እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤልን ሓማስን ኲናት ንምቍራጽ ዝረኸብዎ ዕድል ክጥቀምሉ ተኽእሎ ኣሎዶ?
- Author, ጀረሚ ቦወን
ኣብ ቓዛ ዘጋጥም ዘሎ ቅትለትን ዕንወትን ከብቅዕ፣ ከምኡ'ውን እቶም ብህይወት ዘለዉን ዝሞቱን እስራኤላውያን ጅሆታት ናብ ስድርኦም ክመልስ ዘኽእል ስምምዕ ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ።
ሓማስን እስራኤልን ግን ነዚ ዕድል'ዚ ክጥቀምሉ ድዮም ርግጸኛታት ኣይኰንናን።
ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ሃንደበታውን ስንባደ ዝፈጠረን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እስራኤል ከም መልሰ ተግባር መጠነ ሰፊሕ ስርሒታት ብምስዓባ ዝመጽአ ዘተ ብምዃኑ ዘሕዝን ኣጋጣሚ እዩ።
ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 1,200 ሰባት ተቐቲሎም እዮም። መብዛሕትኦም ድማ ሰላማውያን ሰባት እዮም። ብተወሳኺ፡ 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም። ካብዚኦም እቶም 20 ብህይወት ከም ዘለዉ እስራኤል ትኣምን። ሬሳ ካልኦት 28 ሰባት ድማ ክምለስ ትጠልብ።
እስራኤል ዝሃበቶ ኣዕናዊ ወተሃደራዊ ምላሽ ስዒቡ፡ መብዛሕትኡ ክፋል ቓዛ ዓንዩ። መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባትን ልዕሊ 18,000 ህጻናትን ቈልዑን ዝርከብዎም ልዕሊ 66,000 ፍልስጤማውያንን ድማ ከም ዝተቐትሉ ኣካል ምምሕዳር ሓማስ ዝዀነ ምኒስትሪ ጥዕና የመልክት።
ኣሃዛት እቲ ምምሕዳር መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዘተኣማምን ይቝጸር።
እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን እቲ ኲናት ከብቅዕ ድሌት ኣለዎም።
እስራኤላውያን በቲ ኲናት ተዳኺሞም እዮም፤ መብዛሕትኦም ነቶም ምሩኻት ዝመልስን ነቲ ኲናት ዘብቅዕን ስምምዕ ከም ዝደልዩ ዳህሳሳት ይሕብሩ።
ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ ዕጡቕ ሓይልታትን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣገልግሎት ክህቡ ዝጸንሑ ኣማኢት ኣሽሓት ዕቝር ሰራዊት ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ይደልዩ።
ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ምስ ዘጓነፎም ሰብኣዊ ዕንወት ይቃለሱ ኣለዉ። ኣብ መንጎ ተዅሲ ሰራዊት እስራኤልን ጥሜትን ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ እስራኤል ናብቲ ወሽመጥ ሓገዝ ከይኣቱ ምግዳባ ብዘስዓቦ ጥሜት ኣብ ጸገም ይርከቡ።
እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ እስራኤል ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሓማስ፡ ከም ውሁድ ወተሃደራዊ ውድብ ካብ ዝስበር ነዊሕ ገይሩ ኣሎ። ኣብ ዑናታት ኰይኑ ኣንጻር ሰራዊት እስራኤል ናዕቢ ዝፍጽም ናይ ከተማ ደባይ ኰይኑ ኣሎ።
ሓማስ ዋላ እኳ ስልጣን ንፍልስጤማውያን ቴክኖክራታት (ካብ ፖለቲካዊ ውግንና ሓራ ዝዀኑ ክኢላታት) ክህብ እንተ ተሰማምዐ፡ ከይተበታተነ ዝጸንሓሉ መንገዲ ክረክብ ይደሊ።
ካብ ከበድቲ ኣጽዋራቱ እቲ ዝተረፈ ከረክብ ከም ዘለዎ ይቕበል እዩ፣ እንተዀነ፡ ካብቶም ዳርጋ ንዕስራ ዓመት ዝጸንሐ ተሪር ምሕደራን ሓማስ ብመጥቃዕታታቱ ዘስዓቦ ሓደጋን ሕነ ክፈድዩ ዝደልዩ ፍልስጤማውያን ነብሱ ንምክልኻል እኹል ኣጽዋር ክሕዝ ይደሊ።
ሓማስ ነዚ ብዕሊ እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ ሰዓብቲ ዘለዎን ንእስራኤል ከጥፍእ ዕላማ ዘለዎን ሓደ ውድብ፡ ዓቕሙ ዳግማይ ክሃንጽን ነቲ 'እስላማዊ ምንቅስቓስ ተቓውሞ' ዝብል ትርጕም ዘለዎ ስሙ ንምዕቃብን ዘኽእል እኹል ኣጽዋር ክሕዝ ከም ዝደሊ ይግመት።
እስራኤል፡ ሓማስ ኢዱ ንኽህብ ዘኽእሉ ውዕላት ክትቈጻጸር ድሌት ኣለዋ። ሓማስ ዕቱብ ዘተ ንምግባር ዕድል ምህላዉ ግን ካብቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝነበሮ ዝያዳ ተኽእሎታት ይኸፍተሉ።
ኣብቲ እዋን፡ እስራኤል ብዶናልድ ትራምፕ ንዝቐረበ እማመ ሰላም ዝዛተዩ ዝነበሩ መራሕቲ ሓማስ ኣብ ዶሓ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ብተኸታታሊ መጥቃዕትታት ክትቀትሎም ፈቲና ኣይተዓወተትን።
ናይቲ መጥቃዕቲ ቀንዲ ዕላማኣ ዝነበረ ላዕለዋይ መራሒ ከሊል ኣል-ሓያ፡ ኣብ መዘናግዒ ቀይሕ ባሕሪ ሻርም ኤል ሸኽ ኣብ ዝካየድ ንልኡኽ ሓማስ ይመርሕ ኣሎ። እቶም መራሕቲ ብህይወት እኳ እንተ ኣምለጡ፡ ወዲ ኣልሃያ ግን ሓደ ካብቶም ዝሞቱ እዩ።
ድሌት ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ድማ ዝተፈለየ እዩ። ስልጣኑ ክዕቅብ፡ ብብልሽውና ዝቐረበሉ ፍርዲ ምንዋሕ ክቕጽል፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ መረጻ ክዕወት፡ ድሕሪ ህልቂት ናዚ ኣብ ኣይሁዳውያን ዝወረደ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ዘብጽሐ ጸጥታዊ ጌጋታት ተሓታቲ ዝዀነ መራሒ ኰይኑ ኣብ ታሪኽ ከይሰፍር ይደሊ።
ስለዚ ድማ "ፍጹም ዓወት" ዝእውጅሉ ተኣማንነት ዘለዎ መንገዲ እዩ ዝደሊ። እዚ "ፍጹም ዓወት" ዝብል ሓረግ ብተደጋጋሚ ክጥቀመሉ ተሰሚዑ እዩ። እዚ ድማ ምምላስ ጅሆታት፡ ምጥፋእ ሓማስን ምውጋድ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ቓዛን ክብል ይገልጹ። ከምኡ ክገብር እንተ ዘይክኢሉ፡ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ጸላእታ ኣብ ሊባኖስን ኢራንን ዘውረደቶ ኣዝዩ ሓቀኛ ጕድኣት እኹል ኣይክኸውንን እዩ።
ተዛተይቲ ሓማስን እስራኤልን ፊት ንፊት ኣይክራኸቡን እዮም። ሰበስልጣን ግብጽን ቐጠርን መንጎኛታት ክዀኑ እዮም፣ እቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ኣመሪካውያን እውን ምናልባት ወሳኒ ዝዀነ ዓቢይ ጽልዋ ክህልዎም እዩ።
መሰረት ናይቲ ዝርርብ ዶናልድ ትራምፕ ዘቕረቦም 20 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ቓዛ እዩ። ዋላ'ኳ ትራምፕ ብዛዕባ ቀዋሚ ሰላም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንተ ጸሓፈ፡ እቲ ዘይገብሮ ነገር እንተ'ልዩ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ኣብ መንጎ ሩባ ዮርዳኖስን ማእከላይ ባሕርን ዘሎ መሬት ንምቍጽጻር ዝጸንሐ ነዊሕ ግጭት ምቍራጽ እዩ።
መጻኢ ምዕራባዊ ገማግም፡ እቲ ካልእ ክፋል ናይቲ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ከም ግዝኣት ፍልስጤም ኣፍልጦ ዝሃባኦ ግዝኣታት ኣይጠቐሰን።
ኣብ ሻርም ኤል ሸኽ ዘሎ ስግኣት ልዑል እዩ። ኣብ መንጎ ዓረብን ኣይሁድን ልዕሊ ሓደ ዘመን ኣብ ዝጸንሐ ግጭት እቲ ኣዝዩ ኣዕናውን ደማውን ኲናት ከብቅዕ ዝኽእል ምቍራጽ ተዅሲ ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ።
ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ንምፍታሕ፡ ብኣምሳያኡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዘሕልፉ ዘለዉ ፍልስጤማውያንን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ብዘይ ፍርዲ ዝተኣስሩ ቓዛውያንን ንምልዋጥ ቅድመ-ዅነት ምሕንጻጽ እቲ ቀዳማይ ብድሆ እዩ። እዚ ቀሊል ዕማም ኣይኰነን።
ፕረዚደንት ትራምፕ ብቕልጡፍ ውጽኢት ክርአ ይደሊ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓቢይ ስምምዕ ንምድላው ዝነበሮ ህርፋን ዳግማይ ከበራብሮ ድሌት ኣለዎ። ኣብ ማእከል ናይዚ ድማ እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ምቅርራብ ኣሎ።
እስራኤል ኣብ ቓዛ ንብዙሓት ሰላማውያን ፍልስጤማውያን ኣብ እትቐትለሉን ዓቢይ ስቓይ ዘስዕቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ገደባት ኣብ እትገብረሉን እዋን፡ ከምኡ'ውን ሓማስ ንእስራኤላውያን ጅሆ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን እዚ ክኸውን ኣይክእልን።
ስዑዳውያን እውን ኣብ ተኸታታሊ ህዝባዊ መግለጺታት፡ ብዘይ ንጹርን ዘይምለስን ፍልስጤም ናጻ ሃገር ዝገብር መንገዲ እንተ ዘይሃልዩ እዚ ክኸውን ከም ዘይክእል ብዘየማትእ መንገዲ ገሊጾም እዮም።
ትራምፕ ንናታንያሁ፡ ብዛዕባ ተኽእሎ ናጽነት ፍልስጤም ዝገልጽ ድሩትን ዘይተወሰነን መወከሲ ዘጠቓለለ ሰነድ ክፍርም ኣገዲድዎ እዩ።
ብድሕሪኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን ናታንያሁ፡ ፍልስጤማውያን ፈጺሞም መንግስቲ ከም ዘይረኽቡ ዝኣተዎ መብጽዓ ብምድጋም ነዚ ሸለል ክብሎ መሪጹ። ኣብ ሰነድ ትራምፕ፡ እስራኤል ብመንጽር ምውዳእ ስልጣን ሓማስን መጻኢ ምሕደራ ቓዛን እትደልዮም ብዙሓት ነገራት ኣለዉ።
ናታንያሁ ግን ኣብ ዋይት ሃውስ ድሌቱ ዝፍጽመሉ መንገዲ ረኺቡ ኣሎ። እንተዀነ፡ ትራምፕ ንመሪሕነት ሓማስ ዘይደምሰሰ መጥቃዕቲ ኣየር ብዝምልከት ንቐዳማይ ምኒስተር ቐጠር ወግዓዊ ይቕረታ ከንብብ ኣገዲድዎ እዩ። ትራምፕ ንማእከላይ ምብራቕ ዳግማይ ንምቛም ዘለዎ ድሌት ንቕድሚት ንምስጓም ቀጠር ኣብ ጐድኑ ክትስለፍ ይደሊ።
እስራኤል ካብ ቓዛ እትወጸሉን ኲናት እተብቅዓሉን ጽኑዕ ናይ ግዜ መደብ ከይሓዘ፡ ስለምንታይ ሓማስ ነቶም ጅሆታት ክፈትሖም ተዳልዩ ኣሎ ዝብል ክለዓል ዘለዎ ሕቶ እዩ።
እቲ ሓደ ተኽእሎ ቐጠር፡ ትራምፕ ንዅሎም ጅሆ እስራኤል ብህይወት ዘለዉን ዝሞቱን ናብ ሃገሮም ብምምላስ ዓወት ከመዝግብ ዕድል እንተ ሂቦምዎ፡ እዚ ከም ዝፍጸም ንሓማስ ኣእሚና ክትከውን ከም እትኽእል እዩ።
ዋላ'ኳ እዚ እንተዀነ ትራምፕ ግን ሓማስ ነቲ ስምምዕ እንተ ነጺጉ፡ እስራኤል ነቲ ጕጅለ ንምጥፋእ "ምሉእ ደገፍ" ክህብ ምዃኑ ኣፈራሪሑ ኣሎ።
ስምምዕ ክፍጸም እዩ ዝብል ልዑል ርእይቶ ዘለዎ ባዕሉ ትራምፕ እዩ። ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ክመጽእ እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ውጽኢት ምስ ጃህራ ትራምፕ ዝመጣጠን ኣይኰነን።
ትራምፕ ብዙሕ ኲናታት ደው ክብሉ ኣይሰረሐን፤ ቍጽሪ እቶም ደው ኣቢለዮም ዝብሎም ኲናታት፡ ከከም ኣዘራርብኡ ይፈላለዩ እዮም። ብፍላይ ንዂናት ሩስያን ዩክረይን ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ክቋረጽ ክገብር እየ ዝበሎ ኣይተፈጸመን።
እቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ክልቲኦም ወገናት ጸቕጢ ክገብር ስለ ዝኸኣለ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ሓማስ ምስ እማመሙ ክሰማማዕ እንተ ዘይክኢሉ፡ እቲ ጕጅለ ከም ዝጠፍእ ምፍርራሕ እቲ ቀሊል ክፋል እቲ ጸቕጢ እዩ።
መራሕቲ ኣመሪካ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ 2006 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ፍልስጤም ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
እስራኤል ኣብ ኣመሪካ ጽግዕተኛ እያ። ኣመሪካ ኣብቲ ኲናት ምሉእ መሻርኽታ ኰይና እያ ጸኒሓ። ብዘይ ሓገዝ ኣመሪካ እስራኤል ብኸምዚ ዝበለ ጨካንን ነዊሕ ዝወሰደን ወፍሪ ንቓዛ ከተጥቅዓ ኣይምኸኣለትን ነይራ።
መብዛሕትኡ ኣጽዋራታ ኣመሪካ እተቕርቦ እዩ። ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሓለዋ እውን ትህብ'ያ፤ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ናይ ምግባር መሰል (ቬቶ) ተጠቒማ ንእስራኤል ንምሕጋዝ ዝዓለሙ ዝተፈላለየ ውሳነታት ተሕልፍ እያ።
ንነብሱ ኣየርላንዳዊ ጽዮናዊ ዝብል ጆ ባይደን፡ እስራኤል ኣብ ኣመሪካ ካብ ዘለዋ ጽግዕተኛነት ዝመጽእ ሓይሊ ሚዛን ተጠቒምሉ ኣይፈልጥን።
ዶናልድ ትራምፕ እቲ ንኣመሪካ ዝሓንጸጾ መደባቱ ቀዳምነት ይህብ፣ እንተ ወሓደ ኣብቲ ዝርርብ ክጽንበር ከሎ ድማ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘለዋ ስዉር ስልጣን ተጠቒሙ፡ ንናታንያሁ ናብ ድሌቱ ከም ዝጥምዘዝ ገይሩ እዩ። እቲ ጸቕጢ ክቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን ገና ዝርአ እዩ። ትራምፕ በብግዜኡ ሓሳቡ ዝቕይር ሰብ እዩ።
ልኡኻት ሓማስን እስራኤልን፡ ኣብ ውሽጦም እቲ ኲናት ክቕጽል ዝደልዩ ሓያላት ነቐፍቲ ኣለውዎም።
ምንጭታት ሓማስ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ክሳብ መወዳእታ ክቃለሱን ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት እስራኤላውያን ጅሆ ክወስዱን ተዳልዮም ኣለዉ።
ጥምረት በንያሚን ናታንያሁ ድማ ኣብ ደገፍ ናይቶም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ኣባሪሮም ብኣይሁዳውያን ሰፋሮ ንምትካእ ዝነበሮም ሕልሚ ክገሃድ ዝቐረበ መሲልዎም ኣብ ዝነበሩ ኣዝዮም ሃገራውያን ኣኽረርቲ ዝምርኰስ እዩ።
ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ እንተ ዘይተዓዊቱ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ውጽኢታት ክፍጸሙ ተኽእሎ ኣሎ።