እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘሕዝን ርእሰ-ቕትለት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ
ብቑልዕነቱ፡ ካብ መበቆል ዓዱ ኤርትራ ሃዲሙ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ሓቲቱ ክነብር ዝጸንሐ ስደተኛ ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሰ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ህይወት ክመርሕ ተስፋ ነበሮ።
እንተኾነ ኣብ መበል 23 ዓመቱ፡ ኣብ ምዕራብ ሚድላንድስ ኣብ እትርከብ ከተማ ኮቨንተሪ ኣብ ዝርከብ ትካል ጥዕና አእምሮ ባዕሉ ህይወቱ ከም ዘጥፍአ ይእመን።
ሞቱ ከኣ ነቲ መንእሰያት ሓተቲ ዑቕባ በብእዋኑ ዝፍጽምዎ ዘለው ነብሰ ቅትለት ናብ ዝለዓለ ጫፍ ከምዘዕረጎ ሓደ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ይገልጽ።
ሄኖክ፡ ምቕሉል፡ ሕያዋይ ፈቃርን ፈታው ጸወታ ኩዕሶ እግርን መንእሰይ ምንባሩ ሓው ይሕብር።
"ዝኾነ ሰብ እንተ ተጨኒቑ ወይ ሓገዝ እንተ ደልዩ፡ ሄኖክ ቅድሚ ኩሉ እዩ ዝርከብ" ይብል ሓው ተወልደ ዛይድ።
እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኩሉ ሳዕ በአዕሩኽቱ ከም ሕውስ: ፈቃርን መትከለውን ሰብ እዩ ዝረአ ነይሩ ።
ካብ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምእንቲ ክርሕቕ፡ ገና ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ እንከሎ እዩ ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ዶብ ሰጊሩ ንሱዳን ኣትዩ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንገለ እዋን ተቐሚጡ ።
እንተዀነ ግን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክነብር ስለዝሓሰበ ብምድረ-በዳ ሰሃራ ናብ ሊብያ ኣትዩ። ካብኡ ብማእከላይ ባሕሪ ተጓዒዙ፡ ወዲ 21ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ግንቦት 2020 ናብ ኮቨንትሪ መጺኡ ።
"ኣብ ጕዕዞ ስደት ብዙሕ ስቓይ እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ተስፋ ግን ኣይቈረጸን። ሓደ መዓልቲ እፎይ ዝብለሉን ቤተይ ዝብሎን መዕቈቢ ክረክብ ተስፋ ነይሩዎ" ይብል ሓው ተወልደ ።
ሄኖክ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ክኣቱ እንከሎ "ኣዝዩ-ሕጉስ" እዩ ነይሩ ይብል ሓው።
"[ድሕሪ ብዙሕ ጸበባ] ህይወቱ ክቕይር ኣዝዩ ትስፉው ነይሩ" ከኣ ይብል ።
ሄኖክ ከም ብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ መንእሰያት፡ ብሰንኪ ጉዕዞ ስደቱ ንዓዲ-እንግሊዝ ክኣቱ እንከሎ ከቢድ ስነ እምሮኣዊ ሃስያ ከምዝነበሮ፡ ሰራሕተኛ ግብረ-ሰናይ በኒ ሃንተር ይገልጽ። በኒ፡ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ዓዲ-እንግሊዝ ቀሊል ከምዘይኮነ ካብ ተመክሮኡ ይዛረብ።
ሚስተር ሃንተር ኣብታ ዳዕሮ እተሰምየት ድሕሪ ሞት ኣርባዕተ መንእሰያት ኣዕሩኽ: ብኤርትራውያን ማሕበረሰብ ዝቖመት ትካል እዩ ዝሰርሕ።
"ብዙሓት ካብቶም ምሳና ዝሰርሑ መንእሰያት፡ ብዙሕ ግፍዒ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ሞት ዝረኣዩን ንገዛእ ርእሶም ዓመጽ ዘጋጠሞምን እዮም" ይብል። እቲ ናይ ሕቶ ዑቕባ መስርሕ ንባዕሉ ኣዝዩ ዘሰንብድ ተመኩሮ ምዃኑ ይጠቅስ።
"ኣብ ሆቴል እናተቐመጥካ፡ ክትሰርሕ ዘይፍቀደካ ሰሙናዊ ብእትወሃቦ ኣዝዩ ውሑድ መቑነን ክትነብር ብፍላይ ንበይንኻን መንእሰይ እንተኼንካን ንብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ "
መብዛሕትኡ ግዜ ንሓተትቲ ዕቚባ፡ ማሕበራዊ ተነጽሎ፡ ኣድልዎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ጽልኢ የጋጥሞም እዩ፡ ይብል ሚስተር ሃንተር ።
"እዚ ከነጕልሖ ዝጸናሕና መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ልዕሊ እቶም በቲ መስርሕ ዝሓልፉ ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያትን ተነቀፍቲ ሰባትን ዘጋጥም እዩ" ክብል ኣብሪሁ ።
እቶም ካብ ኤርትራ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽኡ "ኣዝዮም ብዙሓት" ሰባት ፡ ናይ ስደተኛነት መሰል ይወሃቦም እዩ። ይኹን እምበር ብዙሓት ካልኦት እውን ሓተትቲ ዑቕባ ምላሽ ሕቶኦም ንክረኽቡ ንዓመታት ክጽበዩ ንርኢ ኣለና " ኢሉ ።
'እዋን ቅልውላው'
ሄኖክ ዝሓሸ ህይወት ንክረክብ እዩ ንዓባይ ብሪጣንያ ኣትየ። ነብሱ ከመሓይሽን ብትምህርቲ ክስጉምን ዝከኣሎ ይገብር ነይሩ።
"ትምህርተይ ተኸታቲለ ነብሰይ ከመሓይሽን ካብ ዝኾነ ሰብ ከይተጸበኹ ሰሪሐ ክነብርን እየ" ይብለኒ ነይሩ ይብል፡ ሓው ተወልደ ዛይድ። ንመጨረሽታ ግዜ ከኣ ብ4 ነሓሰ ከምዘዛረቦ ይሕብር።
"[ሽዑ] ንነዊሕ ሰዓታት ተዘራሪብና። ስእሊ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝገበርክዎ መርዓ ክርኢ ይደሊ ነይሩ" ይብል።
እንተዀነ ግን፡ ሄኖክ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኣብ ኮቨንትሪ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ኣእምሮ ካልዶናውያን ርእሰ-ቕትለት ከምዝፈጸመ ተገልጸ።
ንሱ ኣብቲ ናይ ቅልውላው ግዜ ናይ ኣእምሮ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት እኳ ረኺቡ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ሚስተር ሃንተር። ትካሎም ነቲ ናይ ሕቶ ዑቕባ መስርሕ ኣብ ኣእምሮ መንእሰያት ዘሎ ጉዳያት ንምጕላሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ ።
ኣማውታኡ "ንምእማኑ ዘጸግም" 'ዩ ዝበለ ኣቶ ዛይድ፡ ሬሳኡ ናብ ኤርትራ ንምምላስ ዝተገብረ ጻዕሪ ብምድንጓዩ፡ እታ ስድራ-ቤት ኣዝያ ከም እተጨነቐት ገሊጹ ።
"ክሳዕ እቲ ቀብሪ ዝፍጸም፡ እቲ ቤተ ሰብ ኣብ ሓዘን እዩ ዝቕኒ፤ ወለደይ: ወዶም ብምስኣኖም ንዘለኣለም ክሳቐዩ እዮም። ይኹን እምበር ንሄኖክ ስለ ዘይቀበርዎ ክሳብ ሕጂ ኣብ ብርቱዕ ሓዘን እዮም ዘለው" ይብል።
"ኩሉ እቲ ሰበ ስልጣን ዝሓተቱና ነገራት ኣማሊእና ኢና። ስለምንታይ ነገራት ከምዝተሓላለኹ ኣይርደኣንን እዩ። እቶም ፖሊስ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ መርመራ ከምዘይወድኡ የተሓሳስበኒ እዩ። እቶም ሰበ-ስልጣን ብዝገበሩዎ ተግባር እሓርቕን እጕህን "ይብል ።
ናይ ምጥራዝ ፍርሒ
ቅድሚ'ዚ ዓመት'ዚ ኣብ ለንደን ዝመደበሮም 46 ትካላት ግብረ ሰናይ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዕቚባ ብዘጋጥም ዘሎ ብዝሒ ርእሰ ቕትለትን ብዛዕባ እቲ ናብ ሃገሩ ንኸይጥረዝ ብምፍራሕ ኣብ በርሚንግሃም ነብሱ ዝቐተለ ወዲ 19 ዓመት ኣፍጋናዊ ዝምልከት መጠንቀቕታ ናብ ሆም ኦፊስ ደብዳበ ጽሒፎም ነይሮም።
እቲ ኣብ 13 ዓመቱ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመጽአ፡ መንእሰይ ክሳዕ 18 ዓመት ዝመልእ ኣብ ትሕቲ ኣልያ ሰበ ስልጣን እዩ ጸኒሑ።
ኣብ ብሪጣንያ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓስ ጥራሕ ስለዝተዋህቦ ናብ ኣፍጋኒስታን ንኸይምለስ ብርቱዕ ፍርሒ ነይሩዎ።
እቲ ኣብቲ ምርመራ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተኻፈለ ሚስተር ሃንተር፡ እቲ መንእሰይ ከም መብዛሕትኦም እቶም ካልኦት፡ ብዘይ ኣላዪ ንበይኑ ናብታ ሃገር ከም ዝመጽአ ተሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝተገብረ መጋባእያ ምርመራ ሓደጋ ርእሰ ቕትለት፡ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ሙሉብርሃነ መድሃኔ ክፍለየሱስ ኣብ ለካቲት 2019 ህይወቱ ከምዘሕለፈ ተሰሚዑ።
ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ውሽጢ 16 ኣዋርሕ ካብቶም ነብሶም ዝቐተሉ ኣርባዕተ አዕሩኽ ከም ዝዀነ፡ ዘ ጋርድያን ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ ።
ኣብቲ መጋባእያ፡ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ሕማሙ ነይሩዎ ዝብል ተቐባልነት ኣይረኸበን ።
ወዲ 18 ዓመት ፊልሞን የማነ፡ ኣብ ሕዳር 2017 ከምኡ እውን ዓርኩ ኣለክሳንደር ተኽለ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ነብሱ ቐቲሉ ተባሂሉ።
ወዲ 19 ዓመት ዑስማን ኣሕመድ ኑር፡ ኣብ ግንቦት 2018፡ ኣብ ካምደን- ለንደን፡ ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ ሞይቱ ተረኺቡ።
እቲ መጋባእያ ሞት ክልተ አዕሩኽቱ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ከም እተተንከፈ ተሓቢሩ።
ካብቶም ኣርባዕተ ስድራ ቤታት ናይቶም ሰለስተ መወትቲ ዝወከለት ኦሊቭያ ኣነስ ዝተባህለት፡ ናይ ባት ሙርፊ ዝተባህለ ትካል ጠበቓ ወኪል እቲ ሞት ዘሰምብድ እዩ ክትብል ትገልጾ።
"እዚ ናይ መንእሰያት ሓተትቲ ዑቕባ ርእሰ ቕትለት ሶሻል ሰርቪስን ትካል ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ እውን ዝፈልጡዎን ከቢድ ሕቶታት ዘለዓዕል እዩ " ኢላ።
"እዞም ካብ ውግእን ሃድንን ስርዓታት ሃዲሞም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽኡ ሰባት ስለምንታይ ኣብ ትሕቲ ዑቕባና ነብሶም ይቐትሉ ከምዘለው ክንፈልጥ ይግባእ" ትብል።
"ብዛዕባ'ዚ ሞት'ዚ ብዝምልከት፡ ህዝባዊ መጋባእያ ምርመራ ክክየድ ይግባእ እዩ። እቲ ምድንጓይ ከኣ፡ መዓልታዊ ካልእ ሓደጋን ዘየድሊ ሞትን እዩ ዘስዕብ" ኢላ።
'እቲ ምልክቱ ዝረአ ዘሎ ሕቡእ ሓደጋ'
"[መንግስቲ] ብዙሓት መንእሰያት ከም ዝሞቱ፡ ዝፈልጥ ኣይመስልን። ከምኡ እንተኾይኑ ከኣ እዚ ጕዳይ ከመይ ገይሩ ኣቓልቦ ክረክብ ይኽእል? በቲ ሓደጋ ክንደይ ሰባት ከም ዝጸልዉ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ከመይ ጌርካ ንሞት ክትከላኸሎ ትኽእል?" ክብል ሚስተር ሃንተር ገሊጹ።
ብግብረ-ሰናይ እተገብረ መርመራታት፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጥራይ ልዕሊ ዓሰርተ ዝዀኑ ሰባት ከምዝሞቱ ይሕብር። እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ከኣ፡ "ውሑድ ምልክት ናይቲ ከቢድ ሓደጋ" ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽእል ሚስተር ሃንተር ገሊጹ ኣሎ ፣ ኸመይሲ፡ ኮሮናቫይረስ ዜግነት ወይ ኩነታት ኢሚግሬሽን ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ክምዝግብ ኣየድልዮን እዩ።
እቲ መንግስቲ፡ ዛጊት፡ ነቲ ብትካላት ግብረ ሰናይ ክሕተት ዝጸንሐ ሕቶ ምጽራይን ምርመራን ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበን ዘሎ።
ወሃቢ-ቃል እተን ትካላት ግብረ ሰናይ ግን "ንጽጉማት ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምልላይን ምስ ናይ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክን ትካላት ዝድግፉ ሓላፍነት ዘለዎም ውፉያት ጉጅለ ኣለዋ" ይብል።
እቲ ወሃቢ ቃል "ኣብዚ ጽንኩር እዋን ልብናን ሓሳብናን ምስ ስድራ ቤት ኣቶ ገብረስላሰ ከምኡውን ምስ ፈተውቱን እዩ" ይብል ።
እቲ ንማእከል ጥዕና አእምሮ ትካል ካሉዶ ዘመሓድር ናይ ዋርዋክሼርን ኮቨንትሪን ትካል ጥዕና "በቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኣብ ሓደ ካብቶም ሕሙማትና ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣዚና ከም ዝጓሃና ክንገልጽ ንደሊ" ኢሉ።
ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ግቡእ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።
ትካል ምክትታል ጉዳያት ምውታን ከተማ ኮቨንተሪ ብዛዕባ ሞት ሄኖክ ዝሰምዕ መገባእያ ግቡእ ምርመራ ከምዘካይድ ሓቢሩ።