እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ቆቦ ገዛ ንገዛ ፈተሻ ኣካይዶም' -ነበርቲ
ኣብ ኢትዮጲያ፡ እቲ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈጥረ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምዕባለ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ተገይሩ ዝነበረ ምቍራጽ ተጻብኦ ዘሰናኸለ እዩ።
ብሰንበት ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ቆቦ ከምዝተቖፃፀሩ ክሕብሩ እንከለዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሕ ህልቂት ንምትራፍ ብዝብል" ሰራዊት ፌደራል ካብ ከተማ ቆቦ ከምዝወጸአ ይገልጽ።
ቢቢሲ ኣብ ቆቦን ከባቢኡን ዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ናይቲ ከባቢ ነበረቲ ኣዘራሪቡ ነይሩ። እዞም ንድሕነቶም ኣስማቶም ክጥቀስ ዘይፈቐዱ ነበርቲ፡ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ወሎ ሰራዊት መንግስቲ ፌዴራል፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ኣባላት ፋኖን ምስ ሓይልታት ትግራይ ኲናት የካይዱ ከምዘለዉ ገሊፆም።
ቢቢሲ ነዞም ነበርቲ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪን ሰንበት ንግሆን እዩ ኣዘራሪብዎም። ካብ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ከባቢ ንምሕታት ሰኑይ ንግሆ ዝተገብረ ፈተነ ብሰንኪ ምቁራጽ ቴሌፎን ኣይሰመረን።
"ገዛ ንገዛ ፈተሻ ነይሩ"
ካብ ቆቦ ኣብ ዘይትርሕቕ ከተማ ሮቢት ብተሌፎን ዘዘራረብናዮ ነባሪ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ቆቦ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዝነበረን ድሕሪ ቀትሪ ድማ እቲ ውግእ ከምዝተጠናኸረን ሓቢሩ።
"ከምቲ ዝሓለፈ ኣብታ ከተማ ዝተወደበ ውግእ ኣይነበረን" ዝበለ እቲ ነባሪ ከተማ ሮቢት ሓይልታት ትግራይ "ከባቢ ሰዓት 11 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ከተማ ቆቦ ኣትዮም" ክብል ተዛሪቡ።
ወሲኹ’ውን ሓይልታት ትግራይ ኣብታ ከተማ እናተዘዋወሩ ፈተሻ ከም ዝገበሩ ብምሕባር "ገለ ገዛውቲ እናፈተሹ 'ኣጆኹም፡ ዋላ ሓንቲ ኣይንገብረኩምን። ዝተሓብአ ወተሃደር ምክልኻል እንተሃልዩ ጥራይ ኣውጽኡ' ይብሉ ነይሮም" ይብል።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ቆቦ፡ ሰራዊት ፌደራል ሓንሳብ ወጺኡ፡ ጸኒሑ ድማ ኣትዩ ብዝብል ወረ ከምዝተረበሸ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ትግራይ “ምስ ኣተዉ ‘ፋኖ ውጻእ’ ኢሎም ይጭድሩ ነይሮም” ይብል።
"እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይንፈልጥን" ዝበለ እቲ ነባሪ፡ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ቀረብ ከምዘዳለውን ዝያዳ ክውስኽ ክብል እቲ ኲናት ከምዝተጀመረን ይጠቅስ።
"ከምቲ ኣብ ዓሚ ዝነበረ ኲናት ዝወጸ ብዙሕ ሰብ ኣይወጸን። ብፍላይ ኣዴታት 'ቆልዓ ሒዝካ ኮለል ምባል ይኣኽለና’ዩ። ዝገብርዎ ይግበሩ' ዝብል ስምዒት ኣለወን" ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጽ።
እቲ ኣብ ሩባ ኣለውሃ ዝነበረ ድልድል ኣብ ዝሓለፈ ኩናት ድሕሪ ምዕናዉ ብሓፂን ዝተሃንጸ ድልድል ብብርቱዕ ዝናብ ስለ ዝተሃስየ ሰባት በቲ ሩባ ከምዝሰግሩን ሓንቲ ኣደን ቆልዓን በቲ ውሕጅ ከምዝተውሳድን ይሕብር።
እቲ ኲናት ክጅምር ከሎ ኣብ ቆቦ ዝነበረ እዚ ነባሪ፡ "ኩሉ ሰብ ካብታ ከተማ ክወጽእ ኣይክእልን'ዩ" ይብል። “እቲ ዝደሊ፡ ወይ ዝፈርሕን መእሰያትን ይወጹ እዮም። እተን ኣንስትን ድኹማትን ግን እንታይ ይገብራ? ከመይ ኢለን ይወጻ?" ኢሉ።
ንሱ ግን ከም ኣጋጣሚ ናብ ወልድያ ትኸይድ መኪና ረኺቡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ወልድያ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ቆቦ ካብ ዋና ከተማ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝኾነት ወልዲያ ዘለዋ ርሕቐት 50 ኪሎ ሜተር ኣይመልእን። ካብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኣስታት 570 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ።