይኑ ግና ክልላት ጥዕና ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ካብ ወድዓዊ ኩነታት ተበጊሶም ናይ ባዕሎም መንገዲ ክውስኑ ከምዝኽእሉ ጠቒሱ።
“(ጉዳይ ጥዕና ብዝምልከት) ክልላት ከም ናይ ባዕሎም ጭቡጥ ኩነታት ናይ ምስትኽኻል፣ ምምሕያሽ ወይ ምጥዕዓም (customize) ናይ ምግባር ስልጣን ኣለዎም። ሓደ ሓደ ነገራት ግን ምቕያር ኣይክእሉን። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዝተውሃበ ስልጣን ፌደራልን ክልላትን ኣሎ። ስለዚ ጥዕና ኣብ ፌደራልን ኣብ ክልልን እኳ እንተሃለወ፡ ምስ ናይ ባዕሎም ምጥዕዓም ከምዝኽእሉ ዕድል ኣለዎም” ኢሉ።