ሱዳን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ኤል-ፋሸር ይግስግስን መጥቃዕቲ ድሮን ሰባት ይቐትልን

ኣብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መስጊድ ብድሮን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 70 ሰባት ከም ዝሞቱ ሓደ ላዕለዋይ ምንጪ ሕክምና ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ብዓርቢ ኣብ ከተማ ኤል-ፋሸር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝፈጸሞ እኳ እንተ ተወቕሰ፡ እቲ ጕጅለ ግን ዛጊት ሓላፍነት ኣይወሰደን።

ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ጽዕጹዕ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ይርከቡ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ኣብ ዳርፉር ናይ መወዳእታ ዕርዲ ሰራዊት ሱዳን ዝዀነትን ልዕሊ 300,000 ሰለማውያን ሰባት ዝነብሩላን ኤል-ፋሸር ምሉእ ብምሉእ ንምቍጽጻር ይጽዕር ኣሎ።

ሓደ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ድሮን ኣብ እዋን 'ሰላቱል ፈጅር' (ናይ ንግሆ ጸሎት) ከም ዝደብደበትን ንእለቱ ዓሰርተታት ሰባት ከም ዝሞቱን ሓቢሩ።

እቲ ሕክምናዊ ምንጪ ከም ዝገለጾ፡ 78 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 20 ድማ ቈሲሎም፣ እንተዀነ መስርሕ ምውጻእ ሬሳታት ካብ ፍርስራስ እቲ ህንጻ ገና ይቕጽል ኣሎ።

ኣሃዱ ምጽራይ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ምዕራብ እታ ከተማ ዝርከብ መስጊድ ኣስታት 30 ሬሳታት ብመግነዝን ኮቦርታን ተጠቕሊሎም ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብምምልካት ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ እታ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ከበባ ዝጸንሐት ኤል-ፋሸር ዳግማይ መጥቃዕቲ ጀሚሩ። እዚ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ኣቡ ሹክ ንዝተፈጸመ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ከም ዘጠቓልል ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብሳተላይት ዝተላዕሉ ኣሳእል ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣሃዱታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንመብዛሕትኡ ክፋል ናይቲ መዓስከር ይቈጻጸርዎ ከም ዘለዉ፡ ንውግኣት ዝከታተል ቤተ-ፈተነ ምርምር ሰብኣዊ ምርምር ዩኒቨርሲቲ የል (HRL) ይሕብር።

ብመሰረት እቲ ኣሃዱ፡ ብሳተላይት ዝተሳእሉ ኣሳእል፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ናብ ዋና ቤትጽሕፈት ናይቲ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝመሓዘዉ ዕጡቓት ጕጅለታት ሓባራዊ ሓይልታት ከም ዝኣተወ'ውን ይሕብር።

እቲ ከም ወሳኒ መስመር ምክልኻል ዝቝጸር ዋና ቤትጽሕፈት፡ ቅድሚ ሕጂ ቀጽሪ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ እዩ።

ተንቀሳቓሲ ስእሊ ቢቢሲ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓቢይ ህንጻ ከም ዘለዉ ዘርኢ'ኳ እንተዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣሎ ድዩ ግን ንጹር ኣይኰነን።

እዚ ርኡይ ምዕባለታት፡ ንመዓርፎ ነፈርቲ ኤል-ፋሸርን ዋና ቤትጽሕፈት ክፍለ ሰራዊትን ኣብ ቀጥታዊ ርሕቀት-ተዅሲ ዳዕመ-ሰሪዕ ከእትዎም እዩ።

ቤተ-ፈተነ ዩኒቨርሲቲ የል፡ ሰራዊት ሱዳን ቅልጡፍ ሓገዝ እንተ ዘይረኺቡ፡ ኤል-ፋሸር ኣብ ትሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ክትወድቕ እያ ይብል።

ዳዕመ-ሰሪዕ ንኤል-ፋሸር እንተ ሒዙዋ፡ ኣብ ልዕሊ ምዕራባዊ ክፋል ሱዳን ቍጽጽር ክህቦን ነቲ ምፍንጫል ከዕምቘን ይኽእል እዩ። ሰራዊት ሱዳን ድማ ንሰሜንን ምብራቕን ክቈጻጸር እዩ።

ሱዳናውያን ተንተንትን ነጠፍትን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ነቶም ገና ኣብታ ከተማ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከይገብር ስግኣት ኣለዎም።

ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ግጭት ዝያዳ ዓሌታዊ ይኸውን ከም ዘሎን ክልተኦም ወገናት ነቲ ካልእ ወገን ሓገዝ ገይሮም ንዝበሉዎም ሰባት ሕነ ይፈድዩ ከም ዘለዉን ኣጠንቂቑ።