ኤርትራ፡ ግፋ ‘ብዝኸፍአ መልክዑ’ ይቕጽል፣ ትካላትን መንበሪ ኣባይትን ይዕሸጉ

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ክካየድ ዝጸንሐ ግፋን ጻውዒት ክተትን ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ከም ዘሎን፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከባቢታትን፡ ገዛ ገዛ ብምእታው ዝግበር ተፍትሽ፣ ትካላትን መንበሪ ኣባይትን ምዕሻግ፡ መካይን ደው ኣቢልካ ምሕታትን፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተራእዩ ግፋታት ብዝሓየለ ኣገባብ ይካየድ ምህላው ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ቢቢሲ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ነቲ ኣብ ውሽጢ 'ታ ሃገር ዝኸውን ዘሎ ብቐረባ ካብ ቤተሰቦም ዝከታታልዎን ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ህዝቢ በቲ ኩነታት ተጸጊሙ ከምዘሎ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

ዝግፈፍን ዝጽዋዕን ዘሎ መን’ዩ?

እቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ፡ “ካብ ሰራዊት ንዝኾብለሉን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ንኣባላት ዕቝር ሰራዊት ዝተገብረ ጻውዒት ዘየኽበሩን ንምህዳን” ምዃኑ እቲ ምንጪ ይሕብር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኤርትራ ትሕቲ 55 ዝዕድመኦም ኣባላት ዕቝር ሰራዊት ናብ ግንባር ንክኸቱ ጻውዒት ኣቕሪባ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ። እንተዀነ “እቲ 55 ዝተባህለ ደረት ዕድመ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ክሳብ 60ን ልዕሊኡን ዝዕደመኦም ኣቦታት ከይተረፉ ተገዲዶም ይኸቱ ኣለው” ዝበለ እቲ ምንጪ፡ ነቲ ጻውዒት ዘየኽበሩ እናተሃድኑ ይግፈፉን ይጋፍዑን ከም ዘለው ሓቢሩ።

"ነዊሕ ዓመታት ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ዝነበሩ መንእሰያት ከኣ፡ ብዅሉ ተጻቢቦም ብግዲ ናብ ሰራዊት ይምለሱ ኣለዉ።"

ብኻልእ ወገን፡ ደቈም ዝተሓብኡ ወይ ንታዕሊም ዘይከዱ ስድራቤታት፡ ደቈም ከረክቡ እንተዘይኰይኑ ግን ገዛውቶም ክዕሸግ ምዃኑ ተነጊርዎም ኣሎ።

ሓያሎ መንእሰያት ሕዱር ሕማም ዘለዎም ከይተረፉ ስድራና ካብ ዝከላበቱን ኣባይትና ካብ ዝዕጾን ብምባል ይኸቱ፣ ገሊኦም ከኣ ኣብ ፈቐዶ ጐቦታትን ስንጭሮታትን ተሓቢኦም ሕማቕ ሂወት የሕልፉ ከምዘለው ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ዝርከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ደቀንስትዮ ኸ?

ቅድሚ ሕጂ ግፋ ኣብ ኤርትራ ዝውቱር’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ግን ንደቂ ኣንስትዮ ብኸምዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ኣገባብ ዘስገድድ ከም ዘይነበረ ምንጭታት ቢቢሲ የረድኡ።

“እዚ ናይ ሕጂ ግፋን ጻውዒትን ዝኸፍአ ዝገብሮ፡ ንደቀንስትዮ ዘየናሕሲ ምዃኑ እዩ፡” ይብል። እቲ ኻልእ ክንርድኦ ዘለና፡ “እቲ ምጥቝቓም ነንሕድሕዱ እዩ እቲ ጐረባብቲ ዝተሓሳሶ ዘሎ፡” ብምባል፡ ብፍላይ እቲ ንደቀንስትዮ ዝግበር ዘሎ ጻውዒት በቲ ካብቲ ጐረባብቲ ዝነቅል ሓበሬታ ምዃኑ እቶም ምንጭታት የብርሁ።

ጐረባብቲ ንምምሕዳራት ዝህብዎ ሓበሬታ ኸኣ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ክጽውዓ ምኽንያት ኰይኑ’ሎ።

ሕማምን እርጋንን ከም ምኽንያት

ብመሰረት’ቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ዘለዎም፣ ሕዱር ሕማም ሽኮር ሃልይዎም’ውን ንኣብነት መርፍእ ዝውጋእ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ጥዕና ከም ምኽንያት ኣይቍጸርን፤ ሓቅነት እቲ ዝቐርብ ምኽንያትን ዝግበር ምጽራይን ኣብቲ ዝተባህለካ ምስ በጻሕካ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ኣብ ገለ ምምሕዳራት ኣስመራ፡ ጸገም ጥዕና ዘለዎም ዜጋታት፡ ናይ ሕክምና ወረቓቕቶም ሒዞም’ኳ እንተቐረቡ፡ “ጉዳይኩም ኣብኡ ክረአ እዩ” ብምባል ብሃንደበት ብመካይን ጽዒኖም ተወሲዶም። ኣብ ከረንን ከባቢኡን’ውን ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ሕዱር ሕማምን እርጋንን ካብ ሰራዊት ተሰናቢቶም ዝነበሩ ኣቦታት ከይተረፈ ብኣልማማ ብግዴታ ከምዝኸተቱ’ውን ምንጭታትና ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

ሓደ፡ ንድሕነቱ ስሙ ዘይነገረ፡ ኣብ ከረን ዝነብር ኤርትራዊ፡ ኣቦኡ ብሰንኪ ሕማም ንነዊሕ እዋን ኣብ ገዛ ተደርብዩ ከምዝነበረን ኣብዚ እዋን ኣብ ገዛ መጺኦም ከምዝወሰድዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ኣቦይ ኢዱ፡ እግሩ ዳርጋ ኵሉ ኣካላቱ እዩ ፈጥፈጥ ዝብሎ። ክንሕክሞ ፈቲንና ግን ኣብ ኤርትራ ሕክምና የለን። እዚስ እንታይ እዩ ክገብር፡ ኣቦይ ድራር ዓረር ኰይኑ ከይተርፍ ድቃስ ለይቲ ስኢነ ኣሎኹ፡" ይብል።

ድሕሪ’ቲ ብ 24 ነሓሰ 2022 ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ኤርትራ መንእሰያት ብሓይሊ ምግፋፍ ክቕጽል ጸኒሑ ኣሎ።

"ዝዀነ ሰብ ብዝዀነ ምኽንያት ዝተርፍ ዳርጋ የለን።"

ዝወርድ መቕጻዕቲ

ኣብ ብዙሓት ገጠራት ኤርትራ፡ እቲ ክኸትት ዝድለ ሰብ ምስ ዘይርከብ፡ ንስድራ ቤቱ ካብ ገዛኦም ኣውጺኦም ኣብ ግዳም ከም ዘስፍርዎምን፡ ጥሪቶም ኣብ ደንበአን ከምዝዕሽጉወንን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

“እቲ ኣብ ገጠራት ክገብርዎ ዝጸንሑ ምክልባት፡ ኣብ ኣስመራ’ውን ጀሚሮምዎ ኣለው፣ ንስድራ ቤት ብኩፖን ቀበሌ፡ ብልቸንሳን ካልእን ከሰራጥይዎም ጀሚሮም ኣለው” ዝበለ ምንጭና፡ እቲ ኵነታት እናኸፍአ ይኸይድ ምህላው ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲኡ፡ “ንህዝቢ ኣብ ቀበሌታት ኣኪቦም ብምህዳድን ብምፍርራህን፡ ‘ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ ህላወ ኢና ዘለና፣ ወያነ ክቕበር ኣለዎ፣ ደቅኹም እንተዘየምጺእኩም’ እናበሉ፡ ብዝወርድ ሳዕቤናት ተሓተትቲ ኢኹም ብምባል፡ ነቲ ህዝቢ ገዛ ክዕሽጉ፣ ፍቓድ ንግዲ - ልቸንሳ ከሕድጉን ካልእ ዝዀነ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ እናገለጹ ህዝቢ የሰራጥዩ ኣለው፡” ድሕሪ ምባል፣

“. . . ይገብርዎ ድማ ኣለው - መፈራርሒ ጥራይ ኣይኰነን፡” ይብል። ደቈም ዝተሳእኑ ወለዲ ወይ ሰብኣያ ዝተሓብአ ሰበይቲ ካብ ገዛ እናውጻእካ መንበሪ ኣባይቲ ከይተረፈ ምዕሻግ ንቡር ኰይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ።

ብወጻኢ ነቲ ኵነታት ዝከታተሉ ኸ እንታይ ይብሉ?

ቢቢሲ ዘዘራረቦም፡ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ኩነታት ኣሕዋቶምን ወለዶምን ኣብ ሻቕላ ዘለዉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ወጻኢ ዝነብሩን ኣብ ቀረባ ግዜ ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱን ዜጋታት ነዚ ዝኸውን ዘሎ የረጋግጹ።

ኣብ ዴንማርክ ዝቕመጥ ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ኤርትራዊ፡ 67 ንዝዕድመኡ ኣቦኡ ዋላ’ኳ ናብ ግንባር እንተዘየኽተቱዎ፡ እቶም ብዕድመን ከቢድ ጸገም ጥዕናን ኣብ ከተማታት ዝተረፉ ውሑዳት ስለዝዀኑ፡ ኣብ ከባቢ ገዛውቶም ብቐጻሊ ዋርድያ የውጽእዎ ምህላው ሓቢሩ።

እቲ ኤርትራዊ ወሲኹ፡ “ናይ በዓል ኣቦይ ሲ ደሓን ነይሩ፡ እቲ ቀንዲ ዘሻቕለኒ ናይ ንእሽቶ ሓፍተይ እዩ፡” ይብል።

ንእሽቶ ሓፍቱ፡ ዶብ ክትሰግር ስለዝተታሕዘት ኣብ ከባቢ ኣቝርደት ኣብ ዝርከብ ኮርመናዕ ኣብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓስከር ትዕለም ምንባራ፡ ሕጂ ግን ደሃይ ከምዘይብላ ይዛረብ።

ወደ’ለዚና ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ኣብ ኣንጐላ ዝነብር ካልእ ኤርትራዊ፡ ድሕሪ’ቶም ዝተሰውኡን ዝተሰዱን ኣሕዋቱ፡ ስድራ ንኽኣሊ ተሪፉ ዝነበረ ንእሽቶ ሓው እናተሓብአን እናሃደመን ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን ኣበይ ከም ዝኣተወ ፍጹም ደሃይ ስለዘይብሉ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘለዎ ይገልጽ።

“ንገዛ እናመጽኡ ንሰበይቱ ከከላብትዋ ስለዝጸንሑ፡ ዝሓዝዎ ወይ ንኣሃዱኡ ዝኸደ’ኳ ኣይመስለንን - ምኽንያቱ ኣይምተመላለሱን፣ ግን ኣብዚኣ ኣለኹ ድማ ኣይበለን፡” ኢሉ ብሃለዋት ሓው ዝስምዖ ስግኣት ብምግላጽ ሰበይቱ ኸኣ ምፍርራህ ምስ በዝሓ፡ እተን ጥሪት ንእንዳዓለቦይ ሓዲጋትሎም፡ ቈልዑታ ሒዛ ንባዕላ ናብ ስድራ ከይዳ ተሓቢኣ፡” ብምባል ነቲ ኣብ ስድራኡ ዝወረደ ምክልባትን ፋሕፋሕን ብኣስተንትኖ ይገልጽ።

ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኢጣልያ ተሰዲዳ እትነብር፡ ዝሓለፈ ክራማት ኣስመራ በጺሓ ዝተመልሰት ኤርትራዊት፡ “እዚ ጽንተት ጥራይ እዩ፣ እንታይ እየ’ሞ ክብል?” ትብል።

“ብዛዕባ ኣሕዋተይ ጥራይ ክሓስብን ክሻቐልን ምሉእ ዕድመይ ኰይኑ፡” ብምባል ስምዒታ ትገልጽ።

“ቀደም ኣብ እዋን ገድሊ፡ ኣሕዋተይ ክብል፡ ናጽነት ምስ ኰነ ኸኣ ንኣገልግሎት ብዝኸዱ ኣሕዋተይ ክሓስብ ኲናት ዶባት ምስ መጽአ ብሃለዋቶም ክሻቐል መዓስ ‘ሞ ኣዕሪፈ ይፈልጥ፡” ብምባል፡ ነቶም ተስፋ ክዀኑዋ ኣጆኹም እትብሎም ዝነበረት ደቂ ስውእ ሓዋ’ውን እዚ ኵነታት ከምዘረኻኸበሎም ትዛረብ።

ብፍላይ እታ ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ሓደ ኣሃዱ ከም ራድዮ ኦፐሬተር ኰይና ከተገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኮብሊላ ኣብ ገዝኣ ዝጸንሐት” ጓል ሓዋ ክወስድዋ መጺኦም ምስ ሰኣንዋ፡ ገዛ ዓሺጐም ነታ ስድራ ስለዘከላበቱዋ ኣማራጺ ስኢና፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ክትከይድ ከምዝተገደደት ትሕብር።

. . . ኣብ መወዳእታ

እዚ ክልተ ዓመቱ ተገማጊሙ ዘሎ፡ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ መጋቢት 2022 ንሰብኣዊ ረዲኤት ተባሂሉ ብግዝያዊ ስምምዕ ሃዲኡ’ኳ እንተነበረ፡ ብ24 ነሓሰ ዳግማይ ተባሪዑ ምስ ኤርትራ ብዘዳውብ ሓያሎ ከባቢታት ውግእ ይቕጽል ኣሎ።

ኤርትራ ከኣ ኣብ ጐድኒ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይና ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ትዋጋእ ምህላዋ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ምንጪ፡ ካድራት እቲ ስርዓት፡ ኣብ ኣኼባታት “እዚ ናይ ህላወ ጉዳይ እዩ፣ ወያነ ክትቅበር’ዩ ዘለዋ፡” እናበሉ ንህዝቢ ከለዓዕሉ ይፍትኑ ከምዘለውን፡ “ሎሚ ዘይከተተ ወይ ውላዱ ዘየኽተተ ዝሓብአ ወይ ክሕባእ ዝተሓባበረ. . .ከቢድ ሃገራዊ ክሕደት፡” ከም ዝፈጸመ’ዩ ዝሕሰብ እናበሉ የፈራርሕዎ ከምዘለው እዩ ዘረድእ።

“ህዝቢ ኵሉ ነገር መሪርዎ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ እምቢታኡ ይገልጽ ኣሎ። እቲ ህዝቢ ነቲ ውግእ ኣይድግፎን እዩ፡ ኣይደልዮን እውን። እንተዀነ እዚኣቶም ጨካናት ስለዝዀኑ ካብ ኣባይቲን ትካላትን ምዕሻግ ሓሊፎም፡ ኣብ ግዜ ገዛእቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ካልእ ግፍዕታት’ውን ክገብሩ ይኽእሉ እዮም፡” ክብል እቲ ምንጪ ስግኣቱ ይገልጽ።