ሂዩማን ራይትስዎች: ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከቡ ነበርቲ እኹል ሓለዋ ከምዘይረኸቡ ሓቢሩ

ሂዩማን ራይትስዎች ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2014 ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዕጡቓት ክቕተሉ እንከለዉ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ከምዘይፈተኑ ነቒፉ።

እቲ ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቀዳም 11 ሰነ 2014 ዓ.ም. ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ቀበሌታት ቶሌን ሰኔን ንሸሞንተ ሰዓታት ብዝወሰደ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከብዎም ኣስታት 400 ሰላማውያን ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝቐተሉ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ​​መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት’ውን ኣማኢት ኣባይቲ ከምዘቃጸሉን ከምዝሰረቑን ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።

ብመሰረት መረዳእታ ሳተላይት ኣብ ሓሙሽተ ገጠራት ባርዕ ሓዊ ከምዝተልዓለን ኣስታት 480 ህንፃታት ከምዝዓነዉን ይጠቅስ።

'ሓይልታት መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ኣይገበሩን'

"ዕጡቓት ሓይልታት ነተን ቁሸታት በብሓደ ኣዕነዮምን ንመላእ ስድራቤት ብጭካነ ቀቲሎምን እዮም። እዚ ኩሉ ክግበር ከሎ እቶም ኣብ ቀረባ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ኣይገበሩን" ትብል ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሽያ ባደር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ መጥቃዕቲ ተኣማንነት ዘለዎን ነፃን ምርመራ ከካይድ፣ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ኣለልዩ ንዝተጎድኡ ድማ እኹል ሓገዝ ክገብር ከምዘለዎ እታ ዋና ዳይሬክተር ትገልጽ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ሓይልታት መንግስታን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኦሮሞን ካልኦት ውሑዳት ብሄራትን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘስዓበ ይሕብር።

በቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ዓ.ም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ።

"… 'ውድእዎም። ከይትገድፍዎም' …"

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ 37 ሰባት ብቴሌፎን ኣዘራሪቡ፡ መንነት ናይቶም ዝሞቱ ካብ ነበርቲ ረኺቡ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ቅድሚን ድሕሪን እቲ መጥቃዕቲ ብሳተላይት ዝተሳእለ ምስሊ መርሚሩ እዩ።

ኣብ ስራሕ ዝነበረ ሓደ ሓረስታይ፡ ኣብ ከባቢ ገዝኡ ትኪ ርእዩ ከምኡ’ውን ተኹሲ ሰሚዑ ናብ መረበቱ ክምልስ ከሎ፡ እቲ ከባቢ ብዕጡቓት ተኸበቡ ከምዝነበረ ገሊጹ።

“ደቀይ ሒዘ ናብ ጫካ ኣትየ ተሓቢአ። እቶም ዕጡቓት ከቢድ ዕጥቂ ነይርዎም። ‘ወድእዎም። ከይትገድፍዎም’ ክብሉ ሰሚዐዮም" ኢሉ።

ኣብ ጨቆርሳ ምስ ወዳ ናብ ግራት ዝሃደመት ሓንቲ ኣደ፡ ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ወዳ ኣብቲ ተሓቢኦም ዝነበሩሉ ቦታ ክበኪ ከም ዝጀመረ ትዝክር።

"እቲ ህጻን ክበኪ ከሎ ሓደ ካብኣቶም ናብ ኣንፈትና ኣመልኪቱ 'ኣብኡ ርኣይ' ኢሉ። ንወደይ ብጥይት ቀቲሎምዎ። በቲ ዝተኸደንክዎ ክዳን ነቲ ሬሳ ሸፊነዮ። እታ ካልእ ጓለይ ኣብ ሕቖኣ ተሃሪማ እታ ጥይት ብክሳዳ ወጺኣ። ንጓለይ ኣብ ኣፍልበይ ሓቚፈ ኣላህ ክሕልዋ ጸሎት ጀሚረ" ትብል።

ብውሕዱ ኣብ ሽዱሽተ ዓድታት ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝተቐትሉ ንቶም ዝሞቱ ዝቐበሩ ነበርቲ ሓቢሮም።

እቲ መራሒ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ሲልሳው 112፣ ኣብ ጨቆርሳ 105፣ ኣብ ጉቱ 37፣ ኣብ ቤጊ 72፣ ኣብ ሃያዋ 16፣ ኣብ ሰኔ ድማ 16 ከምዝተቐትሉ ምግላጹ እቲ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ክሳብ 23 ሰነ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለፂ መንነት 338 ሰባት ከምዝተለለየ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ቀሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመን ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱን መራኸቢ ብዙሃን ከምዝፀብፀቡ ኣዘኻኺሮም።

ሰብኣዊ ሓገዝ

ካብ ቶሌ ጥራይ 4800 ሰባት ከምዝተመዛበሉ ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ካብ ምዕራብ ኦሮሚያ ድማ 500 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

እቲ ትካል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ቅልጡፍ ስጉምቲ፡ "ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ዝተወስደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ንምድልዳል" ምዃኑ ገሊጹ።

ፓርላማ እታ ሃገር ብተወሳኺ ኣብ ኦሮሚያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝምርምር ፍሉይ ኮሚቴ ክምስረት ወሲኑ እዩ።

ኣብ ነበርቲ ቀበሌ ቶሌ፡ ሰኔን ቦኔን ምርመራ ብዝምልከት ዝተራእየ ግን ኣዝዩ ሒደት ከምዝኾነ ይጥቁም።

ሓላፊት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸሌትን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ናጻ መርመራ ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ኣብ ስግኣት ጸኒሖም እዮም። ዝቕፅል መጥቃዕቲ ከይፍፀም ሕጂ'ውን ኣብ ሓደጋ ይነብሩ ኣለው" ትብል ለቲሻ ባድር።

"ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ህፁፅ ስጉምቲ ንምውሳድ፡ ነቶም ዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ህፁፅን እኹልን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብን ናጻ መርመራታት ንምግባርን ዝኣተውዎ መብጽዓ ብህጹጽ ክፍጽሙ ይግባእ።"

መንግስቲን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ሰብኣዊ ሓገዝ እኳ እንተገበሩ ነበርቲ ግን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ይገልጹ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ነቲ ጉድኣት ኣብ ምጽራይን ምልላይን ዘመዝገቦ ምዕባለታት ጸብጻብ ከፍልጥ ሓቲቱ።

ነቶም ግዳያት ህጹጽ ሰብኣዊ ደገፍ ክወሃብ፡ ተራ ናይቶምኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ክጻረ፡ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ናፃን ዘይሻራዊን ምርመራ ክግበር ሓቲቱ።

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ካልኦት ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ንብረቶምን ዝፍፅምዎ ዘይሕጋዊ መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ከብሉ’ውን ፀዊዑ።

ብተወሳኺ ኣብ ዘይሕጋዊ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ኣባላቶም ክቐጽዑ ሓቲቱ’ሎ።