ኣብታ ብዕጡቓት ዝተኸበበት ከተማ ንምንታይ ሓፁር ይህነፅ ኣሎ?

ኣብታ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕትን ከባባን ዕጡቓት እትርከብ ሱዳናዊት ከተማ ኤል-ፋሸር፡ ገዚፍ ሓፁር ይህነፅ ኣሎ። መፅናዕቲ ዩኒቨርሲቲ የል ከም ዝሕብሮ፡ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ሓፁር ንምኽርዳን ዝዓለመ እዩ።

ጕጅለ ሰብኣዊ መፅናዕቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተዓዘቦም ምስልታት ሳትላይት፡ ካብ ከተማ ኤል-ፋሸር ውፅእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተቘፃፂሮሞ ዘለዉ ከባቢ፡ ካብ ግንቦት ጀሚሮም ዝተሃነፁ 31 ኪሎሜትር ዝንውሓቶም ሓፁራት የርእዩ።

እታ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዕፅዋ ትርከብ ከተማ ኤል-ፋሸር፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ትሕቲ ቍፅፅር ሰራዊት ሱዳን ትርከብ እንኮ ከተማ እያ። ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ድማ ዓውደ ግንባር ክልቲኦም ሓይልታት ኰይና ቀፂላ ኣላ።

ኔትዎርክ ዶካትር ሱዳን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝፍፅሞም መጥቃዕትታት ብምሕያል፡ ኰነ ኢሉ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ይገብር ከም ዘሎ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ሓደ ካብዚ ማሕበር ሓካይም ዝዀነ ዶክተር ሞሓመድ ፋይሰል ሓሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ትማሊ ሰለማውያን ሰባት ኣብ ዝነብርሉ ኣብ ማእከል ከተማ ደብዳብ ነይሩ። 24 ሰባት ቀቲሉ፡ 55 ሰባት ተጐዲኦም፤ ካብዚኦም እተን ሓሙሽተ ደቂኣንስትዮ እየን፡" ኢሉ።

እቶም መጥቃዕትታት ኣብ ማእከል ዕዳጋን መንበሪ ከባብን "ኰነ ተባሂሎም" ዝተፈፀሙን "ባርባራዊን" ከም ዝዀኑ ገሊፁ።

"ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ነቲ ኣብ ኤል-ፋሸር ዝዓበየ ሆስፒታል ዒላማ ገይሮም። ገዚፍ ህልቂት ተሓከምትን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ድማ ኣስዒቡ።"

ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ከም መከላኸሊ ዓበይቲ ሓፁራት ክጥቀሙ ከም ዝፀንሑ ይገልፅ።

ትንታነ ናይቲ ነቲ ኵናት ብቐረባ ክከታተሎ ዝፀንሐ ጕጅለ ሰብኣዊ መፅናዕቲ ዩኒቨርሲቲ የል ግና፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ጥቓ ኤል-ፋሸር ሰባት ዝቕተልሉ ወይ ዘጥቅዕሉ ሓፁራት ይሃንፅ ከም ዘሎ የመልክት።

እቲ ጕጅለ መፅናዕቲ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ እቶም ሓፁራት ኣበይ ከም ዝሃነፆም ካብ ምስሊ ሳትላይት ብተወሳኺ ካርታ ብምጥቃም የነፅር።

ቀጠልያ መስመር፡ 9 ኪሎሜትር ካብ 14 ክሳብ 24 ሓምለ 2025 ዝተሃነፀ (እቶም ምስልታት ሳትላይት ኣብ ጥቓ ቍሸት ኣልሰን ከም ዝርከብ የመልክቱ)፣

ብጫ መስመር: 6 ኪሎሜትር ካብ 3 ክሳብ 19 ነሓሰ 2025 ዝተሃነፀ፣

ሰማያዊ መስመር: 7 ኪሎሜትር ካብ 5 ግንቦት ክሳብ 12 ሓምለ 2025 ዝተሃነፀ፣

ቀይሕ መስመር: ኣብዚ እዋን 9 ኪሜትር ንውሓት ዘለዎን ካብ 13 ክሳብ 17 ነሓሰ 2025 ዝተሃነፀን ህንፀቱ ገና ዝቕፅል ዘሎን።

ፀብፃብ እቲ ጕጅለ መፅናዕቲ፡ እቲ ሓፁር ናብታ 300,000 ዝነብሩላ ከተማ ዝኣቱን ዝወፅእን ብምቍፅፃር፡ ነቲ ዕፅዋ ዘጋድድ ከም ዝዀነ ገሊፁ።

ኵናት ሕድሕድ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ንደሓር፡ ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱ ሚሊሻታት ዓረብን፡ ዓረብ ካብ ዘይኰኑ ብሄራት ንዝመፅኡ ሰባት ዒላማ ብምግባር ይኽሰሱ።

ዶክተር ሓሰን፡ "ገለ ሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ንምህዳም'ኳ እንተ ፈተኑ፡ ብዘሕዝን መልክዑ ግና ብዳዕመ-ሰሪዕ ዒላማ ኰይኖም ተቐቲሎም፡" ይብል።

ቅድም ክብል ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከም ዝገብርን ምፅፃይ ዓሌት ይፍፅም ከም ዘሎን ንዝቐርበሉ ክስታት ከም ዘይወዓሎም ገሊፁ ነይሩ።

እዞም ሓፁራት፡ ካብታ ከተማ ክሃድሙ ንዝፍትኑ ሰላማውያን ሰባት ኰነ መድሓኒትን መግብን ከምፅኡ ንዝደልዩ፡ ነገራት ዝተሓላለኹ ክዀኖም ደሪኹ ኣሎ።

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኣዋርሕ ናብ ኤል-ፋሸር ክኣትዉ ኣይከኣሉን። ኣብታ ከተማ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ድማ ብመዓልታዊ ደብዳባት፡ ሕፅረት መግብን ካልኦት ከበድቲ ፀገማትን ይሳቐዩ ኣለዉ።

ንብዙሓት፡ ካብታ ከተማ ምህዳም ዘይሕሰብ እዩ።

መምህርን ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑን ዝዀነት ጓል 37 ዓመት ሓሊማ ሓሽም ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ገንዘብ የብልናን" ትብል።

ኣብታ ከተማ ምንባር ቀስ ብቐስ ሙማት ከም ዝዀነ ይስመዓ፡ ግና ንምህዳም ምፍታን'ውን ሓደገኛ'ዩ ትብል።

ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ከተማ ዝመደበሮም ሰራዊት ሱዳን ዓወት ንምጕንፃፍ፡ "ዘድሊ መደባትን ኵነታትን ኣስተውዒሉ፡" ነቶም ሓፁራት ከም ዝሃነፆም እቲ ፀብፃብ የመልክት።

እዚ ሓይሊ ንኤል-ፋሸር ኣብ ኢዱ እንተ ኣእትይዋ፡ ንምዕራባዊ ክፋል ዳርፉር ምሉእ ብምሉእ ክቈፃፀር ዝገብሮ እዩ።

ተዓዘብቲ፡ እዚ ኵነታት እንተ ተጋሂዱ፡ ነታ ሃገር ኣብ ክልተ ክመቅል ከም ዝኽእል የጠንቅቑ። ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ነናይ ባዕሎም መንግስታት ከም ዘለዎም ይፍለጥ።

ከም ፀብፃብ ጕጅለ መፅናዕቲ ዩኒቨርሲቲ የል፡ እቲ ኣብ ጥቓ ኤል-ፋሸር ዝካየድ ዘሎ ህንፀት ሓፁራት ይቕፅል እዩ ዘሎ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ካብ ምዕራባዊ ክሳብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ዝተዘርግሐን ቅርፂ ፍርቂ ክቢ ዝሓዘን 22 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ሓፁር ተዓዚቦም።

ካልእ ብግምት 9 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ሓፁር ድማ ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማ ዝርከብ ዓቢ ፅርግያ ጀሚሩ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ገለ ክፋል ህንፀት እቲ ሓፁር ብቝሸት ኣልሰን ኣቢሉ ዝሓልፍ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ምስሊ እቲ ሳትላይት ከም ዝረአ፡ ዝበዝሕ ክፋል እታ ቍሸት ካብ 20 ግንቦት ክሳብ 6 ሓምለ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ዓንዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከብ መፃረይ ማይ'ውን፡ ብደብዳባት ሓይሊ ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ከም ዝዓነወ እቲ ፀብፃብ ገሊፁ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቓ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ይርከብ።

እቲ መፃረይ ማይ ዋላ'ውን ጕድኣት እንተ በፅሖ፡ ሕዚ'ውን ኣገልግሎት ይህብ ከም ዘሎ እቶም ተመራመርቲ ይኣምኑ።

ነበር ኣመሓዳሪ ማእከላይ ዳርፉር ኣዲብ ዓብደልራሕማን ዩሱፍ፡ ኣብ ኤል-ፋሸር ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ክከላኸሉ ንባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ።

እቲ ነባር ፖለቲከኛ ኣብዚ እዋን ኣብ ኤል-ፋሸር 'ፒፕል ቱ ፒፕል' ኣብ ዝበሃል ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ ዝሰርሕ።

"ኣብ ኤል-ፋሸር ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ፡ ከቢድ ዋጋ'ዩ ዝኸፍል ዘሎ። ዋላ ሓደ ዝከላኸለሎም የለን፡" ብምባል ንቢቢሲ ገሊፁ።