ሓላፊ ፖሊስ ኬንያ፡ ነቲ ብዙሓት ሰልፈኛታት ዝሃለቑሉ ተቓውሞ ስዒቡ ካብ ስልጣኑ ለቒቑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓላፊ ፖሊስ ኬንያ ጃፌት ኩመ፡ ልዕሊ እቲ 40 ሰባት ህይወቶም ዝሰኣንሉ ብርቱዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ስዒቡ፡ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ኣፍሊጡ።
ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፖሊስ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ብጥይት ከምዝቐተሉ፡ ካልኦት ኣማኢት ድማ ጨውዮም ወይ ካብ ሕጊ ወፃኢ ሰዊሮም ከምዝኣሰሩ ከሲሶም ኣለዉ።
እዚ ናይቲ ፖሊስ ካብ ስልጣን ምልቃቕ ውሳነ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ንካቢነ ሚኒስተራቱ ምስ በተነ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ ዝኸውን ዘሎ።
እዚ ድማ ብዓቢኡ ብተባዕ መንእሰያት ኬንያ ብቐንዱ ብኢንተርነት ክውደብ ዝጀመረ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ጸቕጢ ስዒቡ ዝመፅአ ለውጢ እዩ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሓገግቲ ኣካላት ነቲ ኣካታዒ እማመ ፋይናንስ ኣብ ዘፅደቕሉ እዋን፡ ሰልፈኛታት ንህንፃ እቲ ሃገራዊ ባይቶ ጥሒሶም ብምእታው፡ ሓዊ ከም ዝሰድድሉ ዝዝከር እዩ።
ፖሊስ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተኹሲ ብምኽፋት፡ ብዙሓት ቀቲሉ።
ፕረዚደንት ሩቶ፡ ነቲ ተቓውሞታት ስዒቡ፡ ካብቲ እማመ-ወሰኽ ግብሪ ኣንሳሒቡ'ኳ እንተነበረ፡ እዚ ስጉምቲ ግን ነቶም እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልቡ ዘለዉ ሰልፈኛታት ከዕግብ ኣይከኣለን።
ሚስተር ኩመ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ብኬንያውያን ተቐባልነት ዝረኸበ እንተዀነ’ኳ፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጥይት ከዝንቡ ብቪድዮ ዝረአዮ ኣባላት ፖሊስ ግን ዛጊድ ኣብ ስረሖም ይርከቡ።
ፕረዚደንት ሩቶ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤክስ ብቐጥታ ምስቶም መናእሰያት ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ መርትዖ ቪድዮ ምስ በጽሖ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ፖሊስ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ንኬንያውያን ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ከምኡ ገይሩ ድዩ ኣይገበረን ግን ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።
ፀቕጢ ዝበዝሖ ዘሎ ፕረዚደንት
ኣብ እዋን ናይ ክልተ ዓመት ስልጣኑ እቲ ዝዓበየ ህዝባዊ ተቓውሞ ዘተአናገደ ፕረዚደንት ሩቶ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ምስ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ተራኺቡ ዘትዩ ኣሎ።
ንጸገማት እታ ሃገር መፍትሒ ንምርካብ ዝሕግዝ 150 ኣባላት ዝሓቖፈ ናይ ዘተ ፓነል ንምቛም መደብ ከምዘለዎም’ውን ኣኣንፊቱ።
እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሓሙስ ንዋና ዓቃቢ ሕጊ ሓዊሱ ንካቢነ ሚኒስተራት ምስ በተነ፡ ሰፊሕ-መሰረት ዘለዎ መንግስቲ ንምቛም ብሰፊሑ ይሰርሐሉ ከምዘሎ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።
እቲ ሓድሽ ወሰኽ ግብሪ፡ ልዕሊ 80 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ወፃኢ ዕዳ እታ ሃገር ንምቅላል ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
እንተዀነ መናእሰይ ኬንያ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ተዳዕኒኑ ዝፀንሐ ናብራ ምኽባር ዘጋደደ ስጉምቲ ኣይተቐበልዎን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







