እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዮርዳኖስ ብርሃነ፡ ብሞት ዝተዛዘመ ጕዕዞ ስደትን ከርተትን
ዮርዳኖስ ብርሃነ ጓል 15 ዓመት እንከላ፡ ዝሓሸ ህይወት ከተናዲ ናብቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝነበሩ ስድራኣ ክትጽንበርን ብምሕላን’ያ ካብ ኤርትራ ሃዲማ ወጺኣ።
ነዊሕ ግዜን መሰናኽላትን ሓሊፋ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትያ። እንተዀነ ኣብታ ሃገር ነዊሕ ከይገበረት ንሞት ዘቃልዓ መጥቃዕቲ ኻራ ኣጋጢምዋ። ሓፍቲ ዮርዳኖስ ዝኾነት ቅሳነት ብርሃነ ህይወት ሓፍታ ብኸመይ ብትራጀዲ ከምዝተዛዘመ ኣዕሊላትና ኣላ።
እዋኑ፡ እታ ኣዝያ ሃይማኖታዊትን ቀልጢፋ ቋንቋ እትመልኽን ዮርዳኖስ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ በርሚንግሃም ህይወታ ከተደላድል ዝጀመረትሉ ግዜ’ዩ ነይሩ።
ዮርዳኖስ ካብታ መንእሰያት ብዝተፈላለየ ምኽንያታትን ጸገማትን ዝሃድሙላ ኤርትራ፡ ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ኣሕዋታ’ያ ካብታ ሃገር ወጺኣ፤ ኵሎም ግን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን’ዮም ወጺኦም።
ቅሳነት ንዮርዳኖስ ሓፍታ ክትገልጻ እንከላ፡ “ኣዝያ ስቅ በሃሊት፡ ምቕልልቲ ትሕትቲን’ያ ነይራ” ትብል።
“ሕጕስቲ፡ ቛንቋ ቀልጢፋ እትመልኽ፡ ናብዚ ምስ መጽአት ቀልጢፋ’ያ ኤርትራውያን ተላልያ ህይወታ ክትቅይር ህርዲግ ትብል ነይራ።”
ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ኣብቲ ትቕመጠሉ ዝነበረት ጐደና ኤተ ስትሪት ተቐቲላ ዝሰምዑ ስድራኣ፡ ንሬሳኣ ከለልዩ ኣብ ዝመጽእሉ ኣብ ገዛኣ፡ ኣባል ቤት ንባብ እታ ከተማ ምዃና ዝሕብር ወረቐትን ፍቓድ መምርሒ መኪናን ከምዝነበራ ዝሕብር ሰነዳትን ክረኽቡ ክኢሎም።
ዮርዳኖስ ናብ በርሚንግሃም ምስ መጽአት ስራሕ ረኺባ ነይራ’ያ።
ኣብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ድኳን ማናጀራ ዝነበረ ሶጊ ኦምራኒ፡ ጽብቕትን ቅንዕትን ምንባራ ብምሕባር ኵሉ ግዜ ሕጕስቲ፡ ፍሽክታ ዘይፍለያን ንስድራይ ክሕግዝ በሃሊትን ምናባራ’ዩ ገሊጹ።
“ንፍዕቲ ሰራሕተኛ’ያ ነይራ፡ ኣብዚ ቦታ ሓጺር ግዜ’ኳ እንተገበረት ጥዑም ኣፋን እንግሊዛ ጽሩይን’ዩ ነይሩ” ይብል ሶጊ ኦምራኒ።
“ኵሎም ዓማዊልና ሞይታ ምስ ሰምዑ በኽዮም፡ ኣነ’ውን በኽየ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር’ዩ ነይሩ።”
ቅሳነት ንዮርናዶስ ብሸውዓት ዓመታት’ያ ትዓብያ፣ እንተዀነ ልክዕ ከምዛ መናቱ’የን ዝረዳድኣ ነይረን።
“ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽኣትሉ ክሳብ ቅድሚ ምማታ ዝነበራ ክልተ መዓልታት፡ መዓልታዊ ንራኸብ ነይርና ኢና፣ ኣዚና ኢና ንቀራረብ፡ መዓልታዊ እየ ደዊለ ወይ ንሳ ደዊላ ነዕልል። ቅድሚ ምማታ ዝነበራ ክልተ መዓልታት ግን ኣጋጣሚ ኣይተደዋወልናን”
ቅሳነት ጓል 19 ዓመት እንከላ’ያ ኣብ 2014 ካብ ኤርትራ ወጺኣ። ኣብ ኖርወይ ከኣ ትነብር ኣላ።
ቅሳነት ናብ ኖርወይ ምስ ኣተወት ተማሂራ፤ ስራሕ ረኺባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ከኣ ቈልዓ ወሊዳ።
ጕዕዞ ቅሳነት ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ማእከላይ ባሕሪ፡ ዓዲ ጥልያን፡ ጀርመን፡ ሽወድን ሰጊራ ናብዛ ትነብረላ ዘላ ኖርወይ ክትበጽሕ ብሓፈሻ ሓደ ዓመት’ዩ ወሲዱላ።
“እቲ ጕዕዞ ከቢድ’ዩ ነይሩ፣ ብፍላይ ንምድረ በዳ ሳሃራ ክትሰግር ከቢድ’ዩ ኢልካ ጥራይ ትሰግሮ ኣይኰነን ኣዝዩ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ፡ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኣእቲኻ ትኸዶ ጕዕዞ’ዩ” ትብል ቅሳነት።
ኣብ መጋቢት 2017 ከኣ ጓል 15 ዓመት ዮርዳኖስ ነቲ ቅሳነት ሓፍታ ዝሰገረቶ ጕዕዞ ምድረበዳ ጀሚራቶ።
ጕዕዞኣ ልክዕ ከም ናይ ቅሳነት ኣዝዩ ጽንኩርን ነዊሕን’ዩ ነይሩ። ኣብ ሊብያ ሸውዓት ኣዋርሕ’ያ ገይራ፡ ነዚ ዅሉ ምስጋራ ግን ተኣምር ከምዝዀነ እያ ዮርዳኖስ ትገልጽ።
“ኣብ ሊብያ እተሕልፎ ህይወት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ፡ ቅሳነት ሓፍተይ’ውን ኣብ ልብያ ዝነበረተን ሸውዓተ ኣዋርሕ ብሕማቕ’ያ ኣሕሊፋተን።”
ዮርዳኖስን ኣማኢት መጓዕዝታን ድሕነት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ኣብ ሓደ ዓቢይ መኻዚኖ ተዓጽዮም ብዘይ እኹል መግቢ፡ ብዘይ ሕክምናን ዓይኒ ምድሪ ኣብ ዘይብሉ ቦታን’ዮም ነይሮም።
ኣብቲ ቦታ ማህረምትን ዓመጻትን ንቡር ተርእዮ’ዩ፤ እንተዀነ ዮርዳኖስ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበረትሉ ኣዝያ ሓሚማን ደኺማን ስለዝነበረት፡ ሕማቕ ነገራት ከምዘየጋጠማ ቅሳነት ትገልጽ።
ዮርዳኖስ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊራ ናብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝኣተወትሉ ኣዝያ ስለዝሓመመት፡ ብቓሬዛ [ስትሬቸር] ተጸይራ እያ ናብ ሕክምና ተወሲዳ።
እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ንእሽተይ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ ተበላሸወት፡ ክሳብ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን መጺኦም ዝረድእዎም ብዙሓት እዮም ተዳኺሞም ጸኒሖም፡ ዮርዳኖስ ከኣ ሓንቲ ካብኦም ነይራ።
“እቲ ቐንዲ ሕማማ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ እዩ፡ ብዘይካኡ ብርቱዕ ረስኒ ዘስዓበላ ሕማም ቆርበት’ውን ኣማዕቢላ ነይራ፡ ልባ’ውን ጽቡቕ ትወቅዕ ኣይነበረትን”
“ናብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝበጽሓትሉ ኣዝያ እያ ደኺማ ነይራ፣ ናብ ዓዲ ጥልያን ምስ ኣተወት ቀልጢፍና ደሃይ ኣይረኸብናን ድሕሪ ክልተ ሳምንታት ኢና ኣብ ሆስፒታል ምህላዋ ክንፈልጥ ክኢልና፡”
ኣብቲ ሆስፒታል ጥዕናኣ ተመሓይሹ ናብ ጽቡቕ ደረጃ ኣብ ዝበጽሓትሉ ኸኣ ካልእ ጸገማት ክቀላቐለና ጀሚሩ።
ዮርዳኖስ ጕዕዞ ስደታ ብምቕጻል ናብ ኖርወይ ክተበጽሕ ክኣለት፡ ናብታ ዓባይ ሓፍታ ቅሳነት ትነብረላ ሃገር። ካብቲ ዝነበረቶ መዓስከር ስደተኛታት እናኸደት ከኣ፡ ምስ ቅሳነት ሓፍታ ኣፍ ንኣፍ ተወሃሂበን ዘዕልላሉ ዕድል ረኺበን።
እንተዀነ ጕዕዞ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ዝጻረየሉ ዝነበረ እዋን፡ ዩርዳኖስ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣሰር ኣጻብዕቲ [ኣሸራ] ገይራ ምንባራ ተፈልጠ።
ብመሰረት ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ሕጊ [ዱብሊን ኮንቨንሽን]፡ ዝዀነ ስደተኛ ኣብታ መጀመርታ ዝረገጻ ኣውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ክሓትት’ዩ ዝግደድ። በዚ መሰረት ሰብ መዚ ኖርወይ፡ ዮርዳኖስ ናብ ዓዲ ጣልያን ክትምለስ ወሲኖም።
ቅሳነትን ዮርዳኖስን በቲ ውሳነ ኣዝየን ሰንበዳ።
“ኣብዚ እንከላ ኣዝያ’ያ ሕጕስቲ ነይራ፡ ኣብዚ ድሕነቱ ዝተሓለወን ሰብኣዊ መሰልካ ዝኽበረሉን ሃገር’ዩ” ትብል ቅሳነት።
“ኣብዚ ክልተ ዓመት’ያ ገይራ፡ ኣብ ቋንቋን ትምህርትን ኣዝያ ትግደስ ስለዝነበረት ግን ኣነ’ውን ክንድኣ ክዛረብ ኣይክእልን’የ፡ ናብ ዓዲ ጥልያን ክመልሱኒ’ዮም ዝብል ፈጺሙ ሓሳብ ኣይነበራን፣ ናብ ዓዲ ጥልያን ክትምለሲ ኢኺ ምስ ተባህለት ግን ኣዝያ ሰንቢዳ፡ ኣነ’ውን ሰንቢደ’የ።”
“ናብ ዓዲ ጥልያን ተመለሲ ኣብ ዝተበሃለትሉ፡ ጓል 16 ዓመት’ያ ነይራ። ኣነ ዓባይ ሓፍታ’የ ባዕለይ ክኣልያ ምኽኣልኩ ከምኡ ኢለ’ውን ሓቢረ’የ፣ ሰማዒ ግን ኣይረኸብናን። እቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ኣዝዩ ግጉይ’ዩ ነይሩ። ጓል 16 ዓመት ኰይና ካብ ስድራኣ ክትፍለ ጌጋ’ዩ።”
ዮርዳኖስ ናብ ዓዲ ጥልያን ክትምለስ ውሳነ ምስ ተውሃባ ካብ ቅሳነት ሓፍታ ተፈላልያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ ዓዲ ጥልያን ተመሊሳ፣ እንተዀነ ውሑድ ዕድል ደኣ ይሃልዎ’ምበር ይግባይ ክብላ’የን ወሲነን።
ዮርዳኖስ ኣብ ዓዲ ጥልያን ውሑድ መዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ’ውን ከቢድ ጥምየት ዘለዎ ጕዕዞ ሰጊራ ናብ ቤልጂየም ብምእታው፡ ንዩኤንኤችሲኣር ረኺባቶም። ንሶም ከኣ ዕድመኣ ርእዮም ናብ ኖርወይ ክትምለሰሉ ትኽእል ዕድል ከናድዩ ጉዳያ ሒዘሞ።
ናብ ኖርወይ ክትምለስ ተወሲኑላ፣ ናብ ኖርወይ ብምምላስ ኸኣ ምስ ኣብ ኖርወይ ዝነበር ሓዋን ኣብ መዓስከርን ክትነብር ጀሚራ።
“ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ በቶም ኣለይቲ መዓስከር ናብ ኖርወይ ከምዝተመለሰት ዝሕብር ደብዳበ ተደዋሂብዋ ናብ ፖሊስ ከተብጽሖ ተነጊራ፣ ከምቲ ዝተበሃለቶ’ውን ገይራ” ትብል ቅሳነት።
“ፖሊስ ግን ንደብዳበ ተቐቢሎም ንኽልተ ወርሒ ኣሲሮማ፡ ኣብ ኖርወይ ክትነብር ከምዘይትኽእል ብምሕባር ዳግማይ ናብ ዓዲ ጥልያን መሊሶማ።”
“ገና ጓል 18 ዓመት ዘይመለአት ቈልዓ ክሳብ ክንድ'ዚ ክትከላበት ኣእምሮኣ’ውን ዝጻወሮ ኣይነበረን።”
ኣብ ኖርወይ ጠበቃኣ ዝነበረ ኣንድሬ ማከልጀርድ፡ ውዕል ዱብሊን፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ኣተሓሕዛ ሓተትቲ ዑቕባ ዝኸተማኦ ውዕል ኰይኑ፡ እንተዀነ መንግስቲ ኖርወይ፡ ዮርዳኖስ ትሕቲ ዕድመ ብምዃናን ክኣልይዋ ዝኽእሉ ዓበይቲ ኣሕዋታ ኣብ ኖርወይ ብምንባሮምን ኣብ ኖርወይ ክትነብር ክፈቕዱላ ተኽእሎ ከምዝነበሮም ይገልጽ።
“ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ነዚ ምርኩስ ብምግባር ዘቕረብናዮ ጥርዓን ሚዛን ክወሃቦ ኣይከኣለን፡ እቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ከምዝትግበር ብምግባር ናብታ መጀመርታ ኣሰር ኣጻብዕቲ ዘንበረትላ ኢጣልያን ክትምለስ ውሳነ ተመሓላሊፉ፡” ይብል።
ዮርዳኖስ ሕጂ’ውን ካብ ዓዲ ጥልያን ደጊማ ናብ ቤልጂየም ብምኻድ፡ ኣዝዩ ከቢድ ህይወት ብምሕላፍ ኣብታ ሃገር ብዝነበሩ ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ እናተገበረላ ንሸውዓት ኣዋርሕ ጸንሐት።
ሓደ መዓልቲ ግን ብዓባይ መኪና ጽዕነት፡ ብሕቡእ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትያ። እቶም ኣብ ቤልጂየም ዝሕግዝዋ ዝነበሩ ትካል ግብረ ሰናይ’ውን ኣይተጋደፍዋን ደሃያ ይገብሩ ነይሮም።
“ኣዝዮም ጥዑማት’ዮም፡ ምስ ዮርዳኖስ ጽቡቕ ርክብ’ዩ ነይርዎም፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብሰላም ምእታዋ ኣዝዮም’ዮም ተሓጕሶም ክልተ ግዜ ኸኣ ብኣካል ብምምጻእ በጺሖማ” ትብል ቅሳነት።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓደ ዓመት ምስ ገበረት፡ ዮርዳኖስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ስደተኛ ኰይና ክትነብር ዘኽእላ ወረቐት ተዋሂብዋ፡ እዚ ክኸውን እንከሎ ዮርዳኖስ ጓል 18 ዓመት’ያ ኰይና ነይራ።
ሃንደበት ግን ስድራኣ፡ ዮርዳኖስ ከምዝሞተት ዝነግር መርድእ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተለጢፉ ርእዮም።
“እንታይ እዩ ኣጋጢሙ ኣይፈለጥኩን፡ ሓፍተይ ኣብ ኢንስታግራም ገለ ምስ ርኣየት ደዊላትለይ”
“እንታይ’የ ዝርኢ ዘለኹ ንዮርዳኖስ ደዊልክላ ነይርኪዶ? ኢላ ደዊላትለይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣይደወልኩላን እሂ እንታይዶ ኣጋጢምና’ዩ ኢለ መሊሰላ” ትብል ቅሳነት።
ቅሳነትን ብዓል ቤታ ንቅሳነትን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኣዕሩኽ ዮርዳኖስ ብምድዋል ከጻርዩ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ዮርዳኖስ ብሓደጋ ከምዝሞተት ዝሕብር መሪር መርድእ በጺሕዎም።
ሬሳኣ ንኸላልዩ ኸኣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተጓዒዞም።
“ኣብ ዓቢ ስንባደ እንከለና ኣነን ክልተ ኣሕዋተይን ሬሳ ሓፍትና ንኸነላሊ ብቕልጡፍ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ገይሽና”
“ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተና ኣብኡ ብዙሓት ኤርትራውያን እዅል ምትሕብባር ገይሮሙልና፡ ነዕርፈሉ ገዛ ኣዳልዮምልና ጸኒሖም”
ንዮርዳኖስ ብኻራ ዝቐተላ ሓለፎም ወልደዮውሃንስ ዝተበሃለ ኣብ ሽፊልድ ዝነበር መንእሰይ’ዩ፡ ብቕትለት ሰብ ተኸሲሱ ኸኣ ገበነኛ ኰይኑ ስለዝተረኸበ ን21 ዓመት ክእሰር ፍርዲ ተዋሂብዎ ኣሎ።
ስድራ ዮርዳኖስ ግን 21 ዓመት ጥራይ ክእሰር እዅል ከምዘይኰነ’ዮም ዝገልጹ።
ንዮርዳኖስ ዓቢ ሓዋ ገዛኢ ብርሃነ “ኣነ [በቲ ፍርዲ] ሕጕስ ኣይኮንኩን፡ ዮርዳኖስ ሓፍተይ ኣዝያ ንፍዕቲ ሰብ እያ ነይራ፣ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ኸኣ ብዘሰቕቕ ኣገባብ ቀቲልዋ፡ 21 ዓመት ጥራይ ክእሰር እዅል ኣይኮነን” ኢሉ።
ገዛኢ ንዮርዳኖስ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ቅትለታ ረኺብዋ ነይሩ’ዩ።
ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ከምዝተማሃረትን ናይ መጻኢ መደባታን የዕሊላቶ ነይራ።
“ትምህርቲ ክትጅምር’ያ ወጢና ነይራ፣ እንተኾነ ዶክተር እንተዘይኮይኑ ግን ነርስ ክትከውንን ኵነታት መንግስትና ርእያ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስን ንስድራና ናይ ምሕጋዝ መደባትን’ዩ ነይርዋ።”
“ዮርዳኖስ ብዕድመ ንእሽተይ’ያ ግን ዘይከም ዕድመኣ ዓቢይ ሓሳባት’ዩ ነይርዋ” ይብል ገዛኢ።