ምትግባር እቲ ስምምዕ ‘ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ'ዩ’ - መራሕቲ ትግራይ

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ቀዋሚ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት “ተግባራዊ ዝኸውን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኽል ብምግባር” ከምዝኾነ ሰብመዚ ትግራይ ገሊጾም።

ብዓርቢ 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. (ግእዝ) ብስም ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ' ዘውጽእዎ መግለጺ፡ “እዚ ስምምዕ ድልየት ህዝብና ንምምላእን ውሕስንኡ ብዘላቕነት ንምሕላውን ክንብል እንገብሮ ዘለናን ውፅኢት ቃልስናን ስለዝኾነ ንተግባራዊነቱ እውን ብዝግባእ ክንሰርሓሉ ዘለና እዩ” ኢሎም።

ብዛዕባ'ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ቀጻሊ ተወሰኽቲ መብርሂታት ከምዝህቡ'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ዕልባት ንኽረክብ፡ ኣብ 02 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተገበረ ታሪኻዊ ስምምዕ፡ እቲ ደማዊ ኵናት ንምቁራፅ: ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስ: ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕን: ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያን ሕገ-መንግስትን ንምኽባርን ከም ዝተሰማምዑ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ዓወት ዝረኸበሉ ተባሂሉ ብተንተንቲ ዝግለጽ ዘሎ ስምምዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ባህ ከምዘየበሎም ብዙሓት ተጋሩ ይገልጹ ኣለዉ።

"ዝተፈላለዩ ኣካላት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ካብ ዘይተማልአ ሓበሬታን መረዳእታን እናተበገሱ ብዘናፍስዎም ወረታት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንዘሎ ህዝቢ ከደናግርዎ” ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ከምዝተዓዘበ ገሊጹ።

ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ኮነ ስጉምቲ ከምዘይወስድ ብምግላጽ ዝርዝር ጉዳያት ብዝምልከት ብቐፃልነት ተኸታተልቲ መብርህታት ናብ ህዝቢ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ኩናት ምጅማሩ ኣትሒዙ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ክኽበር ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከምዘቕረበን ንማሕበረሰብ ዓለም እውን ከምዘፍለጠን ዝጠቅስ መግለጺ መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዝተገብረ ስምምዕ “ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ንክኽበሩ ሓበራዊ መርገፂ ዝተበፅሓሉ ጉዳይ” ከምዝኾነ’ውን ይሕብር።

እቲ ዓሰርተ መዓልታት ዝወሰደ ድርድር እንትዛዘም፡ ክልቲኦም ተፃባእቲ ወገናት ዝተሰማምዕሎም 12 ነጥብታት ዝሓዘ በዓል ክልተ ገፅ ሓባራዊ መግለጺ ሂቦም ነይሮም።

ብተወሳኺ፡ ዝርዝር ኣፈፃፅማ ናይቲ ስምምዕን ካብ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ትፅቢት ዝግበሩ ግቡኣት ብዝርዝር ዘብርህ በዓል 10 ገፅ ሰነድ ተዘርጊሑ'ሎ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ትካላት ፌደራልን ንብረት መንግስቲ ፌደራልን ከኽብሩን፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ድማ ዕጥቆም ከምዝፈትሑ’ውን ገለ ኣብቲ ስምምዕ ዝተገልጸ ነጥቢታት እዩ።

ይኹን እምበር፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ንምፍታሕ፡ ሰራዊት ንምብታንን ናብ ህዝቢ ንምፅንባርን ዘኽእል ትልሚን እቲ ትልሚ ተግባራዊ ዝኾነሉ ዝርዝርን ብዝቕል ልዝባት ዝትግበር ክኸውን'ዩ።

እቲ ስምምዕ ካብ ዝተፈረመሉ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ተራኺቦም ከምዝዘራረቡን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ዝፈትሕሉ ከይዲ ብዝርዝር ከምዘውጽኡን ተጠቒሱ'ሎ።

ብዘይካ እዚ፡ እቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ግዘ ገደብ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዝህብዎ ሓሳብን ብናይ ክልቲኦም ወገናት ኣፅዳቕነትን ክናዋሕ ከምዝኽእል እቲ ስምምዕ ይሕብር።

ብወገን መንግስቲ ፌደራል ድማ ኣብ ልዕሊሓይልታት ትግራይ ዝገብሮ ውግእ ደው ከብል፡ ኣብ ትግራይ ዘቋረፆም ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክመልስ፡ ህወሓት ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝርዝር ግብረ-ራዕዳውያን ክትምዝገብ ዝተገበረ ውሳነ ንክስረዝ ኩነታት ክፈጥር እቲ ስምምዕ የገድድ።

ነዚ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ከጀምርን ተግባራውነቱ ከረጋግፅን ትፅቢት ይግበር።