እስራኤል፡ ፈነወ ኣልጀዚራ ተዓጽዩ ቤት ጽሕፈቱ ተዘሚቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ እስራኤል፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ መርበብ ተሌቪዥን ኣልጀዚራ፡ ‘ልሳን ሓማስ’ ኢላ ብምኽሳስ፡ ነቲ ኣገልግሎት ብምዕጻው፡ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝተዘምተ ተፈሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናቐጸለ እንከሎ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ነቲ ስጕምቲ ንምውሳድ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ።
ፖሊስ ትማሊ ሰንበት ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ሆቴል ኣምባሳደር ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ኣገልግሎት ዘመተ ኣካይዱ።
ኣልጀዚራ፡ ‘ንጸጥታ እስራኤል ሓደጋ እዩ ‘ዝብል ክሲ ‘ሓደገኛን መስሓቕን ሓሶት’ ኢሉዎ።
እቲ ቻነል "ነፍሲ ወከፍ ሕጋዊ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ" መሰሉ ዝተሓለወ ምዃኑ ገሊጹ።
ሚኒስተር መራኸቢታት እስራኤል ሽሎሞ ካርሂ ኣብቲ ዘመተ ኣቝሑት ከምዝተወሰደ ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ዝለጠፎ ቪድዮ፡ ኣባላት ፖሊስን ተቘጻጸርትን ካብቲ ሚኒስትሪ ናብ ሓደ ክፍሊ'ቲ ሆቴል ክኣትዉ የርኢ።
ጕጅለ ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ'ኳ እንተነበረ፡ ዝዀነ ምስሊ ከይወስድ ወይ ናብቲ ሆቴል ከይኣቱ ብፖሊስ ተኸልኪሉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ኣገልግሎት ሳተላይት እስራኤል ‘የስ’፡ "ብመሰረት ውሳነ መንግስቲ፡ ፈነወ መደበር ኣልጀዚራ ኣብ እስራኤል ደው ኢሉ ኣሎ" ዝብል መልእኽቲ ዘርጊሑ።
እቲ ምዕጻው ግዝያዊ ምዃኑ ዝተሓበረ ኰይኑ፡ እቲ ቻነል ክሳብ ሕጂ ኣብ እስራኤል ብመገዲ ፌስቡክ ይረአ ኣሎ።
ብርክት ዝበሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፕረስን ነቲ ስጕምቲ ነቒፎም።
ማሕበር ሲቪላዊ መሰላት ኣብ እስራኤል (ACRI)፡ ነቲ እገዳ ክለዓል ትእዛዝ ንኽወሃብ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ሕቶ ከምዘቕረቡ ገሊጹ።
እቲ ጕጅለ፡ እቲ ፈነወ ንሓማስ መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ እዩ ዝብል ኣበሃህላታት "መሰረት ዘይብሉ" ምዃኑ የረድእ።
እቲ እገዳ ብወሳኒ፡ "ዝያዳ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ኣጀንዳ ዝሓዘለን፡ ንነቐፍቲ ድምጽታት ስቕ ንምባልን ንማዕከናት ዜና ዓረብ ዒላማ ንምግባርን ዝዓለመ" ምዃኑ ገሊጹ።
ማሕበር ፕረስ ወጻኢ ሃገራት፡ መንግስቲ እስራኤል ንውሳነኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉን ኣተሓሳሲቡ፡ ምዕጻው ኣልጀዚራ ኣብታ ሃገር "ንኹሎም ደገፍቲ ናጻ ፕረስ ስክፍታ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።
ኤፍፒኤ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እስራኤል ሕጂ "ናብ ጕጅለ ምልካውያን መንግስታት" ትጽንበር ከምዘላ ብምግላጽ፡ ሚስተር ነታንያሁ ካልኦት ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ዒላማ ናይ ምግባር ሃቐነ ከምዘለዎ ኣጠንቂቑ።
ዳይረክተር ፕሮግራም ኮሚቴ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ) ካርሎስ ማርቲነዝ ደ ላ ሰርና እውን፡ ተመሳሳሊ ስክፍታታት ብምንጽብራቕ፡ "ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል ኣልጀዚራን ኵለን ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜናን ኣብ እስራኤል ብፍላይ ኣብ እዋን ኲናት ብናጽነት ክሰርሑ ክፈቅድ ኣለዎ" ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት'ውን ንመንግስቲ እስራኤል ነቲ እገዳ ክመልሶ ፀዊዑ።
ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ናብ ቓዛ ከይኣትዉ ኣብ ዝተኸልከልሉ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ኣልጀዚራ ገለ ካብቶም ኣብ ባይታ ዝነበሩ እንኮ ሪፖርተራት ነይሮም።
ንዓመታት ሰበስልጣን እስራኤል ነቲ መርበብ ጸረ እስራኤል ወገናውነት ከምዘለዎ ይኸስዎ ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፓርላማ እስራኤል፡ ኣብ እዋን ኲናት ኣንጻር ሓማስ ንሃገራዊ ድሕነት ከም ሓደጋ ዝቝጸሩ ናይ ወጻኢ ፈነወታት ንመንግስቲ ንግዚኡ ክዓጽዎም ስልጣን ዝህብ ሕጊ ኣጽዲቑ ነይሩ።
ዋና ቤት ጽሕፈት ኣልጀዚራ ዝርከበላ ቐጠር፡ ኣብዚ ሕጂ ዳርጋ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ግጭት ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ትሽምግል ኣላ።
ቅድሚ ሕጂ ብመንጎኝነት ቐጠር ዝተኻየደ ድርድር፡ ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባልን ኣብ ሕዳር 105 ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክፍትሑን ምኽንያት ኮይኑ።
ኣልጀዚራ፡ እስራኤል ንሰራሕተኛታታ ኮነ ኢላ ዒላማ ገይራ ክትብል ከሲሳ።
ወዲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣልጀዚራ ቓዛ ዋኤል ኣል-ዳህዱሕ ሓምዛ ኣል-ዳሕዱሕ ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ብደብዳብ እስራኤል ተቐቲሎም። እስራኤል ንጋዜጠኛታት ዒላማ ትግበር እያ ንዝብል ክሲ ኣይትቕበልን።
"እስራኤል ጋዜጠኛታት ብምቕታልን ብምእሳርን ገበናታ ንምሽፋን ናጻ ፕረስ ምዕፋና፡ ግቡእና ካብ ምፍጻም ኣይዓግተናን" ክብል እቲ መርበብ ነቲ ናይ ሰንበት እገዳ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







