ሱዳን፡ ኣብ ክባ እትርከብ ከተማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዘስዐቦ ሞት

ኣብታ ኣብ ክባ ዝኣተወት ከተማ ሱዳን ኤል-ፋሸር ኣብ ዝርከብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተሓለቕቲ ገሊጾም።

ብዜጋታትን ተሓለቕትን ዝቘመ ኮሚተ ተቓውሞ ኤል-ፋሸር፡ ዕጡቓት ዳዕመ ኣል-ሰሪዕ (RSF)፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ መዓስከር ክልተ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሸሞንተ መዳፍዕን ከም ዝፈጸሙ ገሊጹ።

ዳዕመ-ኣልሰሪዕ ነቲ መጥቃዕቲ ኣይፈጸምኵን ኢሉ።

"ህጻናት፡ ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን ተቐቲሎም፤ ብዙሓት ድማ ምሉእ ብምሉእ ተቓጺሎም፡" ክብል ካብቲ ጉጅለ ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ረድኤት ዝህቡ ሰባት ካብቲ ፍርስራስ ሬሳታት ኣብ ዝስሕቡሉ ዝነበሩ እዋን ስንባደ ከም ዝተራእየ ገሊጾም።

መርበብ ሓካይም ሱዳን፡ በቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 17 ህጻናት ዝርከብዎም 57 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 17 ድማ ቈሲሎም ኢሉ።

ተሓለቕቲ'ዉን ብውሕዱ 60 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጾም።

እተን ኣብ ትሕቲ ዕጽዋን ክባን ኰይነን ንኣዋርሕ ዝቃለሳ ዘለዋ ሆስፒታላት ብግዳያት ተጨናኒቐን፤ ሓካይም ኣብ ደርብታትን መተሓላለፊን ንዝቘሰሉ ክኣልዩ ተራእዮም።

ሓይልታት ዳዕመ ኣል-ሰሪዕ፡ ነታ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝርከብ ናይ መወዳእታ ዕርዲ ሰራዊት ሱዳን ንምቁጽጻር ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ንዝሓለፉ 17 ኣዋርሕ ንኤል-ፋሸር ከቢቡዋ'ዩ ዘሎ።

ኲነታት ኤል-ፋሸር "ልዕሊ ሓደጋን ምጽናት ዓሌትን" ኰይኑ እዩ ክብል እቲ ጕጅለ ገሊጹ።

ሱዳን ካብ 2023 ጀሚሩ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ትርከብ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ ኣል-ሰሪዕን ብቍርቍስ ስልጣን ናብ ጐንጺ ካብ ዝኣትው ንድሓር፡ ኣብታ ሃገር ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ተፈጢሩ ይርከብ።

እቲ ሰራዊት ንመብዛሕትኡ ሰሜንን ምብራቕን ይቈጻጸር።

ኤል-ፋሸር ኣብ ዳርፉር ክሳብ ሕጂ ብሰራዊትን መሻርኽቱን ዝተታሕዘ ናይ መወዳእታ ዓብዪ ዞባ እዩ።

ዳዕመ ኣል-ሰሪዕ ድማ፡ ዳርጋ ንኹሉ ዳርፉርን ንመብዛሕትኡ ግዝኣት ኮርዶፋንን ይቈጻጸር።

ኤል-ፋሸር ኣብ ኢድ እቲ ዕጡቕ እንተወዲቓ፡ ንመላእ ዞባ ዳርፉር ይቈጻጸሮ ኣሎ ማለት እዩ እዩ።

ኣብኡ ድማ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርቱ ተስፋ ይገብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣርኤስኤፍ ኣብ ልዕሊ ኤል-ፋሸር ዝፍጽሞ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣሐይሉ ብምህላዉ፡ ሰራዊት ቅልጡፍ ምድልዳል እንተዘይረኺቡ እታ ከተማ ኣብ ቀረባ እዋን ክቘጻጸራ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ዳዕመ ኣል-ሰሪዕ ኣብታ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕትን ከባባን ዕጡቓት እትርከብ ከተማ ኤል-ፋሸር፡ ገዚፍ ሓፁር ይሃንጽ ነይሩ እዩ።

መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ የል ከም ዝሕብሮ ድማ፡ እዚ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ሓፁር ንምኽርዳን ዝዓለመ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤል-ፋሸር ተዓጽዮም ዘለዉ 250 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ኣብ ሲቪላዊ ከባቢታት ዝካየድ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ገበናት ኲናት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ነበርቲ እታ ከተማ ምስ ቀጻሊ ደብዳብን እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቀረብ መግብን ሕክምናን ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን ጥሜትን ሕማምን ኣብ መላእ እታ ከተማ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት፡ ዳዕመ ኣል-ሰሪዕ ኣብ ሓንቲ ካብተን ናይ መወዳእታ ዝተረፋ ሆስፒታላት ኤል-ፋሸር ድሕሪ ምድብዳቡ፡ ብውሕዱ 13 ሰባት ሞይቶም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ብዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ቅትለትን መጕዳእትን ኰኒኑ።

"ኣርኤስኤፍ መወዳእታ ዘይብሉን ብዘይ ገለ ዕላማን ንሲቪላዊ ህይወት ዘርአዮ ዕሽሽነት ኣዝዩ ኣሰንቢዱኒ'ዩ፡" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።