ካማላ ሃሪስ፡ ሕጽይቲ ዲሞክራት ንምዃን ዘኽእላ እዅል ድምጺ ረኺባ

ካማላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ኣመሪካ ሕጽይቲ ኰይና ንምቕራብ ካብ ወከልቲ ዲሞክራት እዅል ድምጺ ድጋፍ ከም ዝረኸበት ይግለጽ ኣሎ።

ማዕከን ዜና ኣመሪካ ሲቢኤስ፡ ኣሶሸይትድ ፕረስ ንዝሰርሖ ሓደ መጽናዕቲ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ሃሪስ ኣብ ፈላማይ ዙርያ መረጻ ልዕሊ 1976 ድጋፍ ወከልቲ ሰልፊ ዲሞክራትስ ከም ዝረኸበት ሓቢሩ።

“ሰፊሕ ድጋፍ” ብምርካባ “ከም ዝተሓበነት” ብምግላጽ፡ እቲ ሰልፊ ብወግዒ እቲ መዓርግ ሕጹይነት ክሳብ ዝህባ ትጽበ ከም ዘላ ኣፍሊጣ።

ወከልቲ ዲሞክራት ዝበሃሉ፡ ኣብ ነቝጣታት መረጻ ነቲ ሰልፊ ዝውክሉ ኰይኖም፡ ዲሞክራቲክ ናሽናል ኮንቬንሽን ብዝተባህለ ጠቕላላ ጉባኤ፡ ሕጹይ ናይ ምምራጽ ሓላፍነት ኣለዎም።

ዋላ’ኳ ወከልቲ ዲሞክራት ንካማላ ሃሪስ ዘለዎም ደገፍ እንተገለጹ፡ እታ ምኽትል ፕረዚደንት ግን ኣብ መጀመርታ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ እቲ ሰልፊ ብዝወሃብ ድምጺ’ያ ብወግዒ ሕጽይቲ ኰይና ክትቀርብ።

ብውሑድ፡ ወከልቲ ዲሞክራት 27 ግዝኣታት ንካማላ ዘለዎም ድጋፍ ከም ዘፍለጡ ሲቢኤስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ካብቲ ዳግመ መረጻ ከም ዘንሰሓበ ድሕሪ ምግላጹ፡ ካማላ ነቲ ሰልፊ ወኪላ ክትወዳደር ከም እትኽእል ብሰፊሑ ይዝረብ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ፡ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዶላር ናብ ካዝና ጐስጓስ መረጻ ካማላ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ድማ ዲሞክራት ሕጽይቲ ገይሮም ንክመርጹዋ ጸቕጢ ከሕድር ከም ዝኽእል ይግመት።

ብሰኑይ ኣጋምሸት፡ ንኣባላት ጐስጓስ መረጻ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ “ድምጺ ዝወሃበሉ መዓልቲ ክሳብ ዝበጽሕ 106 መዓልቲታት ኣለውና። ክሳብ ሻቡ ከቢድ ስራሕ’ዩ ዝጸበየና” ኢላ።

እታ ምኽትል ፕረዚደንት፡ ንሃገራ ዘለዋ ራእይ ምስ ገለጸት፡ ካብ ጕጅለ ትራምፕ ዝፈልዩዋ ብዙሓት ነገራት ከም ዘለው ብምዝርዛር ምስ ተነሓናሒኣ ንምውድዳር ብቕዕቲ ከም ዝዀነት ተዛሪባ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ምምሕዳር ባይደን ካብ መንጐ ዘዐወቶም መደባት ብምጥቃስ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ኰይና ብምግልጋላ “ኣብ ህይወተይ ካብ መንጐ ዝገበርኩዎም ዘሐብኑ ስርሓት ሓደ እዩ” ኢላ።

ካማላ፡ ዘረባ ከተስምዕ ናብ መድረኽ ክትወጽእ እንከላ ካብ ጆ ባይደን ተሌፎን ተደዊሉላ ነይሩ።

ባይደን፡ ብተሓጋጋዚኡ ኣቢሉ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ንሳ ብልጽቲ ስለ ዝዀነት ተቐበሉዋ” ዝብል ነይሩ።

ባይደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኮቪድ ስለ ዝተለኸፈ፡ ኣብ ዴላዌር ኣብ ዝርከብ ገዛኡ ተወሺቡ ብምጽናሕ ሎሚ ናብ ዋይት ሃውስ ክምለስ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።