እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ኣዴታት ስለምንታይ’የን ኣብ ክንዲ ብጹሓት ደቀንን ሰብኡተንን ዝእሰራ ዘለዋ?
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኤርትራ ዝጀመረ ወተሃደራዊ ግፋታት ብ “ዝኸፍአ መልክዑ” ይቕጽል ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ግፋታት ንደቂ ኣንስትዮን ናይ ጥዕና ጸገማት ንዘለዎም ከይተረፈ ክሳብ ልዕሊ 55 ዝዕድመኦም ደቂተባዕትዮ ዒላማ ስለዝገብር ኣብ ህዝቢ ከቢድ ጭንቀት ፈጢሩ ይርከብ።
ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ፡ ብዙሓት ኣዴታት ኤርትራ፡ ንብጹሓት ደቀንን ሰብኡተንን 'ኣረክባ' ተባሂለን ይእሰራ ከምዘለዋ እሙናት ምንጭታት ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ትሕቲ 55 ዝዕደመኦም ኣባላት ዕቑር ሰራዊት’ዮም ናብ ግንባራት ከቲቶም ነይሮም።
ኣብ ነሓሰ 2022 ዳግም ኣብ ዝተባርዐ ውግእ ሓድሕድ: ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝድገፉ ሓይልታት ኤርትራ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ከምዘለዉ እሙናት ጸብጻባት ይሕብሩ።
ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ካብታ ውግእን ወረ ውግእን ዘይተፈልያ ሃገር፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ካብ ግዱድ ዕስክርና ብምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ጸብጻብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።
ብዙሓት ካልኦት፡ ካብ ሰራዊት ‘ብምኹብላል’ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ሸለብ-ገለብ እናበሉ ክነብሩ ጸኒሖም። እዚ ግፋታት ድማ ነዚኦምን፡ ነቶም ጠቕሊሎም ናብቲ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተጸንበሩን ንምህዳን ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ካብታ ሃገር ዝውሕዙ ዘለዉ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ማእሰርቲን ምዕሻግ ገዛውትን ትካላትን ዝርከብዎ ምስርጣያት ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ገጠራት ኤርትራ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ደቆም ዝኾብለሉን ናብ ኣገልግሎት ምኻድ ዝኣበዩን ጸቕጢ ንምፍጣር ንጥሪት እቶም ስድራታት ኣብ ደምቤታት ክሳብ ምድጓን ከምዝበጽሑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓያሎ ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።
ማእሰርቲ ወለድን መጻምድትን’ውን ቀጺሉ’ሎ።
ማእሰርቲ ኣዴታት
ኣብዚ ዘሎ ኩነታትት ኣዴታት ኤርትራ ድርብ ብድሆታት’ዩ ኣጋጢምወን ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።
ብሓደ ወገን፡ ዓንገልቲ ስድራ ቤታት ዝኾኑ ሰብኡተንን ብጹሓት ደቀንን ስኢነን፡ ኣብ ሻቕሎትን ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣትየን ይርከባ።
እዚ ከይኣክል ድማ፡ ደቅኽንን ሰብኡትክንን ኣምጽኣ ተባሂለን ይሰራጠያን ሓያለ ብዕድመ ዝደፍኣ ከይተረፋ ከምእተቐየዳን ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ስርዓት መንበሪ ገዛውቲ ናይቶም ኮብሊሎም ዝበሃሉ ኣባላት ሰራዊትን ናብ ኣገልግሎት ምኻድ ዝኣበዩን ብምዕሻግ ስድራቤታት የፈናቕል ብምህላው ኣብ ውሽጥን ስደትን ኣብ ዝነብሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ’ሎ።
ሓደ ካብ ምንጭታትና፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝነብራ ብዕድመ ዝደፍኣን ሕዱር ሕማም ዘለወንን ኣዲኡ ኣብ ቀይዲ ብምእታወን ኣብቲ ስድራ ቤት ከቢድ ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ሓቢሩ።
ንሱ፡ “ካብታ ከተማ ወጻኢ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክወስድወን ከምዝኽእሉ ዝገልጽ ሓበሬታ” ድሕሪ ምርካቦም ተወሳኺ ጭንቀት ከምዘስዓበሎም እቲ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ውልቀ ሰብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ካልእ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰብ’ውን፡ ሓንቲ ሰብኣያ ብሕክምና ናብ ወጻኢ ዝኸደ ኣደ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ “ብተኸታታሊ ናብ ገዝኣ ብምምጻእ ‘ንብዓል ቤትኪ ኣምጽእዮ፡ እንተዘይኮይኑ ንዓኺ ክንኣስረኪ ኢና’ ኢሎም ስለ ዘፈራርሑዋ፡ ምስ ደቃ ካብ ገዝኣ ሃዲማ ተሓቢኣ ከምዘላ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተሓቢኦም ዝነበሩ ዝኾብለሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት “እምቢተኛታትን” ኣንስቶምን ኣዴታቶምን ምስተኣስራን ጥሪቶም ንመሮር ከይወፍራ ኣብ ደምበ ምስተዳጎናን ኢዶም ከምዝሃቡ ምንጭታት ይሕብሩ።
እቲ ምስርጣይ በቲ ክሳብ ዓዲ ዝዝርጋሕ መሓውር ዞባዊ ምምሕዳራት ይካየድ ምህላዉን እቲ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጸንከረ ምምጽኡ ጸብጻባት የረድኡ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብታ ሃገር ክወጽኣ ሓሲበን ብዝብል ክስን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነተንን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘይስሩዓት ኣብያተ ማእሰርቲ ተታሒዘን ምህላወን ይግለጽ።
ተሓለቕቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ምስርጣያት መቐጸልታ ናይቲ መንግስቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ምግሃስ መሰላት ምዃኑ’የን ዝዛረባ።
ኤርትራዊት ተጣባቒት መሰላት ደቂኣንስትዮ ዶ/ር ኣስያ ዓብደልቃድር፡ ኣብታ ሃገር ኣንጻር ደቂ ኣንስትዩ ኣድልዎ ክፍጸም ከምዝጸንሐ’ያ እትዛረብ።
“እዚ ኣነ ከም ሓድሽ ገይረ ኣይርእዮን’የ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ዓመጽን ኣድልዎን ክግበር ጸኒሑ’ዩ” ክትብል ነቲ ኩነታት ገሊጻቶ።
ብሰንኪ ኣተሓሕዛ መንግስቲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ናብ ስደት ከምዝወጽኡ እትገልጽ ዶ/ር ኣስያ፡ “ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሕልፊ እተን ናኣሽቱ ቆልዑ ዘለወን’የን ዝተርፋ። ስለዚ መንግስቲ ነተን ንቆልዑን ዓበይትን ዝኣልያ ኣዴታት’ዩ ዘሰራጢ ዘሎ” ኢላ።
“ነዘን ዋሕስ ቀጻልነት ሕብረተሰብን ሃገርን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ምስርጣይ ከኣ ዓቢ ገበን’ዩ” ትብል እታ ንማዕርነትን መሰላትን ደቂ ኣንስትዮ እትቃለስ ዶ/ር ኣስያ።
እቲ ክጣበቐለን ዝግብኦ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ (ሃማደኤ)፡ ነተን ግዳያት ማእሰርቲ ዝኾና ኤርትራውያን ኣዴታት ዘይምሕላቓ’ውን ነቒፋ።
“ሃማደኤ ተጣበቕቲ መንግስቲ እምበር ተሓለቕቲ መሰላት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣይኮናን፡ ካብአን ብዙሕ ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና” ከኣ ትብል።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ መሰላት ናይዘን ዝእሰራ ዘለዋ ኣዴታትን ግፋ ደቂ ኣንስትዮን ንምጽራይ ናብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ደዊሉ እኳ እንተነበረ መልሲ ክህባ ግን ፍቓደኛታት ኣይኮናን።
ቀይዲን ግዱድ ስራሕን
እተን ብምምሕዳራትን ኣካላት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ዝኣትዋ ዘለዋ ኣዴታት፡ ፈለማ ኣብ ከባቢአን ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ጽሕፈትን መጽንሒ ማእከላትን’የን ዝተሓዛ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝተወስዳ ኣዴታትን ሰብ ሓዳርን ኣብ “ሓደ ዓቢ ካንሸሎ” ተዳጒነን ከምዝጸንሓ ምንጭታት ይገልጹ።
ብዙሓት ድማ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ተታሒዘን ከምዘለዋን ኣብቲ ቦታ ግዱድ ስራሕ ክዓያ ከምዝተኣዘዛን ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
እቲ ስራሕ፡ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዝተሓሓዝ ከም “መጀነኒ ጎዛት ምድላው ዘጠቓለለ” ምዃኑ’ውን እቲ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ኣብ ማይ ሓባር ዝተኣከባ ሓያሎ ካልኦት ደቀንስትዮ እውን ኣብ “ምእራይ እኽልን ምሕጻብ ክዳውንትን” ክሰርሓ ይግዳዳ ከምዘለዋ ምንጭታት ቢቢሲ የረድኡ።
ሓደ ቤተሰቡ ዝተኣስረኦ ሰብ፡ “ንኣዴታት ካብ ኣባይተን ወሲድካ፡ ኣብ ፈቐድኡ ክትኣስርን ከተጋፍዕን፡ ኣብ ታሪኽና ርእይናዮ ዘይንፈልጥ ግፍዒ’ዩ መጺኡና ዘሎ። እንድዒ ኣነስ፡ ናበይ ገጽና ኢና ንኸይድ ዘለና ፈጺሙ ጠፊኡኒ’ዩ ዘሎ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ስድራና ጸልሚትዎም’ዩ ዘሎ፡ መዋጽኦ ጥራይ ይፍጠረሎም” ክብል ከኣ ምረቱ ይገልጽ።
ኣብታ ሃገር ነጻ ፕረስ ስለዘይፍቀድ ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ኣትዮም ክጽብጽቡ ስለዘይተኻእለ ቢቢሲ ነቲ ዝውሕዝ ዘሎ ጸብጻባት ብኻልእ ምንጭታት ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን፡ እቲ ናይ ክተት ወፍሪ ይካየድ ከምዘሎ ብምእማን፡ “ ኣዝዩ ሒደት ዓቕሚ ጥራሕ ኢና ነንቀሳቐስ ዘሎና” ክብል፡ እቲ ጸብጻባት ዝተጋነነ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ብድሕሪኡ እቲ ኩነታት ናብ ሰፊሕ ግፋን ማእሰርትን ከምዘምርሐ’ዩ ሓበሬታታት ዘረድእ።
ምዕሻግ መንበሪ ገዛውቲን ምፍንቓል ስድራቤታትን
ነቶም ምዕጣቕን ምኽታትን ዝኣበዩ ንምህዳን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ድርብ ወጽዓ’ዩ ኣስዒቡ ዘሎ።
ቀይድን ምስርጣይን ከይኣክል፡ ካብ መንበሪ ኣባይተን ምስ ደቀን ክወጽኣ ተገዲደን ገዛውተን “ተዓሺጉ” ዝብል ወረቐት ተለጢፍዎ’ሎ።
ብሰንኪ’ዚ ድማ፡ ብዙሓት ስድራ ቤታት ተፈናቒለን ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ክዕቆባ ተገዲደን ከምዘለዋ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።
ገለ ካብተን ዝሓዛ ሒዘን ካብ ምዉቕ ገዝአን ዝወጽኣ ኣዴታት ምስ ቤተሰበንን መቕርበንን ዝተጸግዓ ኣለዋ። ክሳብ መዓስ ምዃኑ ግን ዝፍለጥ የሎን።
ብዙሓት ካብተን ኣብ ቀይዲ ዝርከባን ገዛውተን ዝተዓሸገን ኣዴታት፡ ገሊአን ደቀን ወይ ሰብኡተን ዝኾብለሉን ንከይዓጥቁ ዝኣበዩን እዮም። ገለ ካብኣተን ገሊኦም ደቀን ኣብ ግንባራት ሃልዮም ገሊኦም ስለዝኣበዩ ግን ጸቕጢ ንኽገብሩለን ዝተኣስራ እየን።
ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋን ማእሰርቲን ርእይቶ ንክህቡ ዝተሓተቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ክዛረቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።
ኣብታ እሱራት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝስወሩላ ኤርትራ፡ ንዝወረደን ምስርጣይ ዝጠርዓሉ ናጻ ኣብያተ ፍርዲ የለን።
ሂወት ዜጋታት ኤርትራ ብፍቓድ ሰብ መዚ ናይቲ ብዘይ ቅዋም ዝምራሕ መንግስቲ’ዩ ዝውሰን።
ብኲናት ዝሰልከየት ኤርትራዊት ኣደ
ዶ/ር ኣስያ፡ እተን ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ዝና ዘትረፋ ደቀንስትዮ ኤርትራ መሰላተን ብግቡእ ከምዘይተኸብረ’ያ ትምጉት።
ብሰንኪ ቀጻሊ ኲናትን ኩነተ-ኲናትን መርዓን ደርዓን ውላደን ክርእያ ዘይተዓደላ ኤርትራውያን ኣዴታት ብዙሓት’የን። ገለ ካብአን’ውን ሰብኡተን ዝሰኣና እየን።
ኤርትራ ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ሓርነታዊ ኲናት ልዕሊ 65 ሽሕ ተጋደልቲ ክትከፍል እንከላ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ዜጋታታ እውን ብጸላኢ ብግፍዒ ከምእተቐትሉ ሰነዳት ታሪኽ ይገልጹ።
ኣብ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ 1998-2000 እውን ልዕሊ 19 ሽሕ፡ ኣብ ካልእ ረጽምታት’ውን ውሑድ ሂወት ኣይተኸፍለን።
ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ እዚ ኩሉ ዝተኸፍለ ህይወት ሰባት ወለዶታት ኤርትራ ኣብታ ሓዳስ ነጻ ሃገሮም ብሰላም መታን ክነብሩ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኩነተ-ኲናት ዝፈጠሮ ሃዋሁ፡ ንሂወት መንእሰያት ኤርትራ ስለዘጸልመቶ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት እዮም ናብ ስደት ውሒዞም።
ኣብቲ ንዓለም ዘስተንከረ ሓደገኛ ጉዕዞታት ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብ ዶባት፡ምድረ በዳታትን ባሕርን ሃሊቖም ተሪፎም።
ገለ ድማ ግዳያት ጭውያን ዘስካሕክሕ ቅትለት ኣሸበርቲ ጉጅለታትን ኮይኖም። ስቓይ ጉዕዞ ስደት ሎሚ እውን እንተኾነ ገና ኣየዕረፈን።
እዞም ሎሚ ተገፊፎምን ተገዲዶምን ናብ ግንባራት ዝውሰዱ ዘለዉ ኣቦታትን ውሉዳትን ብሂወት እንተዘይተመሊሶም ከኣ ንብዓት ኤርትራውያን ኣዴታት ክውሕዝ ክነብር’ዩ ትብል፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ብሻቕሎትን እትከታተሎ ዘላ ህይወት ገብረእግዝኣቢሄር።