እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"22 ደቀይን ደቂ ደቀይን ዝርከብዎም 61 ሰባት ቀቢረ" ካብ መጥቃዕቲ ጊምቢ ዝደሓነ ኣቦ
ብኣቆጻጽራ ግእዝ ሰንበት 11 ሰነ 2014 ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ቶለ ቀበሌ ብዘጋጠመ ህልቂት ብዙሓት ኣባላት ስድራቤታት ተቐቲሎም እዮም።
መሓመድ ዩሱፍ ሓደ ካብዞም ነበርቲ እዩ።
ወዲ 64 ዓመት መሓመድ፡ ካብ ትውልዲ ዓዱ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ሃርቡ፡ ኣብ 1990 ዓ.ም እዩ ናብ ወለጋ ግዒዙ።
ኣብቲ ግዜ ካብ ዝነበረ ከቢድ ድርቂ የምልጡ ነይሮም።
መንእሰይ ኰይኑ ዝተመርዐዋ ሰበይቱን ሽዱሽተ ደቆምን ሒዙ እዩ ከይዱ።
ብድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ብሕጋዊ መንገዲ መሬት ተዓዲሎም፣ ግብሪ እናኸፈሉ መነባብሮኦም ይደፍኡ ነይሮም።
ኣብኡ ድማ ወሲኾም ውሉዳት ኣፍረዩ። ደቂ ደቆም እውን ርእዮም።
"ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ስግኣት ተራእዩ ኣይፈልጥን። ሓሪስና ኢና ንነብር ነይርና" ኢሉ መሓመድ።
“ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ግን እቲ ከባቢ ምስተዘመተ፡ ‘ህጻናትን ኣንሽትን ኣይቐትሉን’ ብዝብል ደቀይን ደቂ ደቀይን ኣብ ገዛ ማዕጾ ዓጽየዮም ወጺአ። ኣነ ድማ ኣብ ግራት ምሸላ ተሓቢአ ” ይብል።
እቲ ንልዕሊ ፍርቂ መዓልቲ ዝቐጸለ ተኹሲ ሃዲኡ ናብ ዓዶም ከም ዝተመልሱ ድማ ሓቢሩ።
ኣብ ገዛ ምስ በጽሑ፡ እቲ ማዕጾ ብገፊሑ ተኸፊቱ ነይሩ።
ናብ ውሽጢ ምስ ኣተዉ እቶም ዝገደፎም ኣባላት ስድራ ኣብ ገዝኦም ኣይነበሩን።
"ድሕሪኡ ኣብዚን ኣብቲን ኮለል ኢለ ኣሊሸ" ይብል።
ምስታ ናይ ቁልዕነት መጻምዱ ዝኾነት ኣደ ደቁ ኣብ ጽርግያ ተራኸቡ።
እታ ኣብ ቅልጽማን ኣብ ኢዳን ብጥይት ዝተሃርመት በዓልቲ ቤቱ ብደም ተሓጺባ ነይራ።
“ሰንቢድና ኢና። ኣነ ድማ ‘እቶም ቈልዑኸ’ ኢለ ሓተትክዋ”።
ኣብጥቓ ሓደ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ መስጊድ ከም ዝተቐትሉ ነጊራቶ።
ብጉያ ኣብ’ቲ ቦታ በጽሐ።
ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ግን ኣይነበረን።
ሕርቕርቕ እናበለ፡ “እታ ሓራስ ከይተረፈት፡ ነንሕድሕዶም ተደራሪቦም ርእየዮም” ይብል።
"ኣብቲ ከባቢ ጥራይ ኣባላት ስድራይ ዝርከብዎም 42 ሰባት ተጨፍጪፎም" ይብል።
መሓመድ ክሳብ ሕዚ ንብዓቱ ኣይተሓበሰን።
"በኹሪ ውላደይ ሳሚራ መሓመድ ምስ ሓሙሽተ ደቃ፡ ኣሚናት መሓመድ ምስ ኣርባዕተ ደቃ፣ ኣመት መሓመድ፣ ሰዓዳ መሓመድ፣ ፋጢማ መሓመድ ምስ ሓሙሽተ ደቃ፡ መሬማ መሓመድ ድማ ምስ ክልተ ደቃ ተቐቲለናኒ" ኢሉ።
ከም ኣገላልጻ መሓመድ፡ ካልኦት ደቂ ሓፍቱ’ውን ዝሞቱን ዝቖሰሉን ኰይኖም፡ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ሆስፒታል ነቀምቴን ጊምቢን ይሕከሙ ኣለዉ።
ካብቶም ዝተቐትሉ እታ ዝዓበየት ጓል 40 ዓመት ሰሚራ መሓመድ፡ ቦኽሪ ገዛ ኰይና፡ እታ ዝነኣሰት ድማ ጓል ኣርባዕተ መዓልቲ ጓል ሓፍቱ ዕሸል ከምዝዀነት ተዛሪቡ።
"ደቀይን ደቂ ደቀይን፡ ብድምር 61 ሰባት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ብሓባር ተቐቢሮም" ይብል መሓመድ።
“ብዘይካ ሓሪስና ምብላዕ ካልእ ኣይበደልናን። ኣምሓሩ ስለዝኾንና ጥራሕ እዮም ቀቲሎምና ”ኢሉ።
ናይ መሓመድ ገዛ፣ መኽዘንን ንብረትን ድማ ብሓዊ ከምዝዓነወ ገሊፁ።
ሕዚ ኣብቲ ካብ ባርዕ ሓዊ ዝተረፈ ገዛ ምስ ስድራቤቱ ይነብር ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ብኣፈይ ደም ይፈሰኒ ኣሎ፤ ኣእምሮይ ኣይሰርሕን ዘሎ፡ ”ኢሉ መሓመድ።
ከምኣገላልጻኡ፡ እቲ ከባቢ ክሳብ ሕዚ ውሑስ ኣይኮነን።
“ናበይ ክትከዱ ኢሎም መሊሶምና ‘ምበር፡ ንሕና ግን መንግስቲ ከውጽኣና ኢና ደሊና። ንፈትዎም ሰባትናን ስድራናን ኣብ ድሕሪት ገዛና ቀቢርና እንታይ ክንነብረሉ” ኢሉ ይሓትት።
ወሲኹ ድማ፡ “እተን ብህይወት ዝተረፋ ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ኣብ ጕዕዞ እየን ዘለዋ” ይብል።
ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ሓላፊ ናይቲ ከባቢ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መብዛሕትኦም ኣብቲ ብ11 ሰነ ዝተፈጸመ ህልቂት ዝተቐትሉ ነፍሰጾራት፡ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖምን፡ መሓመድ ዩሱፍ ድማ 22 ቆልዑን ደቂ ደቁን ከምዝሰኣነ ኣረጋጊጹ።
ኣብ’ቲ ቀብሪ ከምዝነበረ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ደቂ ክልተ ን ፈረቓን ዝርከቦም ክልተ ደቂ 7 ዓመትን ዓሰርተ ዓመትን ኣዝማዱን ከምዝርከብዎም’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ናይ ጸጥታ ስግኣት ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይረኸበ’ኳ እንተገለጸ፡ እቶም ዕጡቓት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብቲ በረኻ ክንቀንሳቐሱ ከምዝጸንሑ’ውን ሓቢሩ።
“ንኣስታት ሓደ ወርሒ፡ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ክኸዱ ርኢና። ናብ ደንቢዶሎ ይኸዱ ኣለዉ ተባሂሉ። ካብ ግንቦት ጀሚሩ ግን ዝኾነ ሓበሬታ የብልናን ”ኢሎም።
እቲ ሓላፊ፡ "ምስ ወረዳ ርክብ የብልናን ፡ እንተተፀዋዕና እውን መንገዲ ስለዝተዓፀወ፡ ኣይንሳተፍን ኢና። ኣብ ቀበሌ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፀጥታ ብኣጋጣሚ እንትመፁ ጥራሕ ኢና ንረኽቦም”ኢሉ።
“ዓርቢ፡ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ካብቲ ቀበሌ ይወጹ ነይሮም። ስለምንታይ ኢልና ሓቲትና፤ ኣብ ናይ ፍርሕን ምጥርጣርን ኩነታት ኢና ኔርና።”
ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ብ11 ሰነ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ነበርቲ ምሉእ ስድራቤቶም ወይ ዝበዝሑ ኣባላት ስድራቤቶም ከምዝሰኣኑን፡ ኣብ ጮኮርሳ ዝነብር መሓመድ ድማ ኣዝማዱ ዝርከብዎም 31 ኣባላት ስድራቤቱ ከምዝሰኣኑን ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሒ መወትቲ 338 ከምዝዀኑ ክገልጽ እንከሎ፡እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ማሕበር ኣምሓራ ድማ 600 ክብል ኣቐሚጡ።
ብቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ሰባትን፡ ከምኡ'ውን መንግስቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብ'ሸኔ' ዝፍለጥ ሰራዊትሓርነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ ገሊጾም።
እቲ ጉጅለ ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተፈጸመ እዩ ዝኸስስ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብውሕዱ 2000 ሰባት ብሰንኪ ምንዳድ ኣማኢት ኣባይቲ ከምዝተመዛበሉን ዝበዝሑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምዝዀኑን ይገልጽ።
ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ብዛዕባ’ቲ ህልቂት ቅልጡፍ፣ ዘይሻራዊን ዝርዝርን መርመራ ክግበር ጸዊዖም ኣለዉ።