እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዛንታ'ቲ ምስ ሄሊኮፕተሩ ናብ ጣሊባን ኢዱ ዝሃበ ፓይለት
መሓመድ እድሪስ ሞማንድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ “ብዙሓት ሰባት ብኣይ ሕጕሳት ዘይክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣነ ግን ይብል ኣለኹ፡ እዛ መሬት ልክዕ ከም ኣደ እያ፤ ዝዀነ ሰብ ከኣ ክኸድዓ የብሉን” ኢሉ።
መሓመድ፡ ኣፍጋኒስታን ኣብ ኢድ ጣሊባን ቅድሚ ምውዳቓ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ምምራሕ ሄሊኮፕተር ዝተማሃሩ ፓይለታት’ዩ።
እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጣሊባን ንካቡል ክሕዛ ኣብ ዝቐራረበሉ ዝነበረ እዋን፡ ሄሊኮፕተር ሑዙ ናብቶም ክዋግኦም ኢሉ ብረት ዝዓጠቐሎም ጣሊባን ኢዱ ሂቡ።
መሓመድ ኣብ ታሪኽ ኣፍጋኒስታን ሄሊኮፕተር ሒዙ ናብ ጸላኢኡ ኢዱ ዝሃበ ናይ መጀመርታ ፓይለት’ዩ።
“ኣነ ናይ ኣፍጋኒስታን ንብረት ምሕላው’ዩ ዕላማይ” ብምባል ከኣ የረድእ።
ንሱ ኣብ 2009’ዩ ናብ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ተጸንቢሩ።
ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ፡ ኣብ ዌስት ፖይንት ዝብሃል ቦታ ንኣርባዕተ ዓመታት ብወተሃደራት ኣሜሪካ ምምራሕ ሄሊኮፕተር ተማሂሩ።
ክምሃር እንከሎ፡ ንሓደ ወተሃደር ምምራሕ ሄሊኮፕተር ንኽምሃር ክሳብ 6 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከም ዝግበረሉ በቶም ዓለምቱ ተነጊርዎ’ዩ።
መሓመድ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ምርካቡ ኣዝዩ ሕጕስ’ዩ።
ነታ ኣብ ኣሜሪካ እንከሎ ንልምምድ ወጺኡ ናይ ምትኳስ ፈተነ ዘካየደላ መዓልቲ ኣይርስዓን’ዩ።
“ኣዝየ ሕጕስን ህንጡይን’የ ነይረ። ኣብ ህይወተይ ሄሊኮፕተር ሒዘ ሰማይ ሰማይ ክኸይድ ዘኽእል ዕድል ከጓንፈኒ’ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈለጥን’የ፡” ይብል።
ኣርባዕተ ዓመታት ዝወሰደ ልምምድ ድሕሪ ምግባር፡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ስድራኡ ክርኢ ጀሚሩ።
ከይደንጐየ፡ ስርሓት ሩስያ ዝዀነት ኤም ኣይ 17 ዝዓይነታ ሄሊኮፕተር ሒዙ ኣብ ምዕራብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝርከብ ሄራት ኣብ ዝበሃል ቦታ ተመዲቡ።
“ኣብ መወዳእታ 2018 ሓዲሽ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ኣየር ዝተመሃርና መንእሰያት ‘ብላክ ሃውክ’ ዝዓይነተን ሄሊኮፕተራት ከነብርር ስለ ዝተሓረና፡ ናብአን ተሰጋጊረ” ይብል።
እዘን ሄሊኮፕተራት ንቀረብን ንመጓዓዝያን ዘገልግላ ዓበይቲ ሄሊኮፕተራት’የን።
መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ መላፍንቱ ብምዃን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበሩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብታ ሃገር ምስ ወጽኡ፡ ኣፍጋናውያን ንሃገሮም ካብ ጣሊባን ንኽከላኸሉ ብምሕላን ዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላራት ብምውጻእ ንሰራዊት ኣፍጋኒሰታን ኣሰልጢኖምን ኣዕጢቘምን’ዮም።
እንተዀነ እዚ ሕልሚ’ዩ ኰይኑ ተሪፉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ሚያዝያ 2021 ሰራዊት ኣሜሪካ፡ 11 መስከረም ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሉ ክወጽእ ምዃኑ ምስ ሓበረ፡ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ዝቈጻጸሮም ዝነበረ ሓያሎ ቦታታት ብጣሊባን ክምንዛዕ ግዜ ኣይወሰደን።
ሰራዊት ኣሜሪካ 31 ነሓሰ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ኣብ ዝጀመረሉ ኸኣ፡ ጣሊባን ናብ ርእሰ ከተማ ካቡል ክጽጋዕ ኣይደንጐየን።
6 ነሓሰ ጣሊባን ንሓንቲ ርእሰ ከተማ ናይ ሓደ ዞባ ተቘጻጸረ።
በብሓደ ንብዙሓት ከተማታት ድሕሪ ምሓዝ 15 ነሓሰ ንካቡል ብዘይ ኵናት ተቘጻጺርዋ።
እቲ ብዓሰርታት ቢልዮናት ዶላር ዝዓጠቐን ዝሰልጠነን ሰራዊት ኣፍጋኒሰታን ብቕጽበት ሃደሽደሽ ኢሉ።
ብዙሓት ካብ መራሕቲ እታ ሃገር ናብ ወጸኢ ሃዲሞም፤ ዓሰርታት ኣሽሓት ኣፍጋናውያንን ወጻእተኛታትን ካብታ ሃገር ብህጹጽ ክወጽኡ ተዲዶም።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቶም ዋላ ሓንቲ ከይተዋግኡ ዝሃደሙ መራሕቲ እታ ሃገር ብተሪር ነቒፍዎም።
መሓመድ፡ 14 ነሓሰ ናብቲ ኣብ ካቡል ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣንጊሁ ከም ዝኸደ’ዩ ዝሕብር።
እቲ ኣብቲ መዓስከር ዝጸንሖ ኵነታት ወጥሪ ዝዓሰሎ’ዩ ነይሩ።
ምኽንያቱ ጣሊባን ድሮ ናብ ወሰናስን እታ ከተማ ተጸጊዑ ነይሩ።
ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ክሃድሙ ይዳለዉ ከም ዘለዉ ዝሕበር ጽንጽንታ’ውን ኣብ ኣእዛን ኵሉ ሰብ በጺሑ ነይሩ’ዩ።
እቲ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ወተሃደራት ኣሜሪካ’ዩ ነይሩ።
ክሳብ መዓስ’ዩ ከምኡ ኢሉ ክጸንሕ ግን ዝዀነ ዝግመቶ ኣይነበረን።
መሓመድ “ኣብቲ ሓይሊ ኣየር ሓላፊና ዝነበረ ኮማንደር፡ ኵልና ፓይለታት ነተን ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ሒዝና ናብ ኡዝበኪስታን ክንከይድ ሓቢሩና” ይብል።
በቲ ትእዛዝ ግን መሓመድ ኣይተሓጐሰን።
“ኣዛዝየይ ንሃገረይ ክኸድዓ’ዩ ዝእዝዘኒ ነይሩ፤ ንኸምዚ ዓይነት ትእዛዝ'ከ ከመይ ኢለ ክቕበሎ እኽእል?” ይብል።
መሓመድ ዝዀነ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዱ ናብ ስድራኡ ብምድዋል ምኽሪ ሓቲቱ።
ወላዲኡ፡ “እታ ሄሊኮፕተር ናይ ኣፍጋኒስታን’ያ” ብምባል ንሃገሩ ብምኽዳዕ ካብታ ሃገር እንተወጺኡ ንዘልኣለም ይቕረ ከም ዘይብለሉ ገሊጽሉ።
መበቆል ዓዱ ትርከበሉ ኣብ ምብራቕ ኣፍጋኒስታን ትርከብ ዞባ ኩናር ድሮ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ጣሊባን ኣትያ ነይራ።
ኣቦ መሓመድ ድሮ ናብ ኣመሓደርቲ እቲ ዞባ ደዊሉ ብምዝርራብ፡ መሓመድ ምስ ሄሊኮፕተሩ ናብቲ ዞባ እንተመጺኡ ዝጻብኦ ሰብ ከም ዘይህሉ ተሓቢርዎ።
ካብዚ ብምብጋስ መሓመድ ብዛዕባ ምህዳም ክሓስብ ጀሚሩ፤ እንተዀነ እቶም ኣብታ ሄሊኮፕተር ኣባላቱ ዝዀኑ ሰባት ዝተርፉሉ ኣገባብ ከናዲ ነይርዎ።
“ነፍሲ ወከፍ ብላክ ሃውክ ኣርባዕተ ኣባላት’ዮም ዘለዉዋ። በቲ ኣነ ዘውጻእክዎ ውጥን ክሰማምዑ ከም ዘይክእሉ ኸኣ ኣዝየ ርግጸኛ’የ ነይረ። ንህወተይ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ነታ ሄሊኮፕተር ክዕንውዋ’ውን ምኽኣሉ ነይሮም” ይብል።
ንህይወተይን ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ሓሳብ ከመንጩ ነይሩኒ።
“ነቲ ኣዛዚና፡ እታ ሄሊኮፕተር ቴክኒካዊ ጸገማት ከም ዘለዋ ብምሕባር ሕጂ ክትበርር ከም ዘይትኽእል ነጊረዮ። እቶም ኣባላተይ ነዚ ምስ ሰምዑ ነነጢሮም ካብታ ሄሊኮፕተር ብምውራድ፡ ናብተን ካልኦት ናብ ኡዝበኪስታን ዝብገሳ ዝነበራ ሄሊኮፕተራት ከይዶም።"
ኵለን ሄሊኮፕተራት ምስ ከዳ፡ መሓመድ ንበይኑ ክፍትና’የ ብምባል ናብቲ 30 ደቓይቕ ጥራይ ዝወስደሉ ዞባ ኩናር በረራ ጀሚሩ።
“ንኽፍሊ ምቁጽጻር በረራታት እቲ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካውያን’ዮም ዝቈጻጸርዎ ነይሮም። ብራድዮ ናብ ኡዝበኪስታን ይኸይድ ምህላወይ ብምሕባር፡ ቅሩብ ደቓይቕ ምስ ተጓዓዝኩ ራዳረይ ብምጥፋእ ትኽ ኢለ ናብ ኩናር ኣምሪሐ" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ “ኣብታ ዓደይ ኣብ ጥቓ ገዛና ዓሊበ፤ ካብ ጣሊባን ፍቓድ ምስ ተዋህበኒ ነታ ሄሊኮፕተር ዳግማይ ብምልዓል ናብቲ ሄሊኮፕተራት ነዳዲ ዝመልኣሉ ቦታ ወሲደያ” ይብል።
ንዝወሰዶ ስጕምቲ ካብ ስድራኡ፡ ኣዕርኹቱን ጐሮባብቱን ምሉእ ደገፍ ከም ዝረኸበሉ’ዩ ዝሕብር።
“እቶም ኣሜሪካውያን ኣማኸርቲ ሰለስተ ግዜ መልእኽቲ ጽሑፍ ሰዲዶምለይ። ዋላ ነታ ሄሊኮፕተር ገዲፍካ ምስ ስድራኻ ምጻእ ካብዚ ዓዲ ከነውጽኣካ ኢና ኢሎምኒ። ኣነ ግን ነቲ ዘቕረቡለይ ሕቶ ኣይተቐበልክዎን፡” ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021፡ ሓይሊ ኣየር ኣፍጋኒስታን 167 ሄሊኮፕተራትን ነፈርትን ከም ዝነበራኦ ሰነዳት ኣሜሪካ ይሕብር።
እንተዀነ ካብዚአን እተን ዝበዝሓ ብየዕሩኽ መሓመድ ናብ ኡዝበኪስታንን ካልኦ ሃገራትን ግዒዘን’የን።
16 ነሓሰ ብሳተላይት ዝተሰኣለ ስእሊ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኡዝበኪስታን ኤም ኣይ 17፡ ኤም ኣይ 25 ፡ ብላክ ሃውክን፡ ኤ 29 ዝዓይነተን ልዕሊ 20 ሄሊኮፕተራት ዓሊበናኦ እንከለዋ የርኢ።
ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክንደይ ሄሊኮፕተራት ኣብ ንጡፍ ስራሕ ከም ዘለዋ ዝተፈለጠ ነገር የለን።
“ሕጂ ሓያለ ኣብ ስራሕ ዝርከባ ብላክ ሃውክ ኣለዋ። ኣፍጋናውያን መሃንዲሳት ብወሑድ ጸጋታት የዐርዮም ከም ዝሰርሓ ይገብሩወን ኣለው። ቀስ ብቐስ ከኣ ነተን ዝተረፋ’ውን ጸጊንና ከም ዝሰርሓ ክንገብረን ኢና” ይብል መሓመድ።
ንሱ ነቶም ንብረት ኣፍጋኒስታን ሒዞም ናብ ካልእ ሃገር ዝኸዱ መሳርሕቱ ጌጋ ከም ዝገበሩ’ዩ ዝገልጽ።
“እዞም ሄሊኮፕተራት ሒዞም ናብ ኡዝበኪስታን ዝኸዱ፡ ነዛ ሃገር’ዮም ጥራያ ኣትሪፎማ። እተን ሄሊኮፕተራት ናይ ኣፍጋኒስታን’የን፤ ኣዝየን ድማ ክቡራት’የን። ተመሊስና ንረኽበን’ውን ኣይመስለንን።”
መሓመድ፡ ብኣሜሪካ ሰልጢኑ ናብቶም ኣንጻር ኣሜሪካ ዝዀኑ ጣሊባን ክብርቲ ሄሊኮፕተር ሒዙ ምኻዱ ጌጋ ከም ዘይኮነ’ዩ ዝገልጽ።
“መንግስታት ኵሉ ግዜ ይቐያየሩ’ዮም፡ ከምዚ ከማይ ዝዀነ ህዝቢ ኸኣ ናይ ሃገር’ዩ፤ ንሃገር ድማ’ዩ ዘገልግል። ወተሃደር ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ከእቱ የብሉን፤ ሃገር ኣብ ከምዚ ከማይ ዝኣመሰለ ሞያውያን ብዙሕ ንዋት’ያ ኣፍሲሳ” ብምባል እቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣዝዩ ቅኑዕ ምንባሩ’ዩ ዝገልጽ።
ዋላ’ኳ ጣሊባን ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ንኣፍጋኒስታን እንተመርሓ፡ ዝዀነት ሃገር ከም ሕጋዊ መንግስቲ ኣይተቐበለቶን ዘላ።
መሓመድ ግን ዋላ ከምኡ ይዅን ኣብ ሓሳቡ ጽኒዑ ከምዝኸይድ’ዩ ዝሕብር።
“ክሳብ መወዳእታ ሕልፈት ህይወተይ በዚ ሞያይ ንሃገረይ ምግልጋል ክቕጽል’የ” ኸኣ ይብል - መሓመድ።