እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኻኤል ጎርባቸቭ፡ ናይ መወዳእታ መራሒ ሶቭየት ነበር ዓሪፉ
እቲ ንዝሑል ኲናት ብሰላም ከም ዝውዳእ ዝገበረ መራሒ ሕብረት ሶቭየት ነበር ሚኻኤል ጎርቫቾቭ፡ ኣብ መበል 91 ዓመት ዓሪፉ።
እቲ ብ1985 ስልጣን ዝሓዘ ጎርቫቾቭ፡ ነታ ማሕበርነታዊ ስነሓሳብ ትኽተል ዝነበረት ሕብረት ሶቭየት ውሽጣዊ ለውጥን ጽገናን ብምትእትታው ምስ ዓለም ከምእትዋሳእ ገይሩ።
ይዅን እምበር ነታ ብዝተፈላለያ ሃገራት ዝቘመት ዘመናዊት ሩስያ ካብ ውድቀትን ምብትታንን ከድሕና ኣይከኣለን።
መራሕቲ ዓለምን ፍሉጣት ሰባትን ብሞት ሚኻኤል ጎርባቾብ መልእኽቲ ሓዘንን ምጽንናዕን ይልእኩ ኣለው። ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንጎርቫቾቭ “ጕዕዞ ታሪኽ ዝቐየረ መራሒ” ክብል ገሊጹዎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ዓለም፡ ሓደ ህርኩት ዓለምለኻዊ መራሒ ስኢና። ሚኻኤል ጎርባቾቭ ፈጺሙ ዘይስልኪ ጠበቓ ሰላም እዩ ነይሩ” ክብል ንኢዱዎ።
ጎርቫቾቭ ዝዓረፈሉ ሆስፒታል፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ንነዊሕ እዋን ብኸቢድ ሕማም ከምእተሳቐየን ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጥዕናኡ እናንቈልቈለ ብምኻዱ ንሆስፒታል ክመላለስ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።
ማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ብሰንኪ ሕማም ኩሊት ናብ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ'ኳ እንተሓበራ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብምንታይ ምኽንያት ከምዝዓረፈ ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብሞት ጎርባቾቭ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ፡ ኣፈኛኡ ዲሚትሪ ፐስኮቭ ንማዕከናት ዜና ሩስያ ኢንተርፋክስ ከም ዝሓበረ፡ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኡሩሱላ ቫንደር ለየን፡ "መገዲ ናጻ ኤውሮጳ ዘርሓወ እሙንን ሕፉርን መራሒ" ክትብል ንጐርባቾቭ ንኢዳ።
ኣተሓሒዛ፡ "እዚ ውርሻ እዚ ኣይንርስዖን ኢና" ከኣ ትብል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን እውን፡ ንትብዓትን ተኣማንነትን ጎርባቾቭ ከም ዘድንቕ ገሊጹ።
"ፑቲን ንዩክረይን ኣብ ዝወረረሉ እዋን [ጎርቫቾቭ] ንሕብረተሰብ ሶቭየት ንምኽፋት ዝገበሮ ዘይሕለል ቃልሲ፡ ንዅላትና ኣብነት እዩ" ኢሉ።
ጎርባቾቭ ወዲ 54 ዓመት እንከሎ’ዩ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ሕብረት ሶቭየትን መራሒ 'ታ ሃገርን ኰይኑ።
ኣብቲ ግዜ’ቲ እቲ ዝነኣሰ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ስለዝነበረ፡ ኣብቶም ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት መራሕቲ ከም ውዑይ ደምን ትንፋስን ይርአ ነይሩ።
ሽዑ መራሒ ሩስያ ዝነበረ ኮንስታንቲን ቸርነንኮ ድሕሪ ሓደ ዓመት መሪሕነቱ፡ ኣብ መበል 73 ዓመቱ ምስ ሞተ፡ ጎርቫቾቭ ተኪኡዎ።
እቲ ግሉጽነት ዝብል ግኑን ፖሊሲኡ ከኣ፡ ዜጋታት ሩስያ ቅድሚ ሽዑ ፈጺሞም ክሓስብዎ ዘይክእሉ ዝነበሩ ንመንግስቲ ክነቕፉ ዕድል ከፊቱሎም።
እንተዀነ እቲ ፖሊሲ ኣብ ሓያሎ ዞባታት እታ ሃገር፡ ሃገራዊ ስምዒት ስለዘዳኸመ ኣብ መወዳእታኡ ሩስያ ናብ ውድቀትን ምብትታንን ከተምርሕ ከም ዝኸኣለት ይግለጽ።
ብ1987 ምስ ኣሜሪካ ክሳብ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዝኸይድ ስምምዕ ምቍጽጻር ኣጽዋር ፈሪሙ። ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ፡ ኣንጻር ዴስነት ምስ ተላዕላ'ውን ጣልቃ ክኣቱ ኣይደለየን።
ጎርቫቾቭ፡ ብ1991 ነቲ ኣብ መንጐ ሕብረት ሶቭየትን ሃገራት ምዕራብን ብፍላይ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ዝነበረ ዝሑል ኲናት ከምዝውዳእ ስለዝገበረ ብምዕራባውያን ከም ሃንዳሲ ሰላም እዩ ዝርአ።
ኣብ ርክባት ምብራቕ ምዕራብን ሱር በተኻዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ልዑል ግደ ስለ ዝነበሮ፡ ብ1990 ሽልማት ሰላም ኖበል ተሸሊሙ።
እንተዀነ፡ ኣብታ ድሕሪ 1991 ዝወጸት ሓዳስ ሩስያ፡ ኣብ ትምህርታውን ሰብኣውን ፕሮጀክትታት ብምትኳር ካብ ፖለቲካ ነብሱ ኣግሊሉ።
ንሱ፡ ብ1996 ግን ናብ ፖለቲካዊ ህይወት ክምለስ ሓሊኑ ኣብ ዝገበሮ ፕረዚደንታዊ ውድድር፡ 0.5% ድምጺ ጥራይ ረኸበ። እቶም ሕጂ ድሕሪ ሞቱ ዝረኣዩ ዘለው ዝተፈራረቝ መግለጺታት ሓዘን ከኣ፡ ነጸብራቕ ናይቲ ንሱ ዝወሰኖ ረዚን ውርሻ እዮም።
ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኰይኑ ዘገልገለ ሄንሪ ኪሲንጀር፡ ጎርባቾቭ፡ "ኣብ ታሪኽ፡ ንጥቕሚ ደቂ ሰብን ንጥቕሚ ህዝቢ ሩስያን ዝምልከት ታሪኻዊ ለውጥታት ዝጀመረ ሰብ ብምዃኑ ክዝከር ክነብር’ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ምስ ምምሕዳር ጎርባቾቭ ንጥርናፈ ክልተ ጀርመን ዝዘራረብ ዝነበረ ጀምስ ቤከር እውን፡ ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ሚኻኤል ጎርባቾቭ፡ ንህዝቡ ናብ ዲሞክራሲ ዘሰጋገረ ዓብን ዓርሞሸሽን ሰብ ብምዃኑ ታሪኽ ብኽብሪ ክዝክሮ እዩ" ኢሉ።
ይዅን እምበር፡ ብዙሓት ሩስያውያን ንጎርቫቾቭ በቲ ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት ዝሰዓበ ህውከትን ምብትታንን ይቕረ ኣይብልሉን እዮም።
ኣብዛ ተወሪራ ዘላ ዩክረይን ተሸይሙ ዘሎ ቭላድሚር ሮሆቭ ዝስሙ በዓል ስልጣን፡ ሚስተር ጎርባቾቭ፡ "ንሕብረት ሶቭየት ኮነ ኢሉ ብፍላጥ ዝበታተና ሰብ እዩ” ብምባል፡ ከዳዕ ክብል ገሊጽዎ።
ጎርባቾቭ ኣብቲ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ዝቕበሩሉ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር ኖቨዲቪቺ፡ ኣብ ጐድኒ እታ ብ1999 ብናይ ደም ካንሰር (ሉኮምያ) ዝሞተት ራይሳ ዝስማ በዓልቲ ቤቱ ከም ዝቕበር፡ ታስ - ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ኣፍሊጡ።