እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ 'ቤት ማእሰርቲ 120' እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
ብ29 ሓምለ፡ ኣብቲ ሩስያ ዝተቘጻጸረቶ ግዝኣት ኣብ ዝርከብ 'ቤት ማእሰርቲ 120' ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 50 ዩክሬናውያን ምሩኻት ኲናት ተቐቲሎም።
ዩክረይንን ሩስያን በቲ መጥቃዕቲ ንሕድሕደን ይካሰሳ።
ክኢላታት መርመራ ገበን [ፎረንዚክስ] ግን፡ እቲ ሩስያ እተቕርቦ ዘላ ምጕት ማይ ዝዓቁር ኣይኰነን ይብሉ።
መጠንቀቕታ እዚ ጽሑፍ ዘሰክፍ መብርሂታት ዝሓዘ 'ዩ
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለው ፍጻመታት ኣዝዮም ዘሰንብዱ'ዮም።
ኣብ መንጐ ብሓጺን ዝተሰርሐ ደርቢ ዓራውቲ ዝተቓጸሉ ሬሳታት ዘርእዩ ምስልታት ኣለው።
ኣብ ደገ እውን ካልኦት ኣስክሬናት ኣብ ምድሪቤት ተዘርጊሖም ይረኣዩ።
በቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 50 ዩክሬናውያን ምሩኻት ኲናት ሞይቶም፣ 73 ድማ ቆሲሎም።
እዚ መጥቃዕቲ ንዩክረይን ዘሰንበደን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገርን ወጻእን ዘለው ዜጋታት ተቓውሞ ዘልዓለን'ዩ ነይሩ።
እቲ ቅትለት፡ ኣብታ ንርእሳ 'ዶነስክ ህዝባዊት ሪፐብሊክ' (ዲፒኣር) ኢላ ብምጽዋዕ ዝተፈለየት ኣብ ግዝኣት ዩክረይን እትርከብ ዞባ እዩ ተፈጺሙ።
ኦሌኒቭካ ኸኣ ኣብ ጥቓ እታ ግዝኣት እትርከብ ቑሸት እያ።
እዛ ዓዲ፡ ኣብ 2014 ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቶም ንሩስያ ዝድግፉ ተቓወምቲ ትርከብ።
ካብ ምንጭታት ሩስያ ዝወጽኡ ኣሳእል ብቐረባ ድሕሪ ምምርማር፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ 120 እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምፍላጥ፡ ክኢላታት ኣጽዋርን መርመርቲ ገበንን ኣዘራሪብና።
ብተወሳኺ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘለዉ ሰሙናት ካብ ኦሌኒቭካ ምስ ዝተፈትሑ ሸውዓተ እሱራት ነበር ቃለ-መጠይቕ ጌርና።
ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክህብ ዝተወከስናዮ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ግን ምላሽ ኣይሃበን።
እቲ ብወግዒ ቮልኖቫካ ማእከል ተሃድሶ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1999 እዩ ተኸፊቱ።
ሕጂ፡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሲቪላውያ ዝርከብዎም ወለንታውያን ዩክሬናውያን ተዋጋእቲ ይርከቡ።
ኵሎም፡ ኣብታ ንርእሳ ሪፐብሊክ ኢላ እትጽውዕ ዘላ ዶነስክን ደቡባዊ ዩክረይንን ደገፍቲ ሩስያ ብዝዀኑ ሓይልታት ዝተማረኹ እዮም።
ኣብ መንጐ እቶም እሱራት ኣማኢት ዕጡቓት ኣባላት 'ረጅመንት ኣዞቭ' እውን ኣለዉ።
ኣብ 2014፡ የማናዊ መበቆል ብዘለዎም ወለንተኛታት በጦሎኒ ዝተመስረተ እዚ ረጅመንት ደሓር ዳግመ ውደባ ተገይሩሉ ምስ ሃገራዊ ሓለዋ ዩክረይን ተሓዊሱ።
ድሕሪ እቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንደቡባዊ ወደባዊት ከተማ ማሪዩፖል ንምክልኻል ዝገበርዎ ነዊሕን ተስፋ ዘቝርጽን ተጋድሎ፡ ካብቶም ተባዓት ተጋደልቲ ዩክረይን ምዃኖም ዝናኦም ኣረጋጊጾም።
ብመሰረት ሰበስልጣን ዩክረይንን ብሩስያ ዝተዘርግሐ ዝርዝር ሞትን፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተቐትሉን ዝቘሰሉን ካብ ወተሃደራዊ ኣሃዱ ኣዞቭ እዮም።
ሰራዊት ሩስያ፡ ፍጻመ ኦሌኒቭካ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቃልሖ ዜና፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ብእተቕርቦ ሂማርስ ዝተባህለ ስርዓተ-ሮኬት ኣቢሉ ብዩክረይን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ክብል ከሲሱ።
"ኵሉ ፖለቲካዊ፡ ገበናውን ሞራላውን ሓላፍነት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናውያን ዝወርድ ዘሎ ቅትለት ብውልቂ ብዘለንስኪን ብገበናዊ ስርዓቱን ዝመጽአን፡ ብዋሽንግተን ዝድገፍን'ዩ" ክብል ዋና ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ሌተናል ጀነራል ኢጎር ኮናሸንኮቭ ገሊጹ።
ሰበስልጣን ሩስያ ካብቲ ቦታ ረኺብናዮ ዝበልዎ ኣካላት ሮኬት ሂማርስ ኣርእዮም እዮም።
ንሩስያ ዝድግፍ መራሒ ናይታ ንርእሳ ከም ዝተገንጸለት ትቘጽር ዲፒኣር ዝዀነ ዴኒስ ፑሺሊን፡ ሓይልታት ዩክረይን ገበናት ኲናት ንምሽፋን ክብሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ወተሃደራት ከም ዝቐተሉ ተዛሪቡ።
ብፍላይ ድማ ፑሺሊን ከም ዝበሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ክፍጸም ባዕሉ ዘለንስኪ ኣዚዙ ነይሩ።
ፑሺሊን ንተሌቪዥን ሩስያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ምስክርነት ናይቶም እሱራት መርትዖ እዩ ነይሩ። ኪቭ ግን ከተጥፍኦ ወሲና" ክብል ተዛሪቡ።
ድሕሪ እቲ ነትጒ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ዝተወስደ ምስሊ ሳተላይት፡ ሓደ ህንጻ በቲ ነትጒ ኣዝዩ ከም ዝተሃስየ የርኢ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት፡ እቲ ህንጻ ካብቲ ዝሓድሩሉ ዝነበሩ ቀንዲ ድፋዕ ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ኢንዳስትሪያዊ ከባቢ ከም ዝነበረ ይዛረቡ።
ቢቢሲ፡ ዩክረይን ነቲ መዓስከር ብመዳፍዕ ሮኬታት ዒላማ ገይራቶ ዝብል ክሲ ሩስያ ንምጽራይን ኣስታት ሽዱሽተ ክኢላታት ኣጽዋርን መርመርቲ ገበንን ብምዝርራብ፡ ብሳተላይት ዝተሳእለ ምስሊን ቪድዮን ናይቲ ዒላማ ዝዀነ ህንጻ ዘጠቓልል መርትዖታት መርሚሩ።
እቶም ርኽበታት ብዘደንቕ መልክዑ ቅኑዓት ነይሮም።
"እቲ ዕንወት በቲ [ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ዝትኩስ ስርዓተ-ሮኬት] ኣየጋጠመን" ይብል ዋና ቴክኒካዊ ሓላፊ ተተኮስቲ ሰራዊት ብሪጣንያ ነበርቦብ ሴዶን።
ኣብቲ ምስልታት ዝተራእየ ዕንወት ኣዝዩ ጽዑቕ ከም ዝዀነ ይገልጽ።
እቲ ህንጻ ንባዕሉ ተዛማዲ ዝዀነ ጕድኣት የብሉን። ይዅን እምበር ከም ሂማርስ ዝኣመሰለ ብዙሕ ዝትኩስ ሮኬት ኣዝዩ ዝሰፍሐ ዕንወት ከም ዘስዕብ ይሕበር።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ፡ ኣብቲ ብማዕከናት ዜና ሩስያ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተራእየ ኣስክሬናት ኵሎም ዝተቘራረጹ ከም ዘይነበሩ፡ ኣብ ለንደን ኢምፔርያል ኮሌጅ ቀንዲ ሓኪም መጥባሕትን ዳይረክተር በሰላን ዶክተር ሸሃን ሄቲያራቺ ይሕብር።
ኣብ ከባቢታት ግጭት ሰፊሕ ተመኵሮ ዘለዋ ብሪጣንያዊት ሓኪም ዶክተር ሳሌሃ ኣሕሳን፡ ገለ ሜላ ምንዳድ ዝተጠቐሙ ይመስል ትብል።
ኣብ ሽሪቨንሃም ኣብ ዝርከብ ኣካዳሚ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ መምህር ቴክኖሎጅን ድሕነትን ነታጒ ዝዀነ ፒት ኖርተን፡ "ብብዝሒ ነዳዲ ዝማዕበለ ክኸውን ዝኽእል ነታጒ" ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ተቐሚጡ ነይሩ ይብል።
"ከምዚ ዓይነት መሳርሒ ብሓዊ ዕንወት ንምፍጣር ወይ ንመርትዖታት ፎረንሲክስ ንምጥፋእ ውዒሉ ክኸውን ይኽእል" ዝብል ድማ ንቕሓት ነተጒቲ ኣብ ምፍጣር ኣድሂቡ ዝሰርሕ CAT-UXO ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እዩ።
ብኣገልግሎት ስለያ ዩክረይን ተጠሊፉ ዝተባህለ ካብ ቴሌፎን ዝተቐድሐ ድምጺ ብዘይሻራውነት ከነረጋግጾ ዘይከኣልና ኣካታዒ መርትዖ እዩ።
ሩስያ ንዩክረይን በቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽሳሳ ሒደት ጸኒሑ ዩክሬናውያን ነቲ ቅዳሕ ፈንዮምዎ።
ኣብኡ ክልተ ስሞም ዘይተጠቕሱ ተዛረብቲ እቲ መጥቃዕቲ ከይተፈጸመ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ጥራይ፡ 200 ምልሙላት ኣዞቭ ካብ ድፋዖም ናብ ዝተነጸለ መኽዘን ብኸመይ ከም ዝተሰጋገሩ ይዛተዩ።
ሓደ ካብቶም ሰባት፡ ኣብቲ መኽዘን ዝነበረ ድምጺ ነትጒ ንምሽፋን፡ ሩስያውያን ሚሳይላት ናብ ኣየር ከም ዝተኮሱ ይዛረብ።
ከምኡ'ውን "እቲ ነታጒ ኣቐዲሞም ከምዝተኸሉዎ" ይገልጽ።
ቢቢሲ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡ ዝሓተቶም፡ ሰበስልጣን ዩክረይን ርእይቶ ክህቡ ኣይደለዩን።
ናብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ምብጻሕ ስለ ዘይከኣል፡ ኣብታ ለይቲ ኣብ ውሽጢ እቲ መኽዘን እንታይ ከም ዘጋጠመ ብርግጸኛነት ምዝራብ ኣይከኣልን።
ካብቲ ህንጻ ወጻኢ ዝተረኽበ ምስልታት ብምምርማር ግን፡ እቶም እሱራት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ተወሳኺ መርትዖታት ኣሎ።
ኣብ ኣገልግሎት ስለያ ማኬንዚ ዝሰርሑ ክኢላታት ዕንወት ውግእ፡ ገለ ካብቶም ናብቲ መኽዘን ዝተወሰዱ ሬሳታት ቅድሚ'ቲ ባርዕ ድሮ ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይዛረቡ።
ትዕዝብቶም ኣብ ሓደ ቪድዮ ጥራይ ከም ዝተመርኮሰ ብምግላጽ፡ ገለ ካብቶም ሬሳታት "ዝደኸሙን ሕጽረት መግቢ ዝነበሮምን ይመስሉ" ይብሉ።
"ሕማቕ ኵነታት ናይቶም ሬሳታት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኦለኒቭካ ንእሱራት ኲናት ዝግበር ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከምዘሎ ዘመልክት'ዩ" ይብሉ።
ካብ SOAR ዝተባህለ ናይ ሳተላይት ካርታ ዝሰርሕ ኩባንያ ዝመጽኡ ተንተንቲ፡ ቅድሚ እቲ ነትጒ ዝነበረ ካልእ መርትዖ ዘመልክቱ፡ ምልክታት ዝተተንከፈ መሬት ከም ዘርእዩ ይሕብሩ።
ሰበስልጣን ዩክረይን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እዞም ምስልታት መቓብራት ከም ዝተዃዕቱ ዘርኢ መርትዖ ከም ዘርእዩን ነቶም ዝሞቱ ሰባት ንምቕባር ይዳለዉ ከም ዝነበሩን ሓቢሮም።
ይዅን እምበር፡ እዞም ብተናጸል ዝርከቡ ምስልታት፡ ንዝዀነ ይዅን ዓይነት መቓብር ወይ ዕላማ ንምርግጋጽ እዅላት ኣይኰኑን።
ብተወሳኺ ንሸውዓተ ቤት ማእሰርቲ 120 ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣዘራሪብና ኢና።
እዞም ዓሰርተታት ዝዀኑ እሱራት ነበር ቅድሚ እቲ ነትጒ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት ዝተፈትሑ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካብኣቶም ሃንደበት ንምንታይ ከም ዝተፈትሑ ዝፈልጥ የለን።
ኵሎም፡ ልዕሊ ዓቐን ምጽቃጥ፡ ድኹም ጽሬትን ብሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ምፍርራሕን ከም ዝነበረ ገሊጾም።
"እሱራት ኵሉ ግዜ ክግረፉ ይስማዕ ነይሩ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣውያት፡ ቃንዛ ንምሽፋን ሙዚቃ ይኸፍቱ ነይሮም" ይብል ሰባት ካብ ማሪዩፖል ንኽወጹ ኣብ ዝሕግዘሉ እዋን ዝተኣስረ ወለንተኛ መራሒ መኪና ኮንስታንቲን ቬሊችኮ።
ናብቲ ስሩዕ ድፋዕ ምስ ተሰጋገሩ ኵሎም ኵነታት ከም ዝተመሓየሸ ገሊጾም። ግን ኵሉ ግዜ ከይቅጽዑ ዝብል ፍርሒ ነይርዎም።
ዜጋታት ዩክረይን ካብ ማሪዩፖል ንኽሃድሙ ብምሕጋዙ ንኣስታት 100 መዓልታት ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሩስላን ዝተባህለ መሃንዲስ "ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ባሮቱ ምዃንና ነጊሩኒ" ይብል።
ኣብ ዕጡቓት ኣዞቭ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ግን ካብ ኵሎም እሱራት እቲ ዝኸፍአ ከም ዝዀነ ይገልጹ።
ቪክቶር ዝተባህለ ዩክሬናዊ ፖሊስ፡ ሓኪም ንምርኣይ ኣብ መስርዕ እናተጸበየ እንከሎ ሓደ ወዲ 20 ዓመት ኣባል ኣዞቭ'ውን ኣብቲ ሪጋ ከም ዝነበረ ይዝክር።
"ነቲ ኣዞቭ ሃሪሞሞ። ኣዝዩ ኣረሜናዊ ማህረምቲ ስለ ዝነበረ ክትንስእ ኣይክኣለን" ይብል ቪክቶር (ንድሕነቱ ስሙ ዝተቐየረ)። "ድሕሪኡ ብጥራይ ኢዱ ነቲ መስመር ረሳሕ ፈሳሲ ክጸርግ ገይሮምዎ።"
ድሕሪ ሓደ ወርሒ ቪክቶር ኣማኢት ኣባላት ኣዞቭ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝመጽኡ ይዝክር።
ኣብቲ ዝተኸበበ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል አብ 16ን 17ን ግንቦት 2022 ኢዶም ድሕሪ ምሃቦም ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ 120 ተሰጋጊሮም እዮም።
ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ ካብቶም ካልኦት እሱራት ኣርሒቘም ኣብ ዝተፈልየ ድፋዕ ከም ዘቐመጥዎም ቪክቶር ይሕብር።
እቲ ኣብ ልዕሊ እሱራት ኣዞቭ ዝተፈጸመ ግህሰት ዕረፍቲ ዘይብሉ እዩ ነይሩ ይብሉ ኵሎም እሱራት ነበር።
"ኣዝዮም ጸሊኦምዎም" ይብል ሩስላን። ድሕሪ እቲ ነትጒ ኣብ ዝተቐድሐ ቃለ መጠይቕ፡ ሩስላን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ክዘራረቡ ከም ዝሰምዖም ከይተረፈ ይዛረብ።
"ወተሃደራዊ ሰራዊት ሩስያን ሓለውቲ ዲፒኣርን፡ ንዅሎም ደቂ ኣዞቭ ኣብ ሓደ ድፋዕ ኣእትዮም፡ ብሮኬት እንተድብደብናዮምከ? ኢሎም ክዘራረቡ ብተደጋጋሚ ሰሚዐዮም ነይረ።"
ኣብ 18 ግንቦት ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል (ICRC) "ጠለባት" እሱራት ኲናት ንምግምጋም ከይዶም ነይሮም። ንእሱራት ግን ሓደ ብሓደ ከዘራርቡ ከም ዘይተፈቕደሎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ምብጻሕ ይዅን ነቶም ሬሳታት ምርኣይ ስለ ዘይከኣል፡ ስድራቤታት እቶም ግዳያት፡ ነቲ ሩስያ ዝለቐቐቶ ኣስማት ከምዘይኣምኑ ይዛረቡ።
ዩክረይን፡ ነቲ ፕረዚደንት ዘለንስኪ "ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ገበን ኲናት" ክብል ዝገለጾ፡ ሕቡራት ሃገራት ክምርምር ንኽፍቀደሉ ጻውዒት ኣቕሪባ እያ።
ቀይሕ መስቀል ብወገኑ ነቶም በቲ ነትጒ ዝቘሰሉ ንምሕጋዝ ህጹጽ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ቀዳምነትና ዝሰርዖም ሰባት፡ እቶም ውጕኣት ህይወት ዘድሕን ሕክምና ክረኽቡን፡ ሬሳ ናይቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ድማ ብኽብሪ ክሰናበት ምርግጋጽ'ዩ" ክብሉ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።