ኤርትራ፡ 'ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ዘይከቱቱ ከቢድ መቕጻዕቲ ይወርድ ኣሎ' - ሂዩማን ራይትስ ዎች

ኣብ ኤርትራ ካብ መፋርቕ 2022 ክሳብ ፈለማ 2023 ኣብ ዝቐጸለ ግፋን ናይ ኲናት ክተት መጸዋዕታትን ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ማእሰርቲ ዝርከቦ መቕጻዕትን ምስርጣያትን ከምዝወረደ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ወለዲን ኣቦሓጎታትን ናይቶም ዘይከቱቱን ዝተሓብኡን ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ጠቒሱ።

ሰብመዚ መንግስቲ ንኣባይቲ ስድራቤታት ብምዕሻግ "ሓባራዊ መቕጻዕቲ" ከምዘካየዱ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ካልኦት ደቆም ድሮ ኣብ ሰራዊት ከቲቶም ዝነበሩ ወለዲ ከይተረፉ ግዳያት ማእሰርቲን ምዕሻግ ኣባይቶምን ምዃኖም'ውን ገሊጹ።

ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ሓድሽ ጸብጻብ ዛጊት ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን። ኣብ ዝሐለፈ እዋን ግን ሰብመዚ ኤርትራ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ደይ መደይ ኢልካ ንምጥምዛዝ ዝግበር ዘሎ ምግናን’ዩ ክብሉ ገሊጽዎ ነይሩ።

"ኣብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎ ወዲ 80 ዓመት ሽማገለ ሕሳስ ልደ ሽዱሽተ ደቁ ዝኾነ ወዱ፡ ኣየምጻእካን ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ" ክብል እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ'ሎ።

እቲ ግፋታት፡ ማእሰርትን ምስርጣያትን ክሳብ መጀመርታ 2023 ከምዝቐጸለ'ውን እቲ ትካል ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከባቢ መስከረም፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣባላት ዑቝር ሰራዊቱ ናብ ግንባራት ውግእ ትግራይ ክኸቱን ስድራቤት ናይቶም ዘይኸተቱ ድማ ይኣስር ከምዝነበረን ቢቢሲ ኣብ እዋኑ ኣቓሊሕዎ ነይሩ።

ካብ መስከረም ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ናብ ግንባራት ውግእ ከቲቶም ዝጸንሑ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት፡ ነናብ ገዛኦምን ዋኒኖምን ይፋነዉ ከም ዘለዉ'ውን፡ ቢቢሲ ካብ ኤርትራ ዘዘራረቦም ተመለስቲን ስድራቤቶምን ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተሰለፈ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሰራዊቱ በከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሱ።

ዋላ'ኳ እቲ ኣብ 1994 ብወግዒ ዝፈለመ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣግልግሎት ካብ 18 ክሳብ 40 ዝዕድሚኦም ዜጋታት ን18 ኣዋርሕ ከገልግሉ ዝእዝዝ እንተኾነ፡ ንኣስታት 25 ዓመታት ገደብ ኣልቦን፡ ንናኣሽቱን ዓበይትን ዘጠቓለለን ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።

ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሰንኪ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ካብ 1998 ጀሚሩ ዝቐጸለ ኲናትን ኩነተ-ኲናትን ከምዝተናውሐ'ዮም ዝምጉቱ።

እንተኾነ ግና፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓምለ 2018 ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራመን'ውን መንግስቲ ኤርትራ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ክጣየሱ ናይ ምግባር ኣንፈታት ኣየርኣየን።

ገለ ካብቶም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጀሚሮም ናብ ኲናት ትግራይ ዝኸተቱን ዝተገፈፉን ናብ ግንባር ተወሲዶም ምንባሮምን ኣብ ከባቢ ጾሮና ዓስኪሮም ምጽንሖም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ከምዝብሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዝምታን ከቢድ ጾታዊ ዓመጻትን ዝርከቦ ግፍዕታት ፈጺሙ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዜጋታቶም ዝኾኑ "ኤርትራውያን ስደተኛታት ቀቲሎምን ዓሚጾምን" ክብል እቲ ትካል ከሲሱ።

ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም ዝቐርብ ክስታት ክነጽግዎ ምጽነሖም ይዝከር።

ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ክልል ትግራይ ከምዝወጹ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መራሕቲ ትግራይ ግን ኣብ ገለ ከባቢታት ሕዚ'ውን ህላወ ወተሃደራት ኤርትራ ከምዘሎ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ተዛሪቦም ነይሮም።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ኤርትራ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ጸብጻብ ናይቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት፡ 14 ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ኤርትራ ዝወጹ ሰባት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝተመስረተ'ዩ። ብዘይካ'ዚ፡ 11 ጋዜጠኛታትን ካልኦት ተንተንቲን ከምዘዘራረበ ጠቒሱ'ሎ።