ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ስልጠና ንዝርከቡ ወተሃደራቱ በጺሑ

መራሒ ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዝስልጥኑ ዘለዉ ወተሃደራት ሃገሩ በጺሑ።

ፕረዚደንት ሓሰን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ ሰንበት'ዩ ኣስመራ ኣትዩ።

"ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰንዩ፡ ሎሚ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ኣሃዱታት ሰልጠንቲ መካናይዝድ፡ ፍሉይ ሓይሊ፡ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ የርን በጺሑ" ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር) ሓቢሩ።

"ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ሰላም ክህሉ ንዝገበረቶ ኣበርክቶ ፕረዚደንት ሓሰን ኣመስጊኑ" ይብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብዚ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ኣቝጺሩ ዘሎ ዕድመ ስልጣኑ፡ ንራብዓይ ግዜኡ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት 2022 ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ፈለማ ኣብ ሓምለ ‘ቲ ዓመት ኣብ ኤርትራ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምብጻሕ ከም ዘካየደ ይዝከር።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ዑደት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበርዎ ፈላሚ ርክብ፡ “ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታት ከምኡ’ውን ክልተኣዊ ረብሓ ንዘለዎም ዞባዊ ምዕባለታት ዓሚቝ ዘተ ኣካይዶም፡” ክብል መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ይገልጽ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣኼባታት ዝተዘራረቡሎምን ዝተበጽሑ ስምምዓትን ዛዕባታትን ኣተገባብራኦም ንምሕያል ከምዝተዘራረቡ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፡ ሻባይት ዝርዝር ዝተላዕሉ ጉዳያት ኣይገለጸን።

ወግዓዊ ገጽ ፈይስቡክ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማልያ ከምዘመልክቶ ግን፡ ዑደት ፕረዚደንት ሓሰን ናብ ኤርትራ ኣብ ምድንፋዕ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ከምኡ’ውን ዞባዊ ጸጥታ ንምዕባይ ዘተኮረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሓደ ክፋል ናይዚ ምትሕብባር’ዚ ከኣ ንፍሉያት ኣሃዱታት ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ ብኤርትራ ዝወሃብ ወተሃደራዊ ስልጠና ምዃኑ ኣነጺሩ።

እዚ ዑደት ፕረዚደንት ሓሰን፡ ሶማልያ ኣብቲ ኣንጻር ኣልሸባብ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተካይድ ኣብ ዘላትሉ ወሳኒ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኤርትራ ድማ ብፍላይ ወተሃደራዊ ስልጠናን ሓገዛትን ብምሃብ፡ ቀንዲ ደጋፊት ሶማልያ ከምዝኰነት ዝግለፅ ኰይኑ፡ ኣብ 2009 ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ፡ ብውሳነ 1907 ዝፍለጥ ናይ ኣጽዋር እገዳ ኣንቢሩ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ማዕቀብ ኣብ 2018 እዩ ተላዒሉ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ (memorandum of understanding)፡ ዝብል ንምሕያል ምትሕብባር ጸጥታን ምክልኻልን ዝርከቦ፡ ሸውዓተ ነጥብታት ዘለዎ ሰነድ ኣብ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣስመራ ከምዝኸተሙ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝቐደመ ዑደቱ ናብ ኤርትራ፡ ነቶም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብኤርትራ ዝሰልጠኑ ልዕሊ 5 ሽሕ ሶማላውያን ወተሃደራት ከም ዝበጽሐን፡ እቲ ስልጠናታት፡ ሓይሊ ኣየር፡ ሓይሊ ምድሪን ባሕሪን ከምዘጠቓልል’ውን ተገሊጹ እዩ።

ቀዳማይ ጕጅለ ሰልጠንቲ ሶማላውያን፡ ኣብ ታሕሳስ 2022 ናብታ ሃገር ከምዝተመልሱ ዝዝከር ኰይኑ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ እዚ ዑደቱ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ መንግስቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ንምድልዳል ነቶም ዝተረፉ ሰራዊቱ ክመልስ ድዩ ዝብል ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ ማዕከናት ዜና ሶማልያ ይገልጻ።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብቲ ቀዳማይ ጕጅለ ዝተረፉ ክንደይ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ከም ዘለዉ ብልክዕ ኣይፍለጥን እዩ። ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር ክንደይ ዝኣኽሉ ሰራዊት [ኣብቲ ቀዳማይ ጕጅለ] ናብ ሶማልያ ከምዝኣተው ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ ነይሩ።

"እቲ ቍጽሪ ክነግረኩም ኣይደልን እየ። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ክስልጥን ዝጸንሐ ሰራዊት ሶማልያ፡ ህዝቢ ሶማልያን መንግስቲ ፈደራልን ከምኡ እውን ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝኸደ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ስልጠናኦም ዝዛዘሙ ቀዳማይ ክፋል ኣትዮም ኣለዉ" ክብል ንቢቢሲ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኤርትራን ሶማልያን፡ ካብ መፋርቕ 2018 ጀሚረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ብምምሕያሽ ክሳብ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ምብቅዐን ይፍለጥ።