ኢትዮጵያ: ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ብዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው 500 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም

ብሰንኪ እቲ ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮምያ እናገደደ ዝመፅእ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብውሑዱ 500 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊፁ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት-ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛት (ኦቻ) ከምዝገለፆ፡ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዘሎ ስእነት ፀጥታ፡ ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ዞባ ካማሺን ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ናይ ዝተመዛበሉ ቁፅሪ ሰባት ሓዊሱ፡ ኣስታት 500 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ኣብ ምዕራብ ናይቲ ክልል ዘሎ ስእነት ፀጥታ፡ ኣብዚ ዓመት ተጋዲዱ ከምዝቐፀለ ዝገለፀ እዚ ፀብፃብ፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል: ዞባ ካማሺ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ብተደጋጋሚ ከምዝተመዛበሉ ሓቢሩ።

ትካላት ረድኤት ኣብዚ ኣፀጋሚ ኩነታት ሓገዝ ንምግባር ፃዕርታቶም እኳ እንተቐፀሉ፡ እዚ ፀገም እናዛየደ ይመፅእ ከምዘሎ ገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝተተኮሶም ዝሓበረ ኦቻ፡ ሰራሕተኛታት ካብ ትንኮያ፣ ጭውያን ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታን ይበፅሖም ኢሉ።

ምክትል ኮሚሽን ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ገረመው ኦሊቃ፡ ካብ ምዕራብ ወለጋ 11 ሽሕ ሰባት፣ ካብ ምብራቕ ወለጋ ልዕሊ 16 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ገሊፁ።

ፀገም ፀጥታ ኣብ ዘለወን ከባብታት፡ ብሓለዋ ኣካላት ፀጥታ እናተደገፈ ረድኤት ንምብፃሕ ይፍትን ከምዘሎ ድማ ተዛሪቡ።

እቲ ሓላፊ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ፀገም ፀጥታ ናብ ዘለዎም ከባብታት ከይዶም ንምስራሕ ከምዝፅገሙ ብምግላጽ፡ ብወገን መንግስቲ ኸኣ ብፍሉይ ኣደታትን ህፃናትን ንሓደጋ ከይቃልዑ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ፀብፃብ ኦቻ ከምዝሕብሮ፡ ንክልል ኦሮምያን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ኣብ ዘዋስኑ ከባብታት ዝለዓሉ ተደጋጋሚ ጎንፅታት ንስራሕቲ ረድኤት ብድሆ ከምዝኾነን፡ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ቄለም ወለጋ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስትን ኦነግን ዝካየድ ውግእ ንስራሕቲ ረድኤት ኣተዓናቒፍዎ ይርከብ።

ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ብሰንኪ መሕለፊ መገዲ ዘይምህላው፣ ሕፅረት እኹል በጀትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ከምዝተዓናቐፍ ፀብፃብ ኦቻ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ዘጋጠሞም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ብ 22 ሚእታዊት ዝወሰኸ እንትኾን፡ ኣብ ነፍሰፆር ደቂኣንስትዮን ኣደን ድማ ብ 42 ሚእታዊ ከምዝዛየደ ኦቻ ገሊፁ።

ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ፡ ሃነፅቲ ምግብታት ከብፅሕ ከምዘይኽኣለ ድማ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባብታት ገጠራት ረድኤት ንምብፃሕ በዳሂ ከምዝኾነ ዘመልከተ እቲ ፀብፃብ፡ ኣብ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋን ዞባ ካማሺን ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ ሰባት ረድኤት ምቕራብ ኣይተኽኣለን ኢሉ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብዝተፈፀመ ዕንወትን ዝምታን 426 ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ከምዘይህባ ድማ ሓቢሩ።

ኣብ ምብራቕ ወለጋ 144 ኣብያተ ትምህርቲ ዝተዓፀዉ እንትኾኑ፡ 62 ሽሕ ተምሃሮ ትምህቲ ኣቋሪፆም፤ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ከኣ 184 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፅዮም፡ 89 ሽሕ ተምሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ኣይርከቡን።

ፀብፃብ ኦቻ፡ "መንገዲ ስለዝዕፀው ነበርቲ ናብ ዕዳታ ክኸዱ ኣይኽእሉን። ኣብያተ ፅህፈት መንግስቲ ኣታዊታት ንምርካብ ይፅገሙ" ኢሉ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ገበናት ኣዝዮም ይውስኹ ከምዘለዉ ድማ እቲ ፀብፃብ ጠቒሱ።

ካብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ጀሚሩ: ምዕራብ ኦሮሚያ ሰባት ብግፍዒ ዝቕተልሉ፣ ዝመዛበልሉን ንብረት ዝዓንወሉን ከባቢ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።

ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ወርሒ ሰነ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ብተኸታታሊ መዓልቲ ብዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ይግለፅ።

መንግስቲ እታ ሃገር ኣብቲ ከባቢ ንዝፍፀም ቅትለትንን ዕንወትን ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝኸስስ እኳ እንተኾነ፡ ኦነግ ግና ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ከምዘይፍፅምን መንግስቲ ሰላማውያን ሰባት ይቐትል ከምዘሎን እዩ ዝገልፅ።