ዋንጫ ዓለም 2022፡ ክትዕወት ዝልዓለ ግምት ዝውሃባ ሃገር መን ትኸውን?

ንዋንጫ ዓለም ዝበዝሐ ግዜ ዝተዓወተትሉ ብራዚል፡ ነታ ዋንጫ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብ 2002 ምስ ዓተረታ፡ ኣብ 2006፡ 2010፡ 2014፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2018 ክቐድዋ ኣይክኣለን።

ሎሚ ዓመት ግን ነዛ ዋንጫ ክትዕወተላ ዝልዓለ ግምት ተዋሂብዋ ኣሎ።

እቲ ቐመር ክኢላታት ብዘዳለውዎ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒን [ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ] ካልእን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ እዛ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር ነዛ ዋንጫ ንሻዱሻይ ግዜ ክትዕወተላ ዝለዓለ ትጽቢት ይግበረላ።

እቲ ነዛ ዋንጫ መን ክትዕወተላ ትኽእል ዝብል ግምት፡ ኣቋመርቲ ትካላትን ዓማዊልን ዝሃብዎ ግምት ብምእካብ’ውን ዝተሰነየ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ እተን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘለወን ሕሉፍ ታሪኽን ሒዘንኦ ዘለዋ ህሉው ብቕዓት’ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ኰይኑ፡ ዘለወኦ ምድብ፡ ካብ ምድበን ምስ ሓለፋ ክትረኽብን ትኽእል ጋንታን ካልእን ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ ንብራዚል ዝልዓለ ግምት ክውሃባ ክኢሉ ዘሎ።

ብራዚል ካብዘን ኩለን ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ሃገራውያን ጋንታታ ነዛ ዋንጫ ክትዕወተላ ዘሎ ትኽእሎ 15.8 ሚኢታዊት እዩ፡

ብዘይካ’ዚ ብራዚል እታ እንኮ ናብ ናይ ፍጻመ ጸወታ ክትሓልፍ ትኽእል’ያ ተባሂላ ልዕሊ 25 ሚኢታዊት ግምት ዝተዋህባ ሃገራዊት ጋንታ’ያ።

ንዓኣ ተኸቲላ ተቐሚጣ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና 12.6 ሚኢታዊት ግምት ብምርካብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ'ላ።

ኣብ ምድብ ሰለስተ ምስ ስዑድ ዓረብ፡ ሜክሲኮን ፖላንድን ተመዲባ ዘላ ኣርጂንቲና፡ ብልዮነል ሜሲ እናተቐለሰት ናብ ፍጻመ ክትበጽሕ ናይ 21.1 ሚታዊት ግምት ተዋሂብዋ'ሎ።

ንብራዚልን ኣርጀንቲናን ተኸቲለን ፈረንሳ ብ12.2 ሚኢታዊት፡ ስጳኛ ብ9.1 ሚኢታዊት ዓዲ እንግሊዝ ኸኣ ብ 8.7 ሚኢታዊት ነዛ ዋንጫ ክዕወታላ ከምዝኽእላ'ዩ እቲ ቐመር ዝእምት።

ኣብ 2018 ናብ ፍጻመ ዝበጽሐት ሃገራዊት ጋንታ ክሮኦሽያ፡ ነቲ ናይ 2018 ብቕዓታ ኣይክትደግሞን’ያ ተባሂላ ኣላ።

ብ1.8 ሚኢታዊት ኸኣ ኣብ መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ዓዲ-እንግሊዝ፡ ድሕሪ ዋንጫ ዓለም 2018 ንመጀመርታ ግዜ እያ ብኽልተ ሃገራት ትውከል ዘላ፤ ብዓዲ እንግሊዝን ብዊልስን።

ክልቲኤን ኸኣ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ሓደ ምድብ ክልተ’የን ተመዲበን ዘለዋ።

ዓዲ እንግሊዝ ካብ ምድባ ክትሓለፍ 60 ሚኢታዊት ግምት ክውሃባ እንከሎ፡ ነታ ዋንጫ መን ትወስዳ ኣብ ዝብል ግን ብ8.7 ሚኢታዊት ኣብ ሓሙሻይ’ያ ተሰሪዓ ዘላ።

ዓዲ እንግሊዝ ንምድብ ክልተ መሪሓቶ ከምእትሓልፍ ምሉእ ግምት ክውሃባ እንከሎ፡ ኢራን ኸኣ ካብዚ ምድብ ከምእትግለፍ ተገሚታ ኣላ።

ኣሜሪካ'ዶ ዌልስ ካብ ምድበን ይሓልፋ ኣብ ዝብል ግን፡ ኣሜሪካ 45 ሚኢታዊት ዌልስ 41 መኢታዊት ግምት’ዩ ተዋሂብወን ዘሎ።