ዕሉል ቀታሊ ሰብን 12 ኤርትራውያንን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኬንያ ብኸመይ ክሃድሙ ክኢሎም?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ፡ ንሓደ ብተደጋጋሚ ቅትለት ዝተኸሰሰ ደመ-ጻምእ ጥርጡር፡ ካብ ማእሰርቲ ንኽሃድም ተሓጋጊዞም ብዝብል ጥርጣረ ካብ ስራሕ ከምዝተኣገዱ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ኬንያ፡ እቲ ኮሊንስ ጁማይሲ ካሉሻ ዝተባህለ ጥርጡር ካብ 2022 ጀሚሩ በዓልቲ ቤቱ እትርከበን 42 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝቐተለ ተናዚዙ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ገሊጹ ነይሩ።
ይዅን እምበር ጠበቓ ክሱስ፡ ሚስተር ካሉሻ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃል ንኽህብ ኣብ መርመራ ብዘጋጠሞ ስቅያት ከምኡ ከምዝበለ ብምጥቃስ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
እቲ ብቕትለት እተጠርጠረ ክሱስ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣትሒዙ ኣብ መደበር ፖሊስ ተኣሲሩ'ኳ እንተነበረ፡ ትማሊ ሰሉስ ግን ሚስተር ካሉሻን ካልኦት 12 ሰባትን " ብደቂ ውሻጠ ተሓጊዞም" ከምዘምለጡ ፖሊስ ኬንያ ገሊጹ።
ሓለፍቲ እቲ መደበር ፖሊስ፡ እቶም እሱራት፡ ሓለዋ እቲ ቤት ማእሰርቲ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ንግሆ ቁርሲ ክዕድሉ እንከለው ከምዝተሸርቡ ሓቢሮም።
እቶም 13 ውልቀሰባት፡ ነቲ ብስልኪ ዝተጠናነገ ናሕሲ ቈሪጾም ናብቲ መንደቕ ተሰቒሎም ከምዝሃደሙ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ምስቲ ደመ-ጻምእ ቀታሊ፡ ናብታ ሃገር ብዘይ ሕጊ ክኣትው ተታሒዞም ተኣሲሮም ዝነበሩ 12 ኤርትራውያን ከምዝርከቡዎም ፖሊስ ሓቢሩ።
ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ሸሞንተ መኮንናት ፖሊስ፡ ካብ ስራሕ ከምእተኣገዱን ብዛዕባ እቲ ኣተሃዳድማ ዝምልከት ቀጻሊ መርመራታት ይካየድ ከምዘሎን ፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ ወዲ 33 ዓመት ሚስተር ካሉሻ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ ኣብ መዓላ ዘይነበረ ጣሻ ጐልጐል፡ ትሽዓተ ዝተቘራረጸ ሬሳታት ምስተረኽቡ’ዩ ተታሒዙ።
እተን ግዳያት ካብ 18 ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድመአን ኰይነን ኵለን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዝተቐትላ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ ጨካን ቅትለት ከኣ ኣብ ህዝቢ ኬንያ ስንባደን ቍጥዐን ፈጢሩ’ሎ። ብዙሓት ሰባት፡ ፖሊስ ኬንያ ስለምንታይ ነቲ ካብ ከባቢ መደበሮም ኣስታት 100 ሜትሮ ዘይርሕቕ ጣሻ ንዝነበረ ኣስከሬናት ክርእዩዎ ዘይከኣሉ ንዝብል ዓቢ ምልክት ሕቶ ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት፡ ከመይ ገይረን ፖሊስ ከይፈለጠ 42 ሰባት ተቐቲለን ክድርበያ ይኽእላ? እቲ ንኽልተ ዓመት ዝኣክል እኳ ምንም ዘይጠርጠረ ፖሊስ፡ እቲ ሬሳታት ኣብቲ ጣሻ ምስተረኽበ ከመይ ገይሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመልእ ግዜ ነቲ ጥርጡር ኣሲሮሞ? ዝብል ብዙሕ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ጸኒሑ እዩ።
ተቘጻጻሪ ፖሊስ ኬንያ'ውን ገለ ጥርጣረታት ገሊጹ’ሎ። ናጻ በዓል መዚ ክትትል ፖሊስ፡ "ፖሊስ ኣብ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ጭውያታት ከምዝተሳተፉ ዝገልጽ ሰፊሕ ክስታት" ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣባላት ፖሊስ ንባዕላቶም ምስቲ ቅትለት ምትእስሳር ኣለዎም ድዩ የብሎምን ንምፍላጥ መርመራ ጀሚሩ’ሎ።
ዛጊት ግን ርኽበታቱ ኣይገለጸን።
ፖሊስ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሓያሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ እዩ። ኣብዚ እዋን እውን፡ ሓይልታት ፖሊስ፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ንዝፈጸምዎ ሞትን ጭውያታትን ኣብ ምጽራይ ይርከብ።
ሚስተር ካሉሻ ኣብ ዝተኣስረሉ እዋን፡ ሓላፊ ዳይረክቶሬት መርመራታት ገበን (DCI) መሓመድ ኣሚን፡ "ምስ ሓደ [ደመ-ጻምእ] ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዝዀነ ኣኽብሮት ዘይብሉ፡ ዕሉል ቀታሊ ሰብ፡ ሕሙም ስነ አእምሮ ሳይኮፓት፡ ተራኺብና ኣሎና" ኢሉ።
ጠበቓ ሚስተር ካሉሻ፡ ጆን ማይና ንደግዋ ግን ኣብ ሓምለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "[እቲ ወኪሉዎ ዘሎ ዓሚል] ተናዘዝ ተባሂሉ ስለዝተሳቐየ፡ ኣብ ጭንቀት፡ ስንባደን ፍርሕን እዩ ነይሩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ጥርጡር፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበን፡ እቲ ዳኛ፡ ፖሊስ መርመራታቱ ንኽዛዝም ንተወሳኺ 30 መዓልታት ክእሰር ከምዝኣዘዘን ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከባቢ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ብዝተረኽበ ናይ 400 ሰባት ጃምላዊ መቓብር መላእ ሃገር ኣንቀጥቂጣ እንከላ’ዩ እዚ ናይ [42 ሰባት] ቅትለት ፍጻመ ዘጋጥም ዘሎ።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ ሞት 400 ሰባት ዘኸተለ መራሒ ኣምልኾ ፖል ማከንዚ፡ ንሰዓብቱ፡ 40 መዓልታት እንተጸይሞም "ንእየሱስ ክርእዩ" ከምዝኽእሉ ስለዘተባብዖም እቲ ሓደጋ ከምዝተኸስተ ተነጊሩ ነይሩ። ንሱ ግን ብቕትለት ሰባት ተሓታቲ ኣይኰንኩን እዩ ዝብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







