ኤርትራን ኬንያን ክልተኣዊ ስምምዕ ተፈራሪመን

ካብ ትማሊ ጀሚሩ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘገረሉ ዕድመ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ድሕሪ ክልተኣዊ ዘተ ውዕል ከምዝተፈራረሙ ሚኒሰትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቐል ብትዊተር ሓቢሩ።

እቲ ክልተኣዊ ስምምዕ፡ ኣብ ዛባውን ንግዳውን ጉዳያት ዘተኮረ ሰለስተ ክፋላት ዝሓዘ’ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት፡ ክልተኣዊ ርክባት ክሕይልን ህዝቢ ምስ ህብዚ ዝህልዎ ርክባት ክድልድልን ተሰማሚዖም።

ነዚ ንምግባር ዜጋታት ክልቲኦም ሃገራት ካብን ናብን እተን ሃገራት ኣብ ዝገብርዎ መገሻታት ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ዘኽእል ባይታ ክጣጣሕ ከምዘለዎ ተሰማሚዖም።

ኬንያን ኤርትራን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብመንፈስ ‘ፓን ኣፍሪካኒዘም ‘ ብዕቱብ ክተሓባባራ ምዃነን’ውን ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳያያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፡ ሰላምን ጸጥታን ንምሓስን ንምዕባለን ኣብ ዞባዊ ውህደት ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ኣብ ንግዳዊ ጉዳያት ኣብ ዝምልከት፡ ክልቲአን ሃገራት ብመሬት፡ ብባሕርን ብኣየርን ዝግበር ንግዳዊ ርክባት ከጎልብታ ምዃነን’ውን ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ምስኡ ዝተጉዓዙ ሰብ መዚ ኬንያን ኣብ ኤርትራ ዝገበርዎ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ወዲኦም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ካብ ኤርትራ ተፋንዮም ኣለዉ።

ኣብ ታሕሳስ 2018 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከኣ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ኬንያታ ናብ ኣስመራ በጺሑ ነይሩ።

ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ክዝሕልን ክመውቕን ምጽንሑ ይግለጽ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጸጥታዊ ስምምዕ ምፍራሙ ይዝከር።

እዚ ምስ ኬንያ ተጀሚሩ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምብጽጻሕ ነዚ ምትሕብባር'ዚ ንምስፋሕ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ከኣ ይግመት።

ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ዝነበራ እምነት እናጎደለ ብምምጽኡ፡ ሓድሽ ዞባዊ ተበግሶታት ክትወስድ ትህቅን ከምዘላ ተንተንቲ ይገልጹ።