ኤርትራ፡ ኣብ ስልጠና ዝጸንሑ ወተሃደራት ሶማልያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ሶማልያ ብሰኑይ 16 ጥቅምቲ ናብ ሞቓድሾ ከምዝኣተው ፕረዚደንት እታ ሃገር ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብሰኑይ ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ንዝተመለሱ ወተሃደራት ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ዜና ሶማልያ - ሶና - ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ መደበር ሓይሊ ኣየር ሶማልያ ተረኺቡ ነቶም ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ወተሃደራት ከምዝተቐበሎም ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም እንከሎ፡ ነቶም ኣብ ስልጠና ከምዝርከቡ ዝተገለጸ ወተሃደራቱ ከምዝበጽሖም ተገሊጹ ነይሩ።

እቶም ሰልጠንቲ ወተሃደራት ካብ ኣሃዱታት መካናይዝድ፡ ፍሉይ ሓይሊ፡ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ምዃኖም፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብቲ እዋን ብትዊተር ሓቢሩ ነይሩ።

“ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ሰላም ክህሉ ንዝገበረቶ ኣበርክቶ” ፕረዚደንተ ሓሰን ምምስጋኑ’ውን ኣቶ የማነ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ኤክስ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቶም ወተሃደራት “ግብረ-ሽበራውያን ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተወሳኺ ሓይሊ” ምዃኖም ሓቢሩ።

መርበብ ሓበሬታ ካሲማዳ ኣብ ዝዘርግሐቶ ዜና፡ ነበርቲ ሞቓዲሾ ናብ ጐደናታት እታ ርእሰ ከተማ ብምውጻእ ነቶም ወተሃደራት ምውቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ጸብጺባ።

ብዝሒ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ሶማልያ ኣስታት 8,000 ምዃኑ’ውን ብምግላጽ፡ ብምሉኦም ክሳዕ ዝግዕዙ መዓልታዊ በረረታት ከምዝህሉ ሓበሬታ ከምዝበጽሓ ገሊጻ።

ቅድሚ ገለ ዓመታት ብሃለዋት ደቆም ዝተሻቐሉ ወለዲ እቶም ወተሃደራት ደቅና ምለሱልና ብምባል ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ተቓውሞታት ምስምዖም ይዝከር።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ምቕባል እቶም ወተሃደራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ተራ ወተሃደራት ካብ ዝኸፍልዎ ንላዕሊ ዋጋ ከፊልኩም ኣለኹም።

“ሽግርን ጸበባን ተጻዊርኩም ኢኹም እሞ ምስ መቕርብኩምን ስድራቤትኩምን ክትራኸቡን ብሃገራዊ ጉዳይ ተንቀሳቒስኩም ምንባርኩም ሕጂ ከኣ ንሃገርኩም ንኽትከላኸሉ ተመሊስኩም ምህላውኩም ንኽትነግርዎም ቅሩብ ዕረፍቲ ክንህበኩም ግቡእ እዩ፡” ኢሉ።

ኤርትራ ካብ 2019 ጀሚራ እያ ነቶም ወተሃደራት ከተሰልጥን ጸኒሓ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ግንቦት 2022 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣርባዕተ ግዜ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ እንከሎ እቶም ወተሃደራት ኣብ ኤርትራ ምህላዎም ንፈለማ እዋን ዝተገለጸ እቲ ፕረዚደንት ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ብዝሒ እቶም ወተሃደራት 5,000 ምዃኑን ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱን እዩ ገሊጹ።

ቀዳማይ ጕጅለ ሰልጠንቲ ሶማላውያን፡ ኣብ ታሕሳስ 2022 ናብታ ሃገር ከምዝተመልሱ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ካብቲ ቀዳማይ ጕጅለ ዝተረፉ ክንደይ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ከም ዝነበሩ ግን ኣይተገለጸን።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ዓብደልቓድር መሓመድ ኑር ክንደይ ዝኣኽሉ ሰራዊት [ኣብቲ ቀዳማይ ጕጅለ] ናብ ሶማልያ ከምዝኣተው ብቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ’ዩ ተዛሪቡ ነይሩ።

"እቲ ቍጽሪ ክነግረኩም ኣይደልን እየ። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ክስልጥን ዝጸንሐ ሰራዊት ሶማልያ፡ ህዝቢ ሶማልያን መንግስቲ ፈደራልን ከምኡ እውን ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝኸደ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ስልጠናኦም ዝዛዘሙ ቀዳማይ ክፋል ኣትዮም ኣለዉ" ክብል እዩ መሊሱ።

ኤርትራን ሶማልያን፡ ካብ መፋርቕ 2018 ጀሚረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ብምምሕያሽ ክሳብ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ምብቅዐን ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ኣብ ከተማ ሞቓዲሹ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ብዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ሓደ ሶማላዊ ጋዜጠኛ ተቐቲሉ።

እቲ ምሸት ሰዓት 21፡00 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ከምዘቝሰለን ብጕጅለ ኣልሸባብ ከምዝተፈጸመን ፖሊስ ሓቢሩ።