ኣልሸባብ፡ ንዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ 14 ኢራናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቒቑ

ዕጡቓት ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሶማል ብዕጡቓት ኣልሸባብ ተታሒዞም ዝጸንሑ 14 ኢራናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ንዓዶም ተመሊሶም።

ማዕከናት ዜና ኢራን ከም ዝጸብጸብኦ፡ " ሰበ ስልጣን መንግስቲ ምስ ኣሕሉቕ ነገዳትን ሽማግለታት ሶማልን ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተ" እዮም ተፈቲሖም።

እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ናብታ ኣብ ደቡብ እትርከብ ዓዶም ቻባሃር ቅድሚ ምሕላፎም ብኢራን ኢዮም ተመሊሶም።

ገሊኦም ኣብ ጥቓ ሶማል ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ማያት ንሸሞንተ ዓመት ተጨውዮም ዝጸንሑ እዮም።

ፖሊስ ሶማል እቶም 14 ኢራናውያንን ሽዱሽተ ፓኪስታናውያንን ገፈፍቲ ዓሳን ኣብቲ ከባቢ ዝነጣጠፉ ዕጡቓት ኣብ ዘለውዎ ከባቢ ከም ዝተታሕዙ እዮም ሓቢሮም።

ኤኤፍፒ፡ ንፖሊስ እታ ሃገር ጸሪሑ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ገለ ካብቶም ገፈፍቲ ዓሳ ብ2014 ብኣልሸባብ ዝተታሕዙ ኰይኖም፡ ገሊኦም ድማ ኣብ መፋርቕ 2019 ዝተጨውዩ ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣባላት ስድራ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብቲ ቀዳም ምሸት ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝገበርዎ ጽምብል ተቐቢሎምዎም።

እስላማዊ ጉጅለ ሚሊሻ ኣልሸባብ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ሶማል ብዙሕ መጥቃዕትታት ይፍጽም ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓዲሾ ብናይ መኪና ነትጒታት ልዕሊ 120 ሰባት ሞይቶም።

ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ የካይድ ኣሎ።

ሚሊሻታት ኣልሸባብ ኣብ ሶማል ንልዕሊ 15 ዓመታት ሰፊሕ ገጠራትን ከተማታት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ጸኒሖም ኣለው።