ትግራይ፡ ከቢድ ሕጽረት ምግቢ ህጻናትን ኣደታትን ብብዝሒ የጥቅዕ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ትግራይ ብከቢድ ሕጽረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ህጻናትን ኣደታትን ከምዝወሰኸ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ገሊጹ።
ዳይረክተር ኢንቲትዩት ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓየሎም ካሕሳይ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ኲናት ደው ድሕሪ ምባሉ ሕጽረት ምግቢ ኣደታትን ህጻናትን ኣይተመሓየሸን።
“ንንውሕ ዝበለ እዋን ኲናት ነይሩ፤ ድሕሪኡ ድርቂ ተሓዊስዎ። ሕጽረት ምግቢ ከጋጥመሉ ዝኽእል ኵነታት ከምዝህሉ እዩ ትጽቢት ዝግበር። በዚ ኣዐርዮም ተጠቃዕቲ ዝዀኑ ህጻናት፡ መጥበውቲ፡ ጥኑሳትን እዮም። ኣብ ትግራይ ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት ገይርና ኔርና። ድሕሪ ኲናት ኵነታት ኣመጋግባ ክመሓሽ እዩ ዝብል ግምት ነይሩና። ዘለዉ መረዳእታታት ግን ብዙሕ ለውጢ ከምዘየለ እዮም ዘመላኽቱ።”
ብመሰረት መለክዒ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሓደ ከባቢ መጠን ግዱድን ማእከላይን ሕጽረት ምግቢ ትሕቲ 15 ሚእታዊት ክኸውን ከምዘለዎ ዝገልጽ ዶ/ር ሓየሎም፡ ኣብ ትግራይ ግና ልዕሊ 37 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ተዛሪቡ።
“ኣብ ሸውዓተ ወረዳታት ዳህሳስ ጌርና ኔርና፤ ብፍላይ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 59 ወርሒ ወይ ድማ 5 ዓመት ዘለዉ፣ ካብዚ ግዱድ ሕጽረት ምግቢ ዝበሃል 8.3 ሚእታዊት እዩ። ማእከላይ ሕጽረት ምግቢ ድማ ከባቢ 29.3 ሚእታዊት ይሕዝ። ናይ ክልቲኦም ድምር ዝዀነ ጋም ሬት (ግሎባል ኣክዩት ማልንዩትሪሽን) ድማ ዳርጋ 37.6 ከባቢ ይሕዝ።
“ብመሰረት መስርሕ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሓደ ከባቢ ወይ ሕብረተሰብ ማእከላይን ግዱድ ሕጽረት ምግብን ልዕሊ 15 ሚእታዊት እንተዀይኑ ‘ብላንኬት ከቨረጅ’ ወይ ድማ ኵሉ ሰብ ምግቢ የድልዮ ከም ማለት እዩ። እዚ ድሕሪ ውዕል ሰላም እዩ።”
ኣብ ኣደታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ እውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ከምዘለዎ እዩ እቲ ዳይሬክተር ዝሕብር።
'ዘጨንቕ ደረጃ ሕጽረት ምግቢ እዩ ዘሎ'
ኣብ ሓደ ገባሪ ሰናይ ትካል ዝሰርሕ፡ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል ሞያ ሕክምና፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣደታትን ህጻናትን ዝርአ ዘሎ ሕጽረት ምግቢ፡ “ዘጨንቕ” ክብል እዩ ዝገልጾ። ኣብ ዝተፈላለየ ከበቢታት ትግራይ እናተንቀሳቐሱ መጽናዕትን ሓገዝን ከምዝገብሩ ዝገለጽ እዚ በዓል ሞያ፡ እቲ ኵነታት ብፍላይ ኣብ ዞባ ማእከል ዝገደደ ከምዝዀነ እዩ ዝዛረብ።
“ብፍላይ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት፡ ጥኑሳትን ሓራሳትን ብዝኸፍአ ብርኪ ሕጽረት ምግብን መድሃኒትን ንሕማምን ሞትን ይቃልዑ ኣለዉ” ይብል።
ነቲ ሓደጋ ንምክልኻል ዝግበር ምንቅስቓስ እኹል ከምዘይኰነ ዝገልጽ እዚ በዓል ሞያ ንህጻናት ኣብ ዝቐርብ ሃናጺ ምግቢ ሕጽረትን ምቍርራጽን ከምዘሎ ጠቒሱ።
“ዋላኳ ነቲ ሓደጋ ንምግታእ ምንቅስቓስ እንተሃለወ፡ እቲ ዝመጽእ ልሙዕ ምግቢ (ፋፋን ፕላምፕኔትን)፡ ነቶም ብሕጽረት ምግቢ ዝሳቐዩ ኣደታትን ህጻናትን እኹል ኣይዀነን። ካብ 2 ክሳብ 3 ወርሒ ቀረብ ዝቋረጸሉ ኵነታት እውን ኣሎ።”
እቲ በዓል ሞያ ከምዝገልጾ፡ ዳርጋ ኣብ ኵለን እተን ዝዳህሰስወን ዞባታት ትግራይ መጠን ብሕጽረት መኣዛዊ ምግቢ ዝጥቅዑ ዘለዉ ኣደታትን ህጻናትን እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ኣብ ትግራይ ብጥምየት ዝመውት ሰብ ኣሎ ዶ?
ኣብታ ብሰንኪ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ቍጠባኣን መሰረተ ልምዓታን ዝዓነወ ትግራይ፡ ብበሰላታት ናይቲ ደማዊ ኲናት፡ ዘጋጠመ ድርቂ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣማኢት ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ትግራይን ትካል ሓባሲ ንብዓት እታ ሃገርን ምግላጾም ዝዝከር እዩ።
ገለ ትካላት ረድኤት ድማ እቲ ኣብ ትግራይን ክፋል ክልል ኣምሓራን ዝተራእየ ድርቂ ምስቲ ኣብ 1984/85 ዘጋጠመ ድርቂ (1977 ኣግ) ብምውድዳር መጠንቀቕታ ክህቡ ተሰሚዖም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘጋጠመ ድርቂ እምበር ጥምየትን ብጥምየት ዝሞተ ሰብን ከምዘየሎ ብተደጋጋሚ ገሊጹ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ ኣብታ ሃገር ስጕምቲ እንድሕር ዘይተወሲዱ ምልክታት ሓደጋ ጥምየት ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ኣብ ትግራይ ብጭቡጥ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት እንተሃልዮም ዝሓተትናዮ ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓየሎም ካሕሳይ፡ “ብሳይንሳዊ መጽናዕቲ ኣረጋጊጽናዮ ኢና” ይብል።
“ብጥምየት ዝመውት ሰብ ኣሎዶ የለን? ዝብል ሓደ ዓቢይ መጽናዕቲ ኣካይድና ኔርና። ኣብ ናይ ትሸዓተ ወረዳታት ውሱናት መዕቆቢ ማእከላት መጽናዕቲ ኣካይድና። ውዕል ሰላም ካብ ዝተፈረመሉ 24 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ክሳብ 24 ሓምለ፡ ጠቕላላ ዝረኸብናዮ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ከባቢ 2694 እዩ። እዚ ብመሰረት መስርሕ ውድብ ጥዕና ዓለም እንትረኣይ ከባቢ 1329 ወይ ድማ 68.3 ሚእታዊት ጥምየትን ምስ ጥምየት ዝተተሓሓዘ ሞትን ኰይኑ ረኺብናዮ።”
ሕጽረት መኣዛዊ ምግቢ ኣብ ህጻናት ኵለመዳያዊ ጸገማት ከምዘስዕብ እዩ ዶ/ር ሓየሎም ዝገልጽ።
“ናይ ጥንስቲ፡ መጥበዊት ኣደን ናይ ዕሸል ኣመጋግባን ንቐጻሊ ማሕበረሰባዊ ዕብየት ወሰንቲ እዮም። ብፍላይ ናይ መጀመርታ ሓደ ሽሕ መዓልቲታት ወሰንቲ እዮም። ነዚ እዩ ከም ዋና መርኣዪ ጌርና እንጥቀመሎም። ኣብ ትግራይ ግን ተጠቃዕቲ ኰይኖም ኢና ረኺብናዮም ዘለና። ስለዚ ዝውለዱ ቈልዑ ኣብ ኣተሓሳስባኦም፣ ትምህርቲ ኣብ ናይ ምቕባል ዓቕሞም ውስንነት ክህሉ ግድን እዩ።”
እቲ መዋጸኦ እንታይ እዩ?
ኣብ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልዮም ነበርቲ ኣብ ዝመጽእ ረድኤት ዝተፈጸመ ጕሕለት፡ ትካላት ረድኤት ቅድሚ ኣዋርሕ ዕደላ ደው ከብላ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ዋላኳ ገለ ትካላት ዕደላ ይጅምራ እንተሃለዋ ኣዝዩ ቅሩብን ምስ ጠለብ ነበርቲ ዘይመጣጠንን እዩ።
“ዘሰንብድ ዜና ዝብሎ ኣነ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን፡ ‘ሰብ ብጥምየት ሞይቱ’ ዝብል ዜና እዩ” ዝብል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓየሎም ካሕሳይ፡ ካብ ግዝያዊ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ኣብ ዘላቒ ለውጢ ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ከምዘለዎ ይኣምን።
“ኣብ ትግራይ ልዕሊ ዅሉ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ ጥምየት እዩ። ካብ ክልላዊ መንግስቲ ጀሚሩ ክሳብ መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነት ኣለዎም። ለገስቲ ኣካላት እንተሃልዮም ድማ ህዝቢ ትግራይ ክሕገዘሉ ዝግባእ ግዘ ሕዚ እዩ።
“ዘላቒ ፍታሕ እውን እናተቐመጠሉ ክኸይድ ኣለዎ። መስኖ ክዝምን ክኽእል ኣለዎ፤ ሕብረተሰብ ባዕሉ ዘፍርየሉ ኵነታት ክመቻቻእ ክኽእል ኣለዎ። ዕድል ስራሕ ክፍጥር ክኽእል ኣለዎ።“




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







