ሓተትቲ ዑቕባ ሩዋንዳ፡ 'ብህይወት ንምንባር ንቃለስ ኣለና'

"ንኽነብር ጥራይ እየ ዝቃለስ ዘለኹ" በለኒ እቲ ስንባደ ዝመልኦ ዝመስል ሰብኣይ ቅሩብ ብዘንቅጥቀጥ ድምጺ።
ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ርእሰ ከተማ ሩዋንዳ ደው ኢልና፤ ካብ ኣዒንቲ ሰባት ክውል ንምባል ብዘኽእለና ኣግራብ ዝተኸበበ እዩ።
መሓመድ፡ ሓታቲ ዑቕባ ኰይኑ እዩ ናብዛ ሃገር መጺኡ። ኣባላት ስለያ ሃገሩ ክጨውይዎ ምስፈተኑ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሩዋንዳ ከምዝሃደመ ይገልጽ።
መሓመድ፡ ናብራ ኪጋሊ ከም ዝኸበዶ ይዛረብ። ምስ ጋዜጠኛ ብምዝራቡ ግዳይ መጥቃዕቲ ከይከውን ኣዝዩ ስለዝፈርሐ፡ ሓቀኛ ስሙ ይዅን ስም ዓዱ ከይግለጽ ሓቲቱ ኣሎ።
ኣብ ሩዋንዳ ዝነብር ንቓለመጠይቕ ፍቓደኛ ዝኸውን ሓታቲ ዑቕባ ንምርካብ ንመዓልታት ጽዒርና። ንምዝራብ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ንረክብ’ሞ፡ መሊስና ግን ምኽንያቱ ብዘይንፈልጦ መንገዲ ከይረኸብናዮም ንተርፍ። እዚ ዝኸውን ድማ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ "መራሒ ማሕበረሰብ" [ንኢትዮጵያውያን ማሕበረሰብ ሩዋንዳ ዝመርሕ ሰብ] ምስረኸቦም እዩ።
"ዑቕባ ሓቲተ ኣለኹ" ኢሉኒ መሓመድ።
"እቶም ሰበስልጣን ኣይፋል ኣይብሉን እዮም፣ ንዅሉ ግን 'ጽባሕ'፡ ወይ 'ዝመጽእ ወርሒ ተመለስ'' ዝብል መልሲ እዮም ዝህቡኻ። ዳርጋ ሓደ ዓመት ኰይኑ'ሎ ከይሃቡኒ" ይብል።
ኣብ ለንደን ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ሕጋውነት ናይቲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ገለ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምልኣኽ ዝሓንጸጾ ኣካታዒ ውጥን ኣብ ዝምርምረሉ ዝነበረ እዋን፡ ንመሓመድ የዘራርቦ ነይረ።
እቶም ዳያኑ ድማ፡ ፖሊሲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ሕጋዊ ምዃኑን፡ ኣብኡ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ምግዓዝ "ምስ ውዕል ስደተኛታት (ሕቡራት ሃገራት) ዝሰማማዕ" እዩ ክብሉ ውሳነ ኣሕሊፎም።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ጉዳይ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሩዋንዳ ክፍጸም ክብል ከሎ፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ዝሰግሩ ሰባት ከም መከላኸሊ ከምዝኸውን ብምእማኑ እዩ።
ነቲ ፖሊስ ዝነቕፉ ተቓወምቲ ግን ጨካን፡ ዘይሰርሕን ልዑል ወጻኢ ዝሓትትን እዩ ይብሉ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ጕጅለ ጐስጓስ ሂዩማን ራይትስ ዎች (HRW) "ዓፈና መሰል ምዝራብ፡ ብዘይ ሕጊ ምእሳር፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ስቅያትን" ከምዘሎ ኣብቲ ብዛዕባ ኵነታት ሩዋንዳ ስክፍታኡ ዘስፈረሉ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እውን፡ ሩዋንዳ "ንተበጻሒ፡ ዘተኣማምን፡ ፍትሓውን ስሉጥን ስርዓተ ዑቕባ ዝኸውን እቲ ዝተሓተ ዝበሃል ባእታታት" ከምዘይብላ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ ነይሩ።
ሰባት ናብተን ስቅያት ዘውርዳሎም ሃገራት ክምለሱ ዝግደዱሉ ኵነታት ክህሉ ከምዝኽእል ድማ ስክፍታ ነይርዎ።
ከምኡ'ውን እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ብቕዓትን ስሉጥነትን መስርሕ ዑቕባ ዘተሓሳስብ ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ጉዳያት ውሳነታት ክወሃብ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝወስድ'ዩ" ኢሉ።
መሓመድ፡ ህይወቱ ኣብ ደንገርገር ዘላ ኮይኑ ከምዝስምዖ ይዛረብ። ሕጋዊ ወረቐት ስለዘይብሉ ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ።
"ኣዕሩኽን ኣዝማድን ይሕግዙ" በለኒ። ቅሩብ ኣታዊ ዝረኽበሎም ፍልይ ዝበሉ ዕድላት ስራሕ ሓሓሊፉ ከምዘጋጥሞ’ውን ይዛረብ።
ሓገዝካ ዝጽበዩ በዓልቲ ቤትን ደቅን እንተሃልዮም ከኣ እቲ ኵነታት ዝኸፍአ እዩ ዝኸውን።
ካብ ሩዋንዳ ወጺኡ፡ "ሰላም ኣብ ዘለዎ ከም ካናዳ ወይ ኣውስትራልያ. . . ናብ ዝዀነ ቦታ" ክኸይድ ከም ዝደሊ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብቶም ነቲ ውጥን ብሪጣንያ ዝቃወሙ ጐስጎስቲ ዘልዕልዎም ስክፍታታት እቲ ሓደ፡ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ልዕሊ ኤልጂቢቲ ሰባት [ሕደ-ጾታውያን] ዝግበር ጸቕጢ እዩ።
ዘይከምቲ ኣብ ገለ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ኣብ ሩዋንዳ እቲ ካብ ምስተጻራሪ ጾታ ወጻኢ ዝግበር ፍቕራዊ ርክባት ዘይሕጋዊ ኣይኮነን።
ግን ድማ ሂዩማን ራይትስ ዋች ናብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝጸሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ "ሕደጾታውያን፡ ክልተ ጾታ ዘለዎምን ትራንስጀንደርን ኣብ ሩዋንዳ ምግላል የጋጥሞም እዩ" ኢሉ ነይሩ።
እቶም በዚ ዝግለጹ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ካልኦት ሰባት ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ኣረኣእያ፡ ከም ሕክምና ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ንምርካብ ከም ዝጽገሙ፡ እቲ ኣብ ሩዋንዳ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ‘ጋድ ኢን ኣፍሪካ’ ዘገልግል ኣፍቃሪ ተመሳሳሊ ጾታ ዝዀነ ፓትሪክ ኡዋየዙ ነጊሩኒ። ንናይ ሰባት ዕድል ስራሕ ከይተረፈ ክጸልዎ ይኽእል እዩ።
"መንነትካ እንተሓቢእካ ስራሕ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም። [ኣስራሕቲ እንተፈሊጦም] ግን 'ኪድ ምሳኻ ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ኢና' ይብሉኻ። ኣብዛ ሃገር ብዙሓት ሰባት ዘይርድኡና ይመስለኒ" ይብል።
ኣብቲ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደትና ምስ መንግስቲ ቃለ መጠይቕ ክንገብር ብተደጋጋሚ ሓቲትና፤ ኣፈኛ መንግስቲ ተሰማሚዑ'ኳ እንተነበረ ኣብ መወዳእታ ግን ኣይሰመረን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ይዅን እምበር "ኣድልዎ ብዅሉ መልክዑ ካብ ሕገመንግስትና ወጻኢ ኰይኑ ሩዋንዳ ድማ ንዅሉ ሰብ ተቐባሊት እያ" ዝበል መግለጺ ልኢኹልና።
ወሲኹ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ካብ ሊብያ ልዕሊ 100 ሰባት ዝርከብዎም ብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ናብታ ሃገር እናሰደደ እንከሎ፡ ንሩዋንዳ ምንቃፉ፡ "ብንጹር ዝጋጮ" ምዃኑ ሓቢሩ።
ንውሳነ መንግስቲ ብሪጣንያ ብሓጐስ ዝተቐበለ መንግስቲ ሩዋንዳ "ንድሕነት ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከምኡ’ውን ኣብ ሩዋንዳ ሓድሽ ህይወት ንምህናጽ ዘኽእሎም ዕድልን ንምቕራብን ድሉው" ምዃኑ ገሊጹ።
ብርግጽ ኣብ ሩዋንዳ ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ዕውት ተመኵሮታት ኣሎ። ተኽላይ ጠዓመ ካብ ኤርትራ ዳርጋ ቅድሚ 25 ዓመት ማለት ኣብ 1998 ናብዚ መጺኡ።
ኣብዚ እዋን ድማ ሓይለ ድኳናት ጅምላን ሱፐርማርኬታትን የካይድ።
"ኣብዚ ምስ መጻእኩ ኵሉ ነገር ሓድሽ እዩ ነይሩ። እቶም ሰባት ግን ኣዝዮም ተመሓዘውቲ ስለዝዀኑ ንኽወሃሃድ ግዜ ኣይወሰደለይን። ብኣርባዕተ ሰራሕተኛታት እየ ጀሚረ። ሕጂ ልዕሊ 600 ሰራሕተኛታት ኣለዉኒ" ይብል።

ኣቶ ተኽላይ ዘይከም ብዙሓት ስደተኛታት ነቲ ንግዲ ንምጅማር ዘኽእሎ ገንዘብ ነይርዎ እዩ።
ሕጂ'ውን ሩዋንዳ ብሕጊ ክሳብ ዝኸድካ ንዅሉ ሰባት ዕድላት ትህብ ሃገር እያ ይብል።
ተኽላይ፡ "ስደተኛታት ኰይኖም ዋላ ሓንቲ ከይሓዙ ናብዚ ዝመጹ፡ ግን ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወትን ንግዲን ዝጀመሩ" ኤርትራውያን ከም ዝፈልጥ ይዛረብ።
ሓተትቲ ዑቕባ ካብ ብሪጣንያ ናብ ሩዋንዳ ንምልኣኽ ዝተወጠነ ውጥን ዝቃወሙ ሰባት ዘለዎም ከመይ ከምዝግምግሞ ሓቲተዮ።
"እንታይ ከም ዝፈርሑ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣብዚ ግን ናይ ምፍራሕ ኣድላይነት ኣይረኣየንን" ክብል መልሲ ሂቡኒ።
እቶም ነቲ ስምምዕ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝቃወሙ ሰባት፡ ስግኣት ከምዘለዎም ገሊጾም ነይሮም። ስለዚ ተቓወምቲ ናይዚ ውጥን ይግባይ ክብሉ ተኽእሎ ኣሎ።
ሩዋንዳ ነቶም ዕቝባ ዝደልዩ ውሕስቲ ድያ ወይስ ኣይኮነትን ዝብል ክትዕ ኣብዚ ዝውዳእ ኣይኰነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







