ግርደት ፀሓይ ክርእዩ ናብ ሰማይ ዘቋምቱ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት

ቅድሚ እቲ ናይ ሰኑይ ፍጹም ጸሓያዊ ግርደት [ከውሊ ፀሓይ] ትጽቢት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሚልዮናት ሰባት ንጹር ሰማይ ክህሉ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ።
ትንበያታት ኣብ ሰሜናዊ ሜክሲኮ፡ ቴክሳስን ገለ ክፋል ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን [ኣፍሪቃ] ደበናዊ ኵነታት ከምዝህሉ ይግምቱ ኣለዉ።
ኣብ ምዕራባዊ ሜክሲኮን ገለ ክፋል ማእከላይ ምዕራብ ኣመሪካን ዝሓሸ ኵነታት ኣየር ክህሉ ትጽቢት ይግበር፡
ኣብ ኒው ኢንግላንድን ካናዳን ንጹር ሰማይ ጽድያ ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ድሕሪ 2017 ንፈለማ እዋን ነታ ኣህጉር ዝሸፈነ ምሉእ ከውሊ ጸሓይ፡ መጀመርታ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ሜክሲኮ ኣብ መሬት ክረአ እዩ።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረለን ከባቢታትን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ዓበይቲ ከተማታትን ክረአ ትፅቢት ይግበር።
ወርሒ ንጸሓይ ፍጹም ኣብ እትጋርደሉ መስመር ዝርከቡ ገለ ከባቢታት - ንኣስታት ኣርባዕተ ደቓይቕን ፈረቓን ምሉእ ብምሉእ ፀልማት ክኸውን እዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ናሳ፡ ኣብዚ መስመር ዝርከቡ 31.6 ሚልዮን ሰባትን ካልኦት ሚልዮናት ድማ ነቲ ፍጻመ ንምርኣይ ክጓዓዙ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ስታሪ ናይት ኣርቪ ፓርክ፡ ቴክሳስ ብተዓዘብቲ ግርደት ዝመልኣ መካይን ነቲ ዓቢ ህሞት ድሉዋት ኰይነን መዓስከር ንምስራሕ ይጓየያ ኣለዋ።
ወናኒት ሊንድሲ ኲን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ኣዝዩ ዓቢ ነገር ይኸውን ኣሎ፡ ሰባት ካብ ኵሉ ቦታታት ናብዚ ብመኪና ይተሙ ኣለዉ" ኢላ።
"ንጓለይ መሬት ክትጽልምት ምዃና ከረድኣ ክፍትን ጸኒሐ፡ 'ክንድቅስ ማለት ድዩ’ ኢላትኒ?'
"ብሓባር ኴንና፡ መነጽርና ገይርና ሰልፊ ክንሰኣል ኢና፡ ንዓና ኣብ ህይወት ሓንሳብ ዝርከብ'ዩ።"
ብዘይካ ኣብቲ ምሉእ ግርደት ዝፍጸመሉ እዋን፡ ንኸፊላዊ ግርደት ንምርኣይ ፍሉይ መነጽር የድሊ።
ስሩዕ መነጽር ጸሓይ ከምዘይሰርሕን ዋላ ብካሜራ ወይ ስማርትፎን ኣቢልካ ጸሓይ ምጥማት ኣብ ካልኢታት ኣብ ልዕሊ ዓይኒ ጉድኣት ከምዘስዕብ ሰብሞያ የጠንቅቝ።
ኣብተን ኣብ መስመር ዝርከባ ከተማታትን ርእሰ-ከተማታትን ፍሉያት መደባት ይውጠኑ ኣለዉ።
ናሳን መሻርኽቱ ትካላትን ጥራይ ልዕሊ 100 ፍጻመታት የአንግዱ ኣለዉ።
ኣብ ካርቦንደል ኢሊኖይ ዝርከብ ስታድዩም ኩዕሶ እግሪ ብብዝሒ ህዝቢ ክመልእ እዩ፤ እቲ ከባቢ እቲ ናይ ትማሊ ሰኑይ ከውሊ መንገዲ በቲ ናይ መወዳእታ ኣብ 2017 ኣብ መላእ ኣመሪካ ዝተራእየ ኣቢሉ ዝሓልፈሉ እዩ።
ልዕሊ 300 መጻምድቲ ኣብ ትሕቲ ግርደት ሰማይ ኣብ ራስልቪል ኣርካንሳስ ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ መርዓ ክምርዓዉ መደብ ሒዞም ኣለዉ።
"በቃ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ጸሓያዊ ከውሊ ርኢና ኣይንፈልጥን። ስለዚ ኣብዚ ህሞት እናተመርዓና ከምኡ ክንረክብ ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና" ትብል ንሕጹያ ኒኮላስ እትምርዖ ዘሎ ሚርያም ማክሲ።
"እዚ ንመዋእልና ምሳና ክንወስዶ ዝግበኣና ዝኽሪ'ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







