ሕቡራት ሃገራት፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝፈጸመ ከሲሱ

ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዳርፉር ንኸተማ ኤል-ፋሸር ከቢብሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝፈጸመ መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ጭብጥታት ከጻሪ ተልእኾ ዝተዋህቦ ኣካል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ "ቅትለት፡ ስቅያት፡ ግልያነት፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ ግልያነት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግዱድ ምምዝባል ከምኡ'ውን ኣብ ዓሌት፡ ጾታን ፖለቲካን መሰረት ዝገበረ ምስጓግ፡" ከም ዝፈጸመ ይኸስስ።

ብተወሳኺ፡ ዳዕመ-ሰሪዕን ሰራዊት ሱዳንን ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸሙ ዝገልጽ ሓያሎ መርትዖታት ጠቒሱ። እንተዀነ፡ ኣብዚ ንሰለስተ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸሙ እዮም ክልተኦም ወገናት ዝገልጹ።

እቲ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ክልቴኦም ወገናት ብብዙሕ መንገድን ደይ-መደይ ኢልካ ብዝወጽአ ስትራተጅን ንሰለማውያን ሰባት ዒላማ ከም ዝገበሩ ይሕብር።

ኣቦ መንበር እቲ ተልእኾ ምጽራይ ጭብጥታት ኣቶ መሓመድ ቻንደ ዑስማን፡ ብመንገዲ መጥቃዕቲ፡ ቅትለታት፡ ብዘይ ፍቓድ ማእሰርቲ፡ ምስቓይ ኣብ መዳጐኒ ቦታታትን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ኮነ ኢሎም ከም ዝፍጸሙ ገይሮም እዮም፡" ኢሉ።

"እዚኦም ብኣጋጣሚ ዝፍጸሙ ትራጀዲታት ዘይኰኑስ ምስ ገበናት ኲናት ዝቝጸሩ ብደይ-መደይ ዝተገብሩ ስትራተጅያውያን እዮም።"

እቲ ጸብጻብ ንተግባራት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ኤል-ፋሸር ዘጕልሕ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ ንጥሜት ከም ሜላ ውግእ ይጥቀመሉ ከም ዘሎን እዚ ድማ ምስ ገበን ምጽናት ክቝጸር ከም ዝኽእልን ከሲሱ።

ኣብ ሚያዝያ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ጥቓ ኤል-ፋሸር ዝርከብ መዓስከር ዛምዛም ብምውራሩ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣብ ሕሱም ድኽነት ከም ዝርከቡ ዝንገረሎም ተቐማጦኣ መረበቶም ሓዲጎም ክሃድሙ ተገዲዶም። ነቲ ድሮ ናብ ደረጃ ዓጸቦ ወዲቑ ዝነበረ መዓስከር ከኣ ኲናት ተወሲኹዎ ዝበኣሰ ክኸውን ገይሩዎ።

ከተማ ኤል-ፋሸር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ከበባ ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ሰራዊት ሱዳን ዝርከበላ እንኮ ከተማ እያ።

ኣመሪካ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዓረብ ዘይኰኑ ህዝቢ ዳርፉር ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ ክትብል ከሲሳ እያ። እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግና ነቲ ክሲ ከም ዝነጸጐን ሚልሻታት ናይቲ ከባቢ ከም ዝፈጸሙዎን እዩ ዝገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ንኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ብሞት ሰላማውያን ሰባትን ንስእነት መግቢ ከም ስልቲ ኲናት ብምጥቃሙን ብምውቃስ እገዳ ኣንቢራትሉ እያ።

ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣንጻር ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ኲናት ዝጸንሐ ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ልዕሊ ኤል-ፋሸር መጥቃዕቲ ከም ዘሐየለን ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣቐዲሙ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ የል ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ምስልታት ሳተላይት ተመልኪቱ። ካብ ግንቦት ጀሚሩ፡ ኣብ ጥቓ ጽዑቕ ህዝቢ ዝርከበሉ ከባቢታት፡ ካብቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝንቀሳቐሰሉ ከተማ ወጻኢ፡ ኣስታት 31 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ልዕል ዝበለ መናድቕ ዝተሃንጸ ረኺቡ። እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ውጥናት ንሰላማውያን ሰባት ኣብ መጻወድያ ንምእታው ዝዓለመ ይመስል ይብሉ።

እቲ ብመርመርቲ ሕቡራት ሃገራት "ግፍዒ ኲናት" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ማሕበረሰብ ዓለም እገዳ ኣጽዋር ከተግብር ከምኡ'ውን ገበነኛታት ዝበሃሉ ሰባት ናብ ፍትሒ ከም ዝቐርቡ ንምርግጋጽ ናጻ መስርሕ ፍርዲ ከቕውም ጸዊዑ።

ኣቶ ዑስማን ወሲኹ፡ "ርኽበታትና ንጥርጣረ ቦታ ዝሓድግ ኣይኰነን። ኣብዚ ኲናት ሰለማውያን ሰባት ዝለዓለ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ፡" ኢሉ።

ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ተገዲዶም።