ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት እንታይ ምላሽ ሂቡ?

ኤርትራን ኬንያን ዜጋታተን ብዘይ ቪዛ ክኣትው ከም ዝወሰና መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ሓሙስ 9 ለካቲት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ'ዮም ነቲ ሓበሬታ ሂቦም።

"ዕብየት ንግዲ፡ ኣብ መንጎ ትካላት ንግዲን ህዝብታትናን ዘሎ ምትእስሳርን ንምድንፋዕ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ቪዛ ንምውጋድ ተሰማሚዕና ኣለና" ክብል ፕረዚደንት ሩቶ ኣዊጁ።

ዜጋታት ኤርትራን ኬንያን ናብ ክልቲአን ሃገራት ንምእታው ኣቐዲሞም ቪዛ ክረኽቡ'ዮም ክሕተቱ ጸኒሖም።

እንተኾነ ግን፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ብዘይ መወጽኢ (ኤክዚት) ቪዛ ካብ ሃገሮም ክወጹ ከም ዘይክሉ ይፍለጥ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተራኸብሉ ዜጋታቶም ካብን ናብን እተን ሃገራት ኣብ ዝገብርዎ መገሻታት ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ዘኽእል ባይታ ክፈጥሩ ተራዲዶም ምንባሮም ይዝከር።

ነቲ ሓድሽ ውሳነ ንምትግባር ንሰብመዚ ውሽጣዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ትእዛዝ ከም ዝተዋህበ ፕረዚደንት ሩቶ ጠቒሱ።

ብዘይካ'ዚ ኬንያ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ክትከፍት ከም ዝኣዘዘ ሩቶ ሓቢሩ'ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ፡ ሃገሩ ናብ ኢጋድ ክትምለስ እቲ ኬኒያዊ መዘናኡ ንዘቕረበሉ ዕድመ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤርትራዊ መራሒ ብዛዕባ ህላወ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይን ተኽእሎታት ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራን ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

ምምላስ ኤርትራ ናብ ኢጋድ

ኤርትራ፡ ንሓያለ ዓመታት ኣባልነታ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ስሒባ ምጽንሓ ይፍለጥ።

እታ ሃገር ኣብ 1993 ብወግዒ ናጽነታ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ምግታእ ድርቅን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ተሓጺሩ ዝነበረ ውድብ ኣብ ምብርባር ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዕስራ ዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ንዝግበር ዝነበረ ጸቕጢታትን ንምቅዋም ኣባልነቱ ብምድስካል ካብቲ ውድብ ስሒቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝበሎ፡ ኤርትራ ናብቲ ውድብ ክትምለስ ዊልያም ሩቶ ንዘቕረበሉ "ኣዝዩ ኣገዳሲ" ዝበሎ ርእይቶ "ብዛዕብኡ ሕቶ የለን ኢለ" ክብል ከም ዝተቐበሎ ተዛሪቡ።

"ዞባዊ ምውህሃድ ንዝብል ሓሳብ ንምብርባር ናብ ኢጋድ ክንጽንበር ወይ ክንምለስ ኢና" ዝበለ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕግጋሕ ብዘይ ውሁድ ዞባ ክዕወት ከም ዘይክእል ገሊጹ።

"ሓድሽ ምህዞ የለን፡ ዳግማይ ምህዞ ኣይኮነን፡ እንምህዞ ሓድሽ ነገር የለን። ዝሰርሕ ሓቀኛ ዞባዊ ውድብ ክህልወና ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ንኢጋድ ምብርባር ብስም ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ እንገብሮ ግዴታና እዩ።"

ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መብርሂ "ንዓኹምን ኣብዚ ዞባ ዘሎ ኩሉን ከነረጋግጸልኩም እንደሊ ነገር. . .ደጊም ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣይኮነን" ኢሉ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብወገኑ፡ ኣብ ሶማልያ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን፡ ወተሃደራት ሶማልያ ብምስልጣን ንዝገበረቶ ኣበርክቶ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

ኣስታት 5000 ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ሶማልያ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ይዝከር።

ወተሃደራት ኬንያ ኣካል ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሶማልያ ከምዘለው ይፍለጥ።

ምምላስ ኤርትራ ናብ ኢጋድ "ነቲ ንዞባና ዝጸሉ ጉዳያት ኣብ ምእላይ ሓድሽ ጸዓትን ልቦናን ከውሕስ ይኽእል'ዩ" ክብል ፕረዚደንት ሩቶ ተዛሪቡ።

ኣብ ኣስመራ ሓድሽ ኤምባሲ ንምኽፋት ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ትእዛዝ ሂቡ ከምዘሎ'ውን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ

ብዛዕባ ምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዝምልከት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ጉዳይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምልከት ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ነቲ ጉዳይ ንምምላስ ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እንተዝነበር ደስ ምበለኒ፡ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ኢደይ ከእቱ ሃቐነ የብለይን።

"ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ንምትዕንቓፍን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግጭት ንምውላዕን ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምዝርጋሕ ወፍሪ ይካየድ ኣሎ" ክብል'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከሲሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ንምዕራፍ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2022 ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም ይዝከር።

እቲ መራሒ ኤርትራ ነቲ ስምምዕ ከም ዝድግፎ ኣብቲ ናይ ሓሙስ መግለጺኡ ኣነጺሩ'ሎ።

"እቲ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተገብረ [ስምምዕ] መቐጸልታን ሃረርታን ህዝብታት ኢትዮጵያን እቲ ዞባን'ዩ. . .ከይተዓንቀፈ ክኸይድ'ዩ ኢልና ጥራይ ንሕሰብ።

"ንረብሓ ህዝቢታት ኢትዮጵያን እቲ ዞባ ብሓፈሻን ሰላምን ምርግጋእን ንምውሓስ፡ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ወይ ናይሮቢ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣብ ባይታ ክትግበር ንደሊ ኢና" ይብል እቲ ፕረዚደንት።

"ብዘይፍቓድ ልኡላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብቲ ጉዳይ ኢዳ ከተእቱ ኣጀንዳ ይኹን ውጥን የብላን።"

ዊልያም ሩቶ ብወገኑ እቲ "ስምምዕ ኣብ ምትግባር ዓቢ ገስጋስ" ከም ዝተራእየን "ኩሎም [ዝምልከቶም] መንግስታት ዕጉባት" ምዃኖምን ብምጥቃስ "ትግራይ ውሕስነትን ጸጥታን" ምርካባ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ብዛዕባ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝፈጸምዎ ግፍዕታት ብዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ዝተሰንዐ ሓሶት'ዩ" ክብል ብምንጻግ እቲ ክስታት "ካብቶም ንዝኾነ መስርሕ ሰላም ክዕንቅፉ ዝደልዩ ወገናት" ዝነቅል ምዃኑ መጒቱ።

ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዝምታን ከቢድ ጾታዊ ዓመጻትን ዝርከብዎ ግፍዕታት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ኣብቲ ኲናት ክንደይ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝተቐተሉ ክነግር ንዝቐረበሉ ሕቶ ግን ኣይመለሶን።

ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ?

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ብዛዕባ ፖለቲካዊ መጻኢኡን ኤርትራን'ውን ተሓቲቱ ነይሩ።

'ብዛዕባ ምስግጋር ሰልጣን እንታይ መደብ ኣለካ ወይሲ ንምሉእ ዕድሜኻ ኢኻ ፕረዚደንት ክትከውን፡ ከምኡ እንተኾይኑ ድሕሪኡ እንታይ'ዩ ክኸውን?" ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ መልሲ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ።

"ቅኑዕ ሕቶ ኣብ ግዚኡን ሕተቱ" ብምባል ዓጽይዎ።

ኣቶ ኢሳይያስ ካብ 1991 ኣትሒዙ ብዘይ ዝኾነ ቅዋም ንኤርትራ ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ 1993 ዝቖመ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ'ውን ካብ 2002 ጀሚረ ብዘይ ወግዓዊ መንገዲ ፈሪሱ ይርከብ።

ኣብታ ሃገር ብዘይካ'ቲ ንሱ ዝመርሖ ፖለቲካዊ ውድብ ህግደፍ፡ ካልእ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እጉድ'ዩ።

ኣብ 2001 ብጾቱ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ብሰንኪ ዘቕረብዎ ፖለቲካዊ ጠለባት ንደሞክራሲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ተሰዊሮም ኣለዉ።

ናጻ ፕረስ'ውን ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ተኣጊዱ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ኣባላት ማሕበረኮም ኤርትራ ኣብ ኬንያ ከምዝተረኸበ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።