'ሻዱሻይ ወራር'፡ ማርጋሬት ታቸር፡ ሚካኤል ጎርባቸቭን ሓንቲ ኤርትራዊትን እንታይ ኣራኸቦም?

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተኽስተ ከቢድ ድነ ሓደጋ'ዩ። ስርዓት ደርግ፡ ንሰውራ ኤርትራ "ሓንሳብን ንሓዋሩን" ንምድምሳስ፡ "ቀይ ኮኮብ ሁለገብ ዘመቻ" ኢሉ ዝጸውዖ፡ ደርማስ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንምክያድ ብወግዒ ኣወጀ።

ብኣጽዋራት ሕብረት ሶቬት ነበር ዝተርንዐ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ልዑል ርእሰ-ተኣማንነት ዝወነነሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ከምቲ ወተሃደራዊ ስነ-ፍልጠት ዝእዝዞ "ሃንደበትነት" ዝጥቀም፡ ክቱር ሓይሊ ስለዝተሰምዖ፡ ነቲ ወፍሪ ብወግዒ ኣዊጁ ንክልተ ዓመታት ተዳለወሉ።

ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ብወገኑ ዘድሊ ምድላዋት ንምግባር እኹል ግዜ ረኸበ።

እንተኾነ ግን፡ ደርግ ንሰውራ ኤርትራ ከጥፍእ ቀመማዊ ጋዝ ከይተረፈ ክጥቀም ከምዝኽእል ምስተገልጸ፡ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከቢድ ስግኣትን ፈተናን ገጠሞ።

ኣብ ልዕሊ ጎቦታት ሳሕልን ጎላጉል ባርካን ዘንጸላለወ ደበና ቀመማዊ ኲናት

በቲ ኩነታት ኣዝዩ ዝተሻቐለ እቲ ሓርነታዊ ውድብ፡ እንተተረኺቡ መከላኸሊ ማስክ ክሓትት፡ እንተተሳኢኑ ከኣ ኣብ ኣየር ቀመማዊ ጋዝ ምህላውን ዘይምህላውን ዝነግር ዲቴክተር (ሓባሪ) ንኸምጽእ ንሓላፊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ንዓዲ ኢንግሊዝ ክልእኮ ወሰነ።

ኣብቲ እዋን፡ ብስራሕ ናብ ወጻኢ ዝንቀሳቐሱ መራሕትን ኣባላትን ህዝባዊ ግንባር፡ ፓስፓርት ሃገረ ሶማል እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም።

"ናይ ሓደ ኣሕመድ ዝተባህለ ንዓይ ዝመስል ሰብ ፓስፓርት ተጠቒመ'የ ዝገይሽ ነይረ" ዝብል ዶ/ር ኣሰፋው "ኣብቲ እዋን'ቲ ብዙሕ ናይ ፓስፓርት ቁጽጽር ኣይነበረን፡ ነዞም ጸለምቲ መልክዕና ብዙሕ ኣይፈልዩናን'ዮም ነይሮም" ይብል።

እቶም ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ከም ኤርምያስ ደበሳይ ፓፓዮ፡ ጴጥሮስ ተስፋገርግሽ፡ ጠዓመ ተወልደብርሃን ዝኣመሰሉ ተቓለስቲ ከኣ ኣቐዲሞም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መጽናዕቲ ክገብሩ ተሓቢሩዎም ብዓቕሞም ክፈታትኑ ጸኒሖም እቲ ልኡኽ ካብ ሜዳ ምስ መጽኦም ምስ መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝሰርሕ ሓደ ናይ ቀመማዊ ጋዝ ክኢላ ኣራኸቡዎ።

ዶክተር ኣሰፋው፡ ቅድሚኡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ቦሎኛ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ምስተሳተፈ ሓደ ኣብ ጀርመን ቀመማዊ ኵናት ዘጽንዕ ዝነበረ ኤርትራዊ ተማሃራይ፡ ብዛዕባ እቲ ዓውዲ ዝምልከት መጻሕፍቲ ሂቡዎስ ነቲ መጻሕፍቲ ምስ ብጾቱ ኣንቢቡዎን ተኻቲዑሉን ስለዝነበረ ጽቡቕ ፍልጠት ኣዋህሊሉ ነይሩ።

ስለዝኾነ፡ ነቲ ብሪጣንያዊ ክኢላ ቀመማዊ ጋዝ ምስረኸቦ፡ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ደርግ ቀመማዊ ጋዝ ክጥቀም ይዳሎ ከምዘሎ ብምሕባር፡ መከላኸሊ ዝኸውን ሓገዝ ንክህብዎም ሓተቶ።

እቲ ካብ ሳሕል ዝመጽአ በረኸኛ ምስቲ ምሉእ ግዜኡ ብዛዕባ ቀመማዊ ጋዝ ዝከታተል ብሪጣንያዊ ሊቅ ሰፊሕ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ፡ "እሞ ሕጂ ክሕግዘኩም ናብ ዝኽእል ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ክሰደኩም እየ ብምባል ሓንቲ ወረቐት ጽሒፉ ሃቦም።

'ሕጂ ንስኻትኩም እንታዎት ኢኹም?'

እታ ወረቐት ስለዘይተዓሸገት ካብኡ ምስ ተፈልዩ ንትሕዝቶኣ ከፊቶም ምስረአዩዋ፡ "ነዚ ዝመጽኣካ ዘሎ ሰብ ስምዓዮ'ሞ ዝከኣለካ ግበረሉ፤ ግን ሸለል ኣይትበሎ ኣይትንዓቆ ከኣ ['don't underestimate him'] ትብል ነበረት።

ናብቲ ዝተላእኩዎ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝዓዩ በዓል ስልጣን ከይዶም ምስ ረኸቡዎ ግን እቲ ሰብ፡ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ይኹን ብዛዕባ ኤርትራ ምንም ፍልጠት ዘይብሉ ኮይኑ ጸኒሑዎም።

ተራኺቦም ሰላምታ ምስተለዋወጡ፡ "ሕጂ ንስኻትኩም እንታዎት ኢኹም?"

"ንሕና ምእንቲ ናጽነትና እንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ኢና"

"ኤርትራ…፡!" ብኣንክሮ እናሓሰበ "ኣበይ እያ ትርከብ?"

"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ። ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጂቡቲን እትዳወብ ብኢትዮጽያ ዝተጎብጠት ንእሽቶ ሃገር እያ"።

"ኣሃ እሞ ኢትዮጵያውያን ኢኹም ማለት እዩ"።

"ደሓን ዋላ ከምኡ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ብሓይሊ ስለዝተጎበጥና ግን ምእንቲ ርእሰ መሰልና ንቃለስ ዘሎና ውድብ ኢና"።

"እሞ ሕጂ እንታይ ክሕግዘኩም ኢኹም ትደልዩ ዘለኹም?"

"ስርዓት ደርግ ቀመማዊ ጋዝ ክጥቀም ይዳሎ ስለዘሎ መከላኸሊ ማስክን ናይ ቀመማዊ ጋዝ ዲተክተርን ክትህቡና።"

ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ኣፍልጦ ስለዘይነበሮ "ከምኡ ደኣ ኣብ ዓድኹም የብልኩምን ድዩ? ላባራቶሪ የብልኩምን ማለት ድዩ? ስለምንታይ ኣብ ኣስመራ ዘይትገብሩዎ?" ክብል ሕቶታት ኣቕረበሎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ምንም ሓገዝ ከይገበረሎም ተፈላልዮም።

እቶም ተቓለስቲ ላዕልን ታሕትን ስለዝበሉ ግን ካብ ካልእ ትካላት ዲቴክተር ቀመማዊ ጋዝ ስለዝረኸቡ ዶ/ር ኣሰፋው ብቕልጡፍ ንሜዳ ተመልሰ።

ፈሓም፡ 'ኣትሮፒን'ን ጨመተ ተዂስን

ኩሉ ተጋደላይ ብዛዕባ ቀመማዊ ጋዝን ሳዕቤናቱን ክንገሮ ኣለዎ ስለዝተባህለ፡ እታ ንስርዓት ደርግ ቀመማዊ ጋዝ ክትህቦ እትኽእል ሩስያ እተውንኖ ዓይነት ቀመማዊ ጋዝን ኣጠቓቕማኡን ሳዕቤኑን ብዝርዝር ከጽንዕዎ ንሓካይም ዕዮ ገዛ ተዋህቦም።

ዝግባእ ምርምር ተኻይዱ ከኣ እቲ ውጽኢት ንመሪሕነት እቲ ውድብ ምስ ተነግሮም እዚ ጽሑፍ ከምዘለዎ ንሰራዊት ክንገሮ ኣለዎ ተባህለ። እቶም ሓካይም ግን ሞራል ሰራዊት ክትንክፍ ስለዝኽእል ቅልል ብዝበለ መገዲ እንተተነግሮም ይሓይሽ ዝብል ርእይቶ ኣቕረቡ።

"እንተኾነ ንሰራዊት ሓቂ ካብ ምንጋር ዝሓይሽ የሎን፡ ተጋዳላይ ባዕሉ ፍታሕ ክፈጥር እዩ - ተመኩሮና ከምኡ ስለዝኾነ ብኣኼባ ይነገሮ ተባህለ" ይብል ኣሰፋው።

ሓካይም ብፈሓም መከላኸሊ ማስኬራ ኣዳልዮም እናዞሩ ከስተምህሩ ጀሚሮም። መላእ ሰራዊት ከኣ ፈሓም ኣፍሒሙ ነንገዛእ ነብሱ ማስኬራ ሰሪሑ ተዳለወ። ኣብ ርእሲኡ፡ ተጋዳላይ ኣትሮፒን ዝተባህለ መከላኸሊ እቲ ቀመማዊ መርፍእ ተዋህቦ። ከመይ ገይሩ ነብሱ ከምዝወግእ ብጽሩይ ማይ 'ሳላይን' ኣብ ኣስላፉ መርፍእ ምውጋእ ተለማመደ።

እቲ ልዑል ምድላው ከኣ ነቲ ዝነበረ ጭንቂ ብመጠኑ ኣፋኾሶ። ይኹን እምበር ሻቕሎትሲ ኣይተረፈን።

ኣትሮፒን ምስተወጋእካ ንመርዓት ዓይኒ ስለዘግፍሖ: ሰራዊት ንርሑቕ እንተዘይኮይኑ ኣብ ቀረባ ክጭምት ኣይክእልን እዩ። ስለዝኾነ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓካይም ከይተረፈ ኣትሮፒን ተወጊኦም ኣብ ቀረበኦም ክጭምቱ ፈቲኖም - ከምቲ ዝገመቱዎ ኮይኑ።

እምበኣር ኣትሮፒን ከምኡ ዝገብር ካብ ኮነ ንዕኡ ዝከላኸል ካልእ መድሃኒት ተዓዲጉ ይምጻእ ተባሂሉ: ነቶም መልእኽቲ ዝቕበሉን ዘሕልፉን ኦፕሬተራት ብፍሉይነት ተዓዲሎም።

ስርዓት ደርግ ኣስታት 300ሽሕ ሰራዊትን ዘበናዊ ኣጽዋርን ኣኻኺቡ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ተሰለፈ። ውቃው እዝ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ናደው እዝ ኣብ ግንባር ናቕፋ፡ መክት እዝ ከኣ ኣብ ግንባር ባርካ ብሓባር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ጀሚሩ።

1982፡ ማርጋሬት ታቸር፡ ሚካኤል ጎርባቸቭን ሓንቲ ኤርትራዊትን እንታይ ኣራኸቦም?

እቲ ብህዝባዊ ግንባር ሻድሻይ ወራር ዝተሰመየ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክጅመር ምስተቓረበ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ባዕሎም ብዝሰርሕዎ ማስክ ገጾም ተሸፊኖም፡ መዓልታ ከም ዝኣኸለ ብጽሕቲ ወርሒ ሎሚ'ዶ ጽባሕ እናበሉ ኣብ ተጠንቀቕ ኮይኖም ካብ መዛግቦም ንቕድሚትን ንሰማይን የቋምቱ ነበሩ።

ካብኦም ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ርሒቓ ዝነበረት ሓንቲ ኤትራዊት ግን ብዛዕባ'ቲ መርዛም ጋዝ ንዝነበሮም ስግኣት ብውልቃ ተሸኪማቶ ነበረት።

እዛ ምስ ቀዳመይቲ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ማርገረት ታቸር እትሰርሕ ዝነበረት ኤርትራዊት፡ ንኣስራሒታ፡ እናበኸየት "ህዝብና ብቀመማዊ ጋዝ ይጥፍእ ኣሎ" በለታ።

"ኣብቲ እዋን እቲ መራሕ ራሻ ዩሪ ኣንድሮፖፕ እዩ ዝበሃል ነይሩ። ግን ምናልባት ብናይ ጥዕና ጸገም እዩ ብዙሕ ኣክቲቭ ስለዘይነበረ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ዳርጋ ሚካኤል ጎርባቾቭ ንጡፍ ነይሩ" ይብል ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ።

በቲ ዝሰምዓቶ ወረ ዝተሰከፈት "ሓጺናዊት መዓሮ" ('ኣይሮን ሌዲ') ተባሂላ እትፍለጥ ታቸር፡ ነቲ ጸኒሑ ቀንዲ መቀናቕንታ ዝኾነ መራሒ ሶቬት ነበር ሚካኤል ጎርባቸቭ ስልኪ ደዊላ እቲ ዝሰምዓቶ ሓቂ እንተኾይኑ ሓተተቶ።

ጎርባቸቭ ከኣ ንዝምልከቶም ትካላት መንግስቱ ሓታቲቱ ንኢትዮጵያ ቀመማዊ ጋዝ ከምዘይሃቡዋ ንታቸር ኣረጋገጸላ።

በዚ ከኣ ብዘይተሓስበ መገዲ፡ ብሓንቲ ተራ ኤርትራዊት ሰራሕተኛ ታቸርን ጎርባቸቭን ተዘራሪቦም፡ ኢትዮጵያ ቀመማዊ ጋዝ ከምዘይብሎም ተረጋገጸ።

"ኣብቲ እዋን እቲ ዳርጋ ነብሲ ወከፍ ኣብ ስደት ዝነበረ ኤርትራዊ፡ በብቲ ዝኽእሎ ዓቕምን ዝረኽቦ መገድን ዕድላትን ንሰውርኡ ይሕግዝ ስለዝነበረ፡ ተገዳነስትን ሻቕሎት እዛ ተራ ኤርትራዊት ካብኡ ዝምንጬ እዩ ነይሩ" ይብል ዶክተር ኣሰፋው። እቲ ብመገዳ ዝተረኽበ ሓበሬታ ግን ነቲ ግንባር ሩፍታ ፈጠረሉ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ብዙሕ ዓበይቲ ተግባራት ይፍጸም ስለዝነበረ ተገዳስነትን ተራን ናይታ ንክልተ መራሕቲ ከምዝዘራረቡ ዝገበረት ኤርትራዊት ከም ተራ ነገር እዩ ሓሊፉ። ሕጂ ግን እዚ ዛንታ'ዚ ምስ ተሓትመ ድሃያን ሃለዋታን ክርከብ ብዙሓት ይትስፈው።

ይኹን እምበር ኣብ ወተሃደራዊ ኩነታት ኩሉ ሳዕ ልዕሊ እቲ ክትገብሮ እትኽእል ምድላውን ምጥንቃቕን ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ እቲ ውድብ ቀመማዊ ጋዝ ክውን ከምዝኸውን ሓሲቡን ገሚቱን ብኸለንትንኡ ምድላዋቱ ቀጸለ ይብል ዶ/ር ኣሰፋው።

ጸሊም ትኪ ዝዓብለኾ ጎቦታት ጥሩቕሩቕ

ዳርጋ ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ንመከላኸሊ ነብሱ ዝኸውን ይሕመቕ ይጸብቕ ፈሓም ኣፍሒሙ ዝሰርሖ ማስኬራን፡ ጸረ ቀመማዊ ጋዝ ኣትሮፒን ዝተባህለ መከላኸሊ መርፍእ ተዋሂቡዎ ተዳልዩ እዩ።

'ሻድሻይ ወራር' ምስ ጀመረ፡ ሓደ ወጋሕታ ጥሩቕሩቕ ብዝተባህለ ናብ ዶብ ሱዳን ዝገማገም ድፍዓት ህዝባዊ ሰራዊት: ብርቱዕ ጸሊም ትኪ ዘለዎ ቦምባታት ተተኵሱ ነቲ መዛግብ ዓብለኾ።

ሽዑ እቶም ተጋደልቲ "እውይ ቀመማዊ ጋዝ ደርቢዮም" ኢሎም፡ ከምቲ ኣብ ትምህርቲ ዝተነግሮም ልዕሊኦም ናብ ዝነበረ በሪኽ ጎቦ ኣንሳሓቡ። ገሊኦም እውን ተቐላጢፎም እቲ ንመከላኸሊ ዝተዋህቦም መራፍእ ኣትሮፒን ነብሶም ዝወግኡ ነይሮም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ እግሪ እግሮም ተኸቲሉ ነቲ ትኪ ዝዕብልኽ ቦምታታት ምድርባይ ቀጸለ። እቶም ተጋደልቲ ኣብቲ ንላዕሊ ዝደየቡዎ ጎቦ ምስ ጸላኢኦም ኣብ ቀረባ ርሕቀት ምስተፋጠጡ እቶም ወተሃደራት ደርግ ነቲ ቀመማዊ ጋዝ ከይከውን ዝተፈርሐ ቦምባታት ብኢዶም ክድርብይዎ ምስ ረኣዩዎም፡ "ከመይ ገይሩ ከምኡ ክኸውን ይኽእል ብምባል" ተገረሙን ሓሰቡን።

እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ቅድሚ ምምጽኡ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ፡ እቲ ቀመማዊ ጋዝ ብነፈርቲ ወይ ነዊሕ ርሕቀት ብዝውንጨፍ መዳፍዕ ከምዝትኮስ ስለዝተሓበሮም ነቲ እግሪ እግሮም ዝስዕብ ዝነበረ ሓይሊ ጸረ መጥቃዕቲ ወሲዶም ነቲ ዝትኮሰሎም ዝነበረ ትኪ ዝዕብልኽ ቦምባታት ተቐጻጸሩዎ።

''ካብኡ እቲ ቦምባታት ናብ ክፍሊ ሕክምና ተላኢኹ ምስተራእየ፡ መንግስታት ህዝባዊ ናዕቢ ንምብታን ዝጥቀመሉ ካብ መንግስቲ ጀርመን ዝተዋህበ ምዃኑ ተረጋጊጸ። ብድሕሪኡ እቲ ንዓመታት ዝተዘርበሉን አእምሮ ሰባት ዝረበሸን ቀመማዊ ጋዝ ከምዘየሎ ስለዝተረጋገጸ፡ ኣብ ተጋደልቲ ዓቢ ርግኣትን ሩፍታን ዓሰለ'' ይብል ዶ/ር ኣሰፋው

እቲ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ለይትን ቀትርን ዝቐጸለ ዕረፍቲ ዘይህብ ኵናት'ውን ከምቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ውግኣት ተጸብጺቡ ሓለፈ።

እቲ ካብ ለካቲት ክሳብ ሰነ 1982 ዝቐጸለ ህዝባዊ ግንባር ''ሻድሻይ ወራር'' ዝብሎ: ስርዓት ደርግ ከኣ "ቀይ ኮኮብ ሁለገብ ዘመቻ"ኢሉ ዝጽውዖ ወፍሪ ዝበዝሑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰውእሉ ምንባሩ ይንገር። ሃገራዊ መዓልቲ ሰማእታት'ውን 20 ሰነ ኣብዚ ተመርኲሱ ክኸውን ከምዝተወሰነ ይግለጽ።