እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ዓለም 2022፡ ቐጠር ካብቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከፊላ ዘምጽኣቶም ደገፍቲ እንታይ’ያ ትጽበ?
ቐጠር ኣብ ስታድዮም ኣል በይት ስነስርዓት መኽፈቲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብቲ ስታድዮም ብዙሕ ወናብር ጥራዩ እንከሎ፡ ዝተኸፈሎም ‘ናይ ሓሶት’ ደገፍቲ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ዶሓ ምልእ ኢሎም ምርአዮም ንብዙሓት ኣገሪሙ’ዩ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እዞም ዝተኸፈሎም’ዮም ዝተብሃሉ ‘ናይ ሓሶት’ ደገፍቲ ኣመልኪቱ ንምጽራይ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ቐጠር ንዋንጫ ዓለም ኣመኻንያ፡ ዝያዳ ጎሊሓ ንምውጻእ ትገብሮ ምህላዋ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።
ቐጠር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሕሉፋት ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ ንዝኾኑ ሰባት ናይ ኣየር ትኬት ከፊላ፡ ናይ ሆቴሎምን ካልእ ወጻኢታቶም ሸፊና’ያ ናብ ዓዳ ዓዲማቶም።
ከምቲ ዝብሃል እዞም ‘ናይ ሓሶት’ ደገፍቲ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለምን ብዛዕባ እታ ሃገርን እወታዊ ክዛረቡን ንተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፋትን ምስልታትን ‘ላይክ’ ከምኡ ኸኣ ‘ሼር’ ክገብሩን ትጽቢት ይግበረሎም።
ናይ መኽፈቲ ስነስርዓት ቅድሚ ምጅማሩን፡ ኣብ ምድብ ሓደ ዝርከባ ቐጠርን ኢኳዶርን ቀዳማይን ናይ መኽፈትን ጸወታ ቅድሚ ምክያደንን ብኣማኢት ዝቁጸሩ ደገፍቲ ባንዴራታት ሃገራት ዓለም እናኣንበልበሉን እናዘመሩን ኣብ ርእሰ ከተማ ዶሓ ብእኩብ ክንቀሳቐሱ ተራእዮም ነይሮም።
እቲ ኣብ ናይ ፊፋ መርበብ ሓበሬታ ዝወጽአ ቪድዮ፡ እቶም ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ባንዴራ ሒዞም እናዘመሩ ዝርኣዩ ደገፍቲ ናይቶም ዝበዝሑ መልክዕ ምስ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ደቡብ ኤስያን ዝመጽኡ ዝመስል ክንሱ፡ ንዝተፈላለያ ሃገራት ዝድግፉ መሲሎም ምቕራቦም ንቡዙሓት ሕቶ ንኸልዕሉ ቀሲብዎም’ዩ።
ካብዚ ብምብጋስ እዞም ‘ደገፍቲ’ ናይ ብሓቒ ደገፍቲ ዘይኮኑስ ተኸፊሎም ዝድግፉዶ ክኾኑ ይኽእሉ? ዝብል ሕቶ ከበግሱ ክኢሎም’ዮም።
መደብ ናይ ደገፍቲ
ስድርኡ ኣብ ህንዲ ዝነብሩ ኣሮን ፈርናንዴዝ ዝተብሃለ ነባረ ቐጠር፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ርእይቶ ህሉው ኩነታት ናይቲ ከባቢ ካብዘይምርዳእ ዝብገስ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ነዚ ከረድእ እንከሎ ከኣ፡ ብዙሓት ሰባት ከካብ ሃገሮም ብስደት ናብ ቐጠር መጺኦም ንቐጠር ከም ሃገሮም ሓሲቦም እናነበሩ፡ ንዝተፈላለያ ሃገራት ምድጋፈዶም ብዙሕ ዘተሓታትት ጉዳይ ክኸውን ከምዘይግብኦ ይገልጽ።
ደቡብ ኤስያውያን ክሪኬት ንዝተብሃለ ዓይነት ስፖርት'ኳ ዝያዳ ዝፈትዉ እንተኾኑ፡ ብዙሓት ኵዕሶ እግሪ ዝፈትዉ ከምዘለዉ’ውን ይፍለጥ’ዩ።
ነዚ መረጋገጺ ክትከውን እትኽእል ሃገረ ህንዲ ኮይና፡ ህንዲ ዋላ’ኳ ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሳቲፋ ኣይትፍለጥ፡ ብዙሓት ህንዳውያን ንዝፈትውወንን ዝድግፍወንን ጋንታታት ንምርኣይ ናብ ስታድዮም ብብዝሒ ክኣትዉ ይርኣዩ’ዮም።
ኣሮን ፈርናንዴዝ’ውን ናይ ክልተ ክለባት ኣባል ማሕበር ደገፍቲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ናይ ፊፋ ናይ ደገፍቲ ምንቅስቓስን ናይ ቐጠር ናይ ደገፍቲ ፕሮግራማትን ይሳተፍ’ዩ።
እዘን ናይ ደግፍቲ ምንቅስቓስን ፕሮግራማትን ምስ ዋንጫ ዓለም ተተሓሒዙ ብፊፋ ዝተዳለወ ኮሚተ ዝመስረተን’የን።
ኣሮን ፈርናንዴዝ ኣብቲ ብፊፋ ዝተዳለወ ናይ ደገፍቲ ምንቅስቓስ ውዕል ፈሪሙ እንተኾይኑ ኣብ ዝተሓተተሉ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ምንቅስቃስ ክትሳተፍ እንከለኻ ሓላፍነት ክህልወካ ትጽቢት ይግበር’ዩ። እንተኾነ ኩሉ ምስ ስፖርት ዝተሓሓዝ’ዩ። እዚ ኸኣ ንዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ ስለዝኾነ ከም ሓደ ዓቢ ነገር ክርአ የብሉን” ኢሉ።
ነጻ ናይ ኣየር ትኬትን ሆቴልን
ዋላ’ኳ ኣሮን ፈርናንዴዝ፤ ብሩህ ዝኾነ መልሲ ኣይሃብ፡ እቶም ኣብ ናይ ደገፍቲ መደባት ዝሳተፉ ሰባት ውዕል ይፍርሙ’ዮም።
ካብቶም ኣዳለውቲ ዋንጫ ዓለም ዝተፈላላየ ግንዖታት ከምዝውሃቦም’ውን ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ’ዩ።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ሰነድን ካብ ዝተፈለላዩ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ዝተውሃቦ ሓበሬታን፡ ብዙሓት ደገፍቲ ካብ ካልኦት ሃገራት [ካብ ቐጠር ወጻኢ] ናብ ቐጠር ንኽመጽኡ ነጻ ኣየር ትኬትን ናይ ሆቴል ወጻኢታቶምን ተሸፊንሎም’ዩ።
እዚ ኸኣ “ደገፍቲ ኣብ ቐጠር ዝጸንሕሉ እዋን ምቹእ” ንኽኸውን ተዓሊሙ ከምዝተገበረ’ዩ ተገሊጹ።
እቶም ደገፍቲ ናይቲ ዝተገበረሎም መከሓሓሲ “እቲ ላዕለወይ ኮሜተ ዘዳልዎ ነገራት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታቶም ክልጥፉ” ከምኡ ኸኣ ካልእ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም ነገራት ‘ላይክ’ ከምኡ ኸኣ ‘ሼር’ ክገብሩ ምዃኖም ኣብ ዝሕብር ሰነድ ክታሞም የንብሩ።
እቲ ላዕለዋይ ኮሜተ ዝብሃል ዘሎ፡ ነዚ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ዘውሃህድ ብፊፋ ዝቐመ ኮሚተ’ዩ።
እንተኾነ እዞም ተዓዲሞም ዝመጽኡ ናይ ‘ሓሶት’ ደገፍቲ “እቲ ላዕለዋይ ኮሚተ ወይ ነቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2022 ንሓደጋ ዘቃልዑ ተግባራት ከይፍጽሙ” ክሳማምዑ ዝግደዱ ኮይኖም “ኣፈኛታት ቐጠር” ክኾኑ ግን ከምዘይግደዱ ተሓቢርዎም’ዩ።
ብዓል ሞያ ማሕበራዊ ሚድያ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ቤልጂም ፒየር ኮርኔዝ ከምዝበሎ፡ እቶም ደገፍቲ “ነጻ ናይ ኣየር ትኬት ተዋሂብዎም’ዩ፡ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ኸኣ ኣብ ሜዳ ከምዝኣትዉ ተገይሮም እዮም” ኢሉ።
ፒየር ኮርኔዝ ብምስዓብ እዚ ግንዖ ንደገፍቲ ቤልጂም ጥራይ ዘይኮነ “ንኹልን እተን ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ዝተውሃብ ሓለፋ’ዩ” ኢሉ።
ፒየር ኮርኔዝ ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም እቶም ዕድመ ዝቐረበሎም ደገፍቲ ነቲ ውዕል ክፍርሙ ከምዘይተገበሩ’ውን ኣምልኪቱ።
“ኣጋይሽና’ዮም”
ዋንጫ ዓለም 2022 ቐጠር ከተአንግዶ ዕድል ምስ ተውሃባ፡ እታ ሃገር ኣብ ኣታሓሕዛ ኣብታ ሃገር ዝሰርሑ ወጻእተኛታት፡ ብዛዕባ ሕደ ጾታወያን ዘለዋ መርገጽን ብዛዕባ ሓሳብካ ምግላጽ ዘለዋ ደረጃን ተተሓሒዙ ብዙሕ ምዕዝምዛማት’ዩ ተሰሚዑ።
ቐጠር ብወገና፡ እቲ ዝብሃል ንጎኒ ብምግዳፍ፡ ዋንጫ ዓለም ዝያዳ ብዝደመቐ መልክዕ ንኸተአንግዶ ትግብሮ ምህላዋ ገለ ወገናት ይገልጹ።
ኣባል ቦርድ ማሕበር ደገፍቲ ኵእሶ እግሪ ኣውሮጳ ዝኾነት ማርታ፡ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት [ከፊልካ ደገፍቲ ምምጻእ] ኣብ ዝኾነ ዝተኻየደ ዓበይቲ ውድድራት ተገይሩ ዝብል ሰሚዓ ከምዘይትፈልጥ’ያ ትሕብር።
“እዚ ናይ ደገፍቲ ምንቕስቃስ ዘይኮነ፡ ናይ ደገፍቲ ምጥፍፋእ’ዩ” ብምባል “ከምዚ ዓይንተ ተርእዮ ጋሻ ተርእዮ’ዩ፡ ቅኑዕ’ውን ኣይኮነን” ትብል።
እንተኾነ ኣካል ናይቲ ምድላዋት ዝኾነ ኮሜተ ግን “እዚ ዘቕረብናዮ ዕድመ፡ ኣብ 59 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ደገፍቲ ድሌትን ሕቶን ክንርዳእ ሓጊዝና’ዩ” ብምባል መልሲ ሂቡ ኣሎ።
ብምቕጻል “እቶም ደገፍቲ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ይኹን ካልእ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ‘ሼር’ ክገብሩ ዘገድድ፡ ዝኾነ ወዕል የብሎምን” ኢሉ።
“ኩሎም እቶም ኣብ ቐጠር ዝርከቡ ደገፍቲ ከም ኣጋይሽና ስለንርእዮም፡ ዋላ ሓንቲ ከይተኸፈሎም ብገዛእ ፍቓፈዶም ዝገብርዎ እዩ ክኸውን” ብምባል እቶም ተዓደምቲ ዝኾነ ግዴታ ከምዘይብሎም ገሊጹ።