እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት እስራኤል ካብ ገለ ክፋል ቓዛ ብምንስሓቡ፡ ህዝቢ ክሳግም ጀሚሩ
እስራኤል፡ ካብ ገለ ክፋል ቓዛ ሰራዊታ ብኸፊል ትስሕብ ከም ዘላ ተገሊጹ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዓርቢ ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ እዩ።
ስለዝዀነ ድማ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ውሽጢ ቓዛ ናብቲ ዝተሰማምዕሉ ቦታ ከም ዝተመልሱ ተገሊጹ ኣሎ። ይዅን እምበር ወተሃደራት ክሳዕ ሕጂ ፍርቂ ናይቲ ወሽመጥ ተቘጻጺሮም ይርከቡ።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ናብ ሰሜን ቓዛ ክግዕዙ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ኣሎ።
እዚ ምቍራጽ ተዅሲ ተግባራዊ ዝኸውን ዘሎ፡ መንግስቲ እስራኤል ንቐዳማይ ምዕራፍ ስምምዕ ዶናልድ ትራምፕ ብሓሙስ ምስ ኣጽደቐ ኰይኑ፡ ዝቕጽሉ ምዕራፋት ብዝምልከት ሕጂ'ውን ዘተ እናተኻየደ ይርከብ።
ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ ሓማስ ክሳዕ ሰኑይ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 12፡00 ንዅሎም እስራኤላውያን ጅሆ ክፈትሕ እዩ። ካብዚኦም 20 ብህይወት ከም ዘለዉ ዝእመነሎም፡ ከምኡ'ውን ክሳብ 28 ሬሳታት ምሩኻት ይርከብዎም።
ብኣምሳያኡ እስራኤል ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዘሕልፉ ዘለዉ ኣስታት 250 ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ እያ።
ራድዮ ሰራዊት እስራኤል 100 ናብ ምዕራባዊ ገማግም፡ ሓሙሽተ ድማ ናብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ክለቁ ምዃኖም ዝሓበረ ኰይኑ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ክግበሩ እዮም።
ካብ ቓዛ ዝተኣስሩ ተወሳኺ 1,700 ፍልስጤማውያን እውን ክፍትሑ ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት ውዕል እቲ ስምምዕ፡ ንህዝቢ ቓዛ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓገዝ ክኣቱ፡ ናይ ሓገዝ ጽዕነት መካይን እውን ብዘይ ገደብ ናብቲ ወሽመጥ ክኣትዋ ክፍቀደለን ኣለዎ።
ካብ ዓርቢ ጀሚሩ መዓልታዊ ኣስታት 600 ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝዀነ ወሰኽ ሓገዝ ናብ ሰባት በጺሑ ድዩ ኣይበጽሐን ዛጊት ኣይተረጋገጸን።
ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፉ ክኢላታት ኣብ ነሓሰ ኣብ ገለ ክፋል ቓዛ ንፈለማ እዋን ጥሜት ከም ዝተኣወጀን ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ካብ "ጥሜት፡ ድኽነትን" ዝልለ "ኣዕናዊ" ኵነታት ከም ዘጋጥሞምን ምግላጾም ይዝከር።
እስራኤል ግን ኣብ ቓዛ ጥምየት ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ክትክሕድ ጸኒሓ እያ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ድሮ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመደበሮም ክሳብ 200 ዝዀኑ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ እስራኤል ብምግዓዝ፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ምክትታል ክሕግዙ ምዃኖም ሰበስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ሰራዊት ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ወሰን ከተማ ቓዛ ናብ ምብራቕ ገጹ ንድሕሪት ከም ዝተሰሓበ ሓቢሮም።
ብደቡብ እውን ገለ ወተሃደራት እስራኤል ካብ ከባቢ ካን ዩኒስ ንድሕሪት ከም ዝተሰሓቡ ተገሊጹ ኣሎ።
ሰራዊት እስራኤል ካብ ሰዓት 12፡00 ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ጀሚሩ፡ "ኣብቲ እዋናዊ መስመራት ምውፋር ክቐውም ጀሚሩ፡" ከም ዘሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓቢሩ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ማእከላይ ትእዛዝ ኣመሪካ፡ ሰራዊት እስራኤል ናብቲ ንሱ "ብጫ መስመር" ኢሉ ዝጽውዖ፡ "ቀዳማይ ምዕራፍ ምስሓብ ከም ዝዛዘሙ፡" ምርግጋጹ ገሊጹ።
እዚ መስመር፡ ኣብዚ ምዕራፍ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ሰራዊት እስራኤል ናበይ ከም ዝስሕብን 53 ሚእታዊት ቓዛ ከም ዝቈጻጸሩን ዘመልክት እዩ።