ቓዛ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሓማስን ዕጡቓት ኣባላት ሓደ እንዳን ጐንጺ ተፈጢሩ

ኣብ ከተማ ቓዛ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ሓማስን ዕጡቓት ኣባላት ስድራ ዱግሙሽን ብዝተፈጥረ ብርቱዕ ግጭት ብውሕዱ 27 ሰባት ተቐቲሎም።

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ዕጡቓት ሓማስ፡ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ዮርዳኖስ እታ ከተማ ምስ ዕጡቓት ናይቶም ተወለድቲ ዓሌት ዱግሙሽ ተዅሲ ከም ዝተለዋወጡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ናይቲ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ዘቤታዊ ጉዳያት፡ ኣሃዱታት ጸጥታ ነቶም ዕጡቓት ከቢቦም ንምእሳር ኣብ ከቢድ ውግእ ኣትዮም ኢሉ።

እቲ ምኒስትሪ፡ ሸሞንተ ኣባላቱ፡ "ብምልሻ ብዝተፈጸመ ዕጥቃዊ መጥቃዕቲ፡" ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።

ምንጭታት ሕክምና ከም ዝሓበርዎ፡ ብሰንበት እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 19 ኣባላት ዓሌት ዱግሙሽን ሸሞንተ ዕጡቓት ሓማስን ተቐቲሎም።

እቲ ግጭት ኣብ ደቡባዊ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ተል ኣል-ሃዋ ዝተላዕለ ኰይኑ፡ ልዕሊ 300 ዕጡቓት ዝሓቘፈ ሓይሊ ሓማስ፡ ዕጡቓት ዱግሙሽ ዝዓረድሉ መንበሪ ንምጥቃዕ ድሕሪ ምንቅስቓሱ ዘጋጠመ ምዃኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ነበርቲ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ስድራቤታት ብኸቢድ ተዅሲ ካብ ገዝኦም ክሃድሙ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ እዋን እቲ ክሳብ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሓማስን እስራኤልን ብተደጋጋሚ ዝተመዛበሉ ብምዃኖም፡ ስንባደ ከም ዝነበሮም ገሊጾም።

"ኣብቲ ግዜ'ቲ ሰባት ካብ መጥቃዕቲ እስራኤል ዘይኰነ፡ ካብ ህዝቦም ይሃድሙ ነይሮም፡" ኢሉ ሓደ ነባሪ።

ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ዓሌታት ቓዛ ዝዀኑ ስድራቤት ዱግሙሽ ምስ ሓማስ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ውጥረት ዝመልኦ ዝምድና ዝነበሮም ኰይኑ፡ ዕጡቓት ኣባላቱ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስቲ ጕጅለ ተጋጭዮም እዮም።

እቲ ብሓማስ ዝምራሕ ምኒስትሪ ዘቤታዊ ጉዳያት፡ ሓይልታት ሓማስ ስርዓት ናብ ንቡር ንምምላስ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ "ካብ መቓን ተቓውሞ ወጻኢ ዝዀነ ይዅን ዕጥቃዊ ንጥፈታት፡" ብጽኑዕ ክሕዞ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ክልቲኦም ወገናት፡ እቲ ጐንጺ ኣብ ምልዓል ንሓድሕዶም ይካሰሱ።

ሓማስ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ዱግሙሽ ክልተ ካብ ኣባላቱ ከም ዝቐተሉን ሓሙሽተ ካልኦት ከም ዘቝሰሉን ብምግላጽ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዝደረኾ ሓቢሩ።

ይዅን እምበር፡ ሓደ ምንጪ ካብ ስድራቤት ዱግሙሽ ንማዕከን ሓበሬታ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይልታት ሓማስ ናብቲ ኣብ ሓደ እዋን ሆስፒታል ዮርዳኖስ ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ህንጻ ከም ዝመጽኡ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ እቶም ስድራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ኣል-ሳብራ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣባይቶም ምስ ዓነወ ከም ዝተዓቘብሉ ተዛሪቡ።

ሓማስ ነታ ስድራቤት ካብቲ ህንጻ ንምስጓግ ኣብኡ ሓይልታቱ ሓድሽ መደበር ንምቛም ከም ዝደለየ እቲ ምንጪ ይገልጽ።

ሓማስ ኣብ ቀረባ እዋን ወተሃደራት እስራኤል ገዲፎምዎም ካብ ዝወጽኡ ከባቢታት ቓዛ ዳግማይ ንምቍጽጻር ኣስታት 7,000 ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ከም ዝጸውዐ ምንጭታት እቲ ከባቢ ይሕብሩ።

ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ዕጡቓት ኣሃዱታት ሓማስ ድሮ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ከም ዝተዋፈሩ፡ ገሊኦም ስቪላዊ ክዳውንቲ፡ ገሊኦም ድማ ሰማያዊ ዩኒፎርም ፖሊስ ቓዛ ተኸዲኖም ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ሚድያ ሓማስ፡ "ዕጡቓት ኣብ ጐደናታት" የዋፍር ኣሎ ንዝብል ጸብጻብ ነጺጉ።