እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ዝጓየየሉ ዘሎ ዝርርብ ቃዛ ይዕወትዶ ይኸውን?
ኲናት ቓዛ ደው ንምባል ዝዓለመ ውጥን ሰላም ኣመሪካ ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝዓለመ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ ሻርም ኤል ሸኽ ግብጺ ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ።
ሰበስልጣን ፍልስጤምን ግብጽን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ እቲ ኣኼባታት፡ ንብዙሓት ፍልስጤማውያን እሱራት ንምምላስ ኲሎም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክፍትሑ ዝገብር ክኸውን ዝኽእል ምልውዋጥ ኣብ ምፍጣር ዘተኰረ ምዃኑ ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት "ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት" ከም ዝፍትሑ ክሕብር ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
እቶም ሰበስልጣን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ይህብ ነይሩ፤ "ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ዕድል ኣለና፤ ነባሪ ስምምዕ ድማ ክኸውን'ዩ፡" ኢሉ።
ሓማስ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመታት ውዕል ሰላም ብኸፊል ከም ዝሰማማዓሎም እኳ እንተገለጸ፡ ምፍታሕ ዕጥቅን ኣብ ቀጻሊ ምሕደራ ቓዛ ዝዀነ ተራ ከም ዘይህልዎን ሓዊሱ ንሓያሎ ወሰንቲ ጠለባት ግን ምላሽ ኣይሃበን ዘሎ።
ግብጺ ተአገግዶ ዘላ ዝርርብ ሰላም
ሰበ ስልጣን ግብጺን ቀጠርን፡ ካብ ሰኑይ 6 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ምስ ልኡኻት እስራኤልን ሓማስን ኣኼባታት ዘተ የካይዱ እዮም ዘለው።
ብሓማስ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡብ እስራኤል መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ከም ዝተወስዱ ይዝከር።
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክወስድ ካብ ዝጅምር ንድሓር፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ 18 ሽሕ ህጻናት ዝርከብዎም 67,160 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ይሕብር።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነዚ ክልተ ዓመት ዝገበረ ኲናት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውጥን ሰላም ትራምፕ "ነዚ ዘሕዝን ግጭት ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ዕድል ዝበብ'ዩ፡" ኢሉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ብወገኑ፡ ነቲ ውጥን ከም ዝድግፎ ደጊሙ ብምግላጽ፡ መንግስቱ ድማ "ነፍሲ ወከፍ ህጻን እስራኤል ኣብ ጐኒ ፍልስጤማውያን ጐረባብቱ ብሰላም፡ ድሕነትን ጸጥታን ክነብር ዝኽእለሉ መዓልቲ ንምምጻእ፡" ዝከኣሎ ኵሉ ክገብር እዩ ኢሉ።
ሓደ ላዕለዋይ ምንጪ ጸጥታ እስራኤል እቲ ዝርርብ ኣብ መጀመርታ ኣብ ምፍታሕ ጅሆ ጥራይ ዘተኰረ ምዃኑን ነቲ ምዕራፍ ንምዝዛም ሓማስ ሒደት መዓልታት ከም ዝወሃቦን ገሊጹ።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ዘተታት፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ጀሚሩ ካብቶም ጽልዋ ዘለዎም ክዀኑ ትጽቢት ይግበር፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ግጭት ንምውዳእ ዝወስድ መገዲ ምህላዉ ክውስን ይኽእል እዩ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ፣ ሰብኣይ ጓል ትራምፕ ጃሬድ ኩሽነርን ምኒስትር ጕዳያት ወጻኢ ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣልታኒን ካብቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ዘለው ልኡኻት እዮም።
ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ኲናት ቓዛ ንምውዳእ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ዝነጥፉ ኵሎም ብቕልጡፍ ክስጕሙ ብምምሕጻን፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ውጥን ሰላም - እዚ ድማ ምፍታሕ ጅሆ ዘጠቓልል - "ኣብዚ ሰሙን ክዛዘም ኣለዎ" ይብል።
"ሓማስ ኣብ ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራት ክሰማማዕ ጸኒሑ'ዩ። [ሕጂ ድማ] ብሓቂ ውዕል ክህልወና እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፡" ክብል ኣብ ዋይት ሃውስ ተዛሪቡ።
ነቲ ድርድር ቅርበት ዘለዎ ፍልስጤማዊ በዓል ስልጣን ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቀዳማይ ዘተ ብሰኑይ ኣጋምሸት ከም ዝተዛዘመን፡ ተወሳኺ ዝርርብ ድማ ሎሚ ሰሉስ ክካየድ ምዃኑን ገሊጹ።
ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ኣልቃህራ ኒውስ እውን እቲ ዝርርብ ሎሚ ሰሉስ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ - እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ድማ "እወንታዊ ሃዋሁ" ኣአንፊታ ከም ዝተዛዘመት ኣመልኪቱ።
ብዛዕባ እቲ ውጥን ሰላም እንታይ ንፈልጥ?
እቲ ትራምፕን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን ዝተሰማምዑሉ ውጥን 20 ነጥብታት ዝሓዘ እዩ።
እዚ፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝእምት ኰይኑ፡ ሓማስ 20 ብህይወት ዘለዉ ጅሆ ዝተወስዱ እስራኤላውያን ብምፍታሕን ሬሳታት ናይቶም ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ሞይቶም ተባሂሉ ዝእመን ልዕሊ 12 ጅሆታትንን ብምርካብን፡ ምልውዋጥ ብኣማኢት ዝቑጸሩ እሱራት ፍልስጤማውያን ክግበር እዩ ይብል።
እቲ ውጥን ክልቲኦም ወገናት ነቲ እማመ ምስ ተሰማምዑ "ምሉእ ሓገዝ ብቕጽበት ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክለኣኽ እዩ፡" ዝብል ይድንግግ።
ብተወሳኺ ሓማስ ኣብ ቀጻሊ ምምሕዳር ቓዛ ዝዀነ ተራ ከም ዘይህልዎን ኣብ መወዳእታ ሃገረ ፍልስጤም ንኽትህሉ ዘኽእል ማዕጾ ርሑው ምዃኑን የመልክት።
ይኹን እምበር፡ እቲ ውጥን ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ ምስ ኰነ፡ ነታንያሁ ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ዝነበሮ ተቓውሞ ዳግማይ ኣንጸባሪቝ።
እዚ፡ "ኣብቲ ስምምዕ ኣይተጻሕፈን፤ ንምስረታ ሃገር ፍልስጤም ኣትሪርና ክንቃወም ኢና፡" ኢሉ።
ብዓርቢ 3 ቀቅምቲ 2025 ሓማስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መልሲ ሂቡ፡ እቲ ግቡእ ቅድመ ኵነት ናይቲ ምልውዋጥ እንተተማሊኡ "ብመሰረት እቲ እማመ ዝሓዞ ናይ ምልውዋጥ ቀመር ንዅሎም እሱራት እስራኤላውያን ብህይወት ዘለዉን ዝሞቱን ክፈትሕ፡" ምዃኑ ኣመልኪቱ ።
ነቲ 20 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ትራምፕ ብፍሉይ ኣይጠቐሰን ወይ ኣይተቐበለን፤ እንተዀነ ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእ ፍልስጤም፡ ዓረብን እስላማውን ደገፍን ተሞርኲሱ፡ ምምሕዳር ወሽመጥ ቓዛ ንሓደ ናጻ ፍልስጤማዊ ኣካል (ቴክኖክራት) ንምሃብ ዝግበር ስምምዕ፡" ከም ዘሐድሶ ኣፍሊጡ።
ሓደ ካብ ቀንዲ ጠለባት ናይቲ ውጥን ሓማስ ዕጥቍ ንክፈትሕ ክሰማማዕን ኣብ ምሕደራ ቓዛ ተወሳኺ ተራ ከይህልዎን ዝብል እኳ እንተዀነ፡ ሓማስ ነዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መልሲ የለን።
ወሲኹ ድማ፡ እቲ ብዛዕባ መጻኢ ቓዛን መሰላት ህዝቢ ፍልስጤምን ዝምልከት ክፋል ናይቶም እማመታት፡ ገና "ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ቅርጺ" ይዝተየሉ ከም ዘሎን፡ ሓማስ ኣካል ናይዚ ክኸውን እዩ ኢሉ።
ድሕሪኡ ዝተዋህቡ ርእይቶታት
ብዙሓት ፍልስጤማውያን፡ ሓማስ ዝሃቦ ምላሽ ካብ ትጽቢቶም ወጻእ ምዃኑ ይገልጹ።
ሓማስ ነቲ ብልሙድ "ቀይሕ መስመር" ዝብሎ ኣብቲ ወግዓዊ መግለጺ ካብ ምእታው ተቘጢቡ ተራእዩ።
እዚ ስጕምቲ፡ ምልክት ግዳማዊ ጸቕጢ እዩ ክብሉ ብዙሓት ይገልጹ።
መራሕቲ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ነቲ እማመ ብሓጐስ ተቐቢሎሞ።
ንገለ ክፋል ናይቲ ብእስራኤል ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዘመሓድር በዓል መዚ ፍልስጤም፡ ጻዕርታት ፕረዚደንት ኣመሪካ "ቅንዕናን ቈራጽነትን" ዝተመልኦ ክብል ገሊጽዎ።
ንነዊሕ ዓመታት ሓንቲ ካብተን ቀንዲ መወልቲ ሓማስ ዝዀነት ኢራን እውን ሕጂ ንውጥን ሰላም ትራምፕ ኣብ ቓዛ ከም እትድግፎ ኣአንፊታ ኣላ።
ቅድሚ እቲ ዝርርብ ምጅማሩ ብሰኑይ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ወሽመጥ ቓዛ እስራኤል ደብዳ ትቕጽል ነይራ።
እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ'ዉን መጥቃዕቲ ትፍጽም ኣላ፤ እዚ ድማ ነቶም ዝተረፉ ጅሆታት ንምፍታሕ ዝዓለመ ምዃኑ ትገልጽ።
ወሃቢ ቃል ብሓማስ ዝመሓደር ሲቪላዊ ምክልኻል ቓዛ ማሕሙድ ባሳል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ቅድሚ ኣርባዕተ ሰሙን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝዀነ ናይ ረድኤት መኪና ናብ ከተማ ቓዛ ክኣቱ ኣይተፈቕደን፡" ኢሉ።
"ሕጂ'ውን ካብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እስራኤል ዝርከቡ ከባቢታት ክንወስዶም ዘይንኽእል ሬሳታት ኣለዉ፡" ኢሉ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ናብቲ ኣብ ደቡብ ዝተመደበ ከባቢ ክግዕዙ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ነበርቲ ከተማ ቓዛ ክሃድሙ ተገዲዶም፡ ካልኦት ኣማኢት ኣሽሓት ግን ኣብኡ ከም ዝተረፉ ይእመን።
ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እቶም ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ዝተረፉ "ኣሸበርትን ደገፍቲ ግብረሽበራን" ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ቓዛ 21 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ተወሳኺ 96 ድማ ቈሲሎም ክብል ምኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ኣብ ዝሓለፈ ኣፍሊጡ።
ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ጀሚሩ፡ ጋዜጠኛታት ብናፅነት ናብ ወሽመጥ ቓዛ ከይኣትዉ ብእስራኤል ዝተኸልከሉ ብምዃኖም፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝቐርብ ክሲ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይርከብ።