እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብዓይኒ ዜጋታታ
መዓልቲ ሰማእታት ሓደ ካብ ኣገደስቲ ህዝባዊ በዓላት ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዉያን በብዝጥዕሞም ብምውዳብ፡ ኣብ ሰማእታቶም ዘለዎም ኽብሪ ዝገልጽሉ ኣጋጣሚ ኢዩ።
እዚ ኣብ ሰነ 20 ዝኽበር መዓልቲ፡ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ንኽብሪ እቶም ንነጻነት ን ምዉሓስ ልዓላዉነትን ህይወቶም በጃ ዝገበሩ ኤርትራዉያን፡ ዓመት ዓመት ዝኽበር ክኸዉን ከሎ ሎሚ ንመበል 27 ግዜ ይጽምበል ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ዝተኸብረ ጽምብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ብወገን ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ናይ ሰላም ጻውዒት ምላሽ ንምሃብን ሓደ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክልእኽ ምዃኑ ብምሕባሩ ኣብ ልቢ ብዙሕ ደላይ ሰላም ተስፋ ዓሲሉ ኣሎ።
ኤርትራ ሰላሳ ዓመታት ብዝወሰደ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ክተረጋግጽ ልዕሊ 60 ሽሕ መንእሰያት፡ ኣቦታትን ኣዴታትን ከም ዝኸፈለት ጸብጻባት ይሕብሩ።
ግና ብእኡ ጥራሕ ኣየብቕአን ድሕሪ ገለ ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ደጊሙ ብዝተወልዐ ዂናት ዶብ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣሰር ቀዳሞት ስዒቦም።
አዚኦምን ካልኦትን ምኽንያታት ነዛ መዓልቲ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ፍሉይቲ ከም ዝገብርዋ ዘዘራረብናዮም ኤርትራዉያን ይገልጹ።
ተቐማጢት ዓድ እንግሊዝ ዝኾነት ነብያት እዛ መዓልቲ ብዙሕ ነገር ከም ተዘኻኽራ ትሕብር።
"እዛ መዓልቲ ሓላፍነት ተሰክም፡ ንሶም ግቡኦም ገይሮም ሓሊፎም እሞ ኣነ ከ እንታይ ክግብር ኣለኒ ኢለ ካልእ ስጉምቲ ክወስደላ ወይ ኣበርክቶይ ኣብታ ሃገር እንታይ ክከውን ኣለዎ ኢለ ዝሓስበላ ዕለት'ያ" ትብል።
ተቐማጢ ናይሮቢ ሻምላ ጸጋይ ብወገኑ፡ እዛ መዓልቲ ነቲ ዝኸፈልናዮ ክቡር ዋጋ ተዘኻኽረና ብምዃና ሓላፍነት እተሰክም ረዛን መዓልቲ ኢሉ ይገልጻ።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ተቐማጢ ናይሮቢ ግና ሕድሪ ስዉኣት በቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ከም ዝተጠልመ ይሕብር "ስዉኣትና ዝተሰዉኡሉ ዕላማ፡ ግቡእ ሽትኡ ከይወቕዐ ምትራፉ፡ የሕዝነኒ" ድሕሪ ምባል "ሕጂ ኣብ ዓደይ ረጊአ ክነብር ዘይምኽኣለይ ክዝክር ከለኹ እቲ ዝኸፈልዎ ዋጋ ትርጉም ይስእነሉ እሞ ይጉሂ" ኢሉ።
ኣባል ጩራ ባንድ እስራኤል ሮቤል ተስፋማርያም ንሓርነት ዝተኸፍለ ዋጋ ንዝኽረሉ ስለ ዝኾነት ፍሉይነት ክህልዋ ናይ ግድን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ ነቶም "ህይወቶም ከይበቐቁ ዝሃቡ ጀጋኑ ዝግብኦም ክብሪ ንህብ ኣሎና ዲና?" ዝብል ሕቶ የልዕል እሞ ቀጺሉ፤ "ሽምዓ ስለ ዝወላዕኩሎም፡ ስእሎም ስለ ዝሰቐለኩ ኣኽቢረዮም ማለት ኣይኮነን። ግብሪ ዘየሰንዮ ዓመት መጸ ቴማ እናቐያየርካ ዝግበር ዝኽሪ ንምስሉይነት ኢዩ" ድሕሪ ምባል፤ "ንስድራቤት ስዉኣት፡ ንደቆም እንታይ ሓለፋታት ኢዩ ተጌርሎም?" ክብል ብምሕታት፡ መራሕቲ ኤርትራ "ነቶም ዝሓለፉ ብጾቶም ቀደም ኢዮም ጠሊሞምዎም" ይብል።
ተቐማጢ እስራኤል ቶማስ ብወገኑ "እዛ ዕለት ረዛን መዓልቲ ያ፥ ካብ ኩሉ ነገራት ደዉ ኣቢላትኒ ትዉዕል እዛ መዓልቲ ጥራይ ኢያ" ኢሉ።
ስለምንታይ እዛ መዓልቲ ተመሪጻ?
ኣብቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ጉዕዞ ቃልሲ ንናጽነት፡ እቲ መሪር፡ ዝበርትዐን ዝብዝሕ ዋጋ ዝተኸፍልሉን ሻዱሻይ ወራር ዝተዛዘመሉ 20 ሰነ ብምንባሩ፡ ወትሩ ነቶም ነቲ ዝኸበረ ህይወቶም ስለታ ዝፈትዉዋ ምድሪ ዘሕለፉ ጀጋኑ መዘከርታ ምእንቲ ክትኸዉን እዛ መዓልቲ ከም ዝተሓርየት ይፍለጥ።