እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ኣብ ዢንጃን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺማ ክትኸውን ትኽእል'ያ- ሕቡራት ሃገራት
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቻይና ኣብ ግዝኣት ዢንጃን “ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት” ፈጺማ ክብል ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት ዝተገብረሉ ጸብጻብ ወግዓዊ ገይሩ።
ቻይና፡ እቲ ጸብጻብ ብሃገራት ምዕራብ ዝተዳለወ “ላግጺ” እዩ ብምባል እቲ ትካል ነቲ ጸብጻብ ከየውጽእ ክትምጉት ጸኒሓ እያ።
እቲ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዊገርን ካልኦት ውሑዳን ዓሌታትን ከምዝተፈጸመ ንዝግለጽ፡ ቻይና ግና እትነጽጎ ግህሰት እዩ ፈቲሹ።
መርመርቲ ግን፡ “ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት” ክዀኑ ዝኽእሉ “እሙናት መረዳእታታት” ስቅያት ረኺብና ኢና ይብሉ።
እታ ሃገር፡ መሰል ውሑዳን ብሄራት ንምጭፍላቕን “ምልካዊ ስርዓት ማእሰርቲ” ንምዝርጋሕን ግልጺ ዘይኰኑ ሕግታት ሃገራዊ ድሕነት ትጥቀም ኣላ ይብሉ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘካየዶ መርመራ፡ እቶም እሱራት ግዳያት “ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረን መጥቃዕቲ” ሓዊሱ “ንሕማቕ ኣተሓሕዛ” ተቓሊዖም እዮም ክብል ይገልጽ።
ካልኦት፡ ግዱድ ሕክምናን “ኣድልዎኣዊ ተግባራት ምጣነ ስድራን ፖሊሲታት መቆጻጸሪ ወሊድን” በጺሑዎም።
ሕቡራት ሃገራት፡ ቻይና እቶም “ብሃበ ተረኽበ ናጽነቶም ዝተመንዝዑ ውልቀሰባት” ንምፍታሕ ስጉምቲ ክትወስድ ክጽውዕ እንከሎ፡ ገሊኦም ቤጂንግ ዝወሰደቶም ስጉምታት “ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ሓዊሱ ዓለምለኻዊ ገበናት ዝርከቦም” ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ።
ይኹን’ምበር፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት’ዮም ኣብ መሓዩር ዝርከቡ ዝብል ብወግዒ ክፈልጥ ከም ዘይክኣለ እቲ ትካል ገሊጹ።
ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን፡ ኣብ ሰሜን-ምዕራብ ቻይና ግዝኣት ዢንጃን ኣብ ዝርከቡ መዳጐኒ ማእከላት ልዕሊ ትሸዓተ ሚሊዮን ሰባት ተኣሲሮም ይብሉ።
ንኣስታት 60 ትካላት ዝውክል ዓለምለኻዊ ኮንግረስ ዊገር፡ ነቲ ጸብጻብ ከም ዝተቐበሎ ብምሕባር ቅልጡፍ ዓለምለኻዊ ምላሽ ክወሃብ ሓቲቱ።
ኣብ ዢንጃን፡ መብዛሕትኦም ኣስላም ዝዀኑ ኣስታት 12 ሚሊዮን ዊገር ኣለው።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስላም ዘይኰኑ’ውን በቲ ኩነታት ተጸልዮም እዮም ክብል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
ብዙሓት ሃገራት፡ ተግባራት ቻይና ጃምላዊ ጨፍጫፍ ክብላ ይገልጽኦ።
ነቲ ጸብጻብ ኣቐዲማ ዝርኣየቶ ቻይና ግን፡ ነቶም ክስታት ግህሰት ብምንጻግ እቶም ማእከላት "ግብረ ራዕዲ ዝከላኸሎም" እዮም ኢላ።