እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵናት ትግራይ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ብኸመይ እዩ ክፍፀም?
መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ዕልባት ንኽረክብ፡ ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦ ክግበርን ንሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ንምፍታሕን ተሰማሚዖም ኣለዉ።
እቲ ትማሊ 02 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተገበረ ታሪኻዊ ስምምዕ፡ እቲ ደማዊ ኵናት ንምቁራፅ: ብመንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስ: ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕን: ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያን ሕገ-መንግስትን ንምኽባርን ዝዓለመ እዩ።
ንዓሰርተ መዓልቲ ዝቐፀለን ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝቐነየ ድርድር እንትዛዘም፡ ክልቲኦም ተፃባእቲ ወገናት ዝተሰማምዕሎም 12 ነጥብታት ዝሓዘ በዓል ክልተ ገፅ ስምምዕ ብሓባር ወግዓዊ ገይሮም።
ነዚ ስዒቡ፡ ዝርዝር ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕን ካብ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ትፅቢት ዝግበሩ ግቡኣት ብዝርዝር ዘብርህ በዓል 10 ገፅ ሰነድ ተዘርጊሑ።
ኣሶሺየትድ ፕረስ ነቲ ዘተ ሰላም ቅርበት ዘለዎም ሰብመዚ ፀሪሑ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝፀብፀቦ፡ ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕ ንዝርዝር ጉዳያት ዝሓዘ ሰነድ ብክልቲኦም ወገናት ዝተፈረመ ከም ዝኾነ ፀብፂቡ።
ኣብቲ ስምምዕ ሓይልታት ትግራይ፡ “ካብ ቀሊል መሳርሒ ኵናት” ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ዕጥቆም ክፈትሑ ተገሊፁ ኣሎ።
ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ፌደራል፡ “ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ኩሎም ትካላት ፌደራል: መዕርፎ ነፈርትን ቀንዲ ጎደናታትን ሓዊሱ፡ ንቀንዲ መሰረተ ልምዓታት” ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝቖፃፀሩ ተገሊፁ።
ካብ ክልቲኦም ወገናት እንታይ ትፅቢት ይግበር?
ህወሓት
ህወሓት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ንዝተጣየሹ ትካላት ፌደራልን ንብረት መንግስቲ ፌደራልን ኣኽቢራ ንምንቅስቓስ ዝተሰማምዐት እንትኾን፡ ዓለምለኸ ዶብ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ድማ ናይ መንግስቲ ፌደራል ይኸውን።
ህወሓት፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል እታ ሃገር ተዓጢቖም ንዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ካብ ምድጋፍ ኰነ ሓቢርካ ምስራሕን ክትቑጠብ ተሰማሚዓ።
መንግስቲ ፌደራል፡ ሰራዊት ምክልኻል፡ ኣካላት ደሕንነትን ኣኽበርቲ ሕግን ሕገ-መንግስታዊ ግቡኦም ክፍፅሙ ምስ ዘዋፍር፡ ህወሓት ነዚ ኣኽቢራ ክትንቀሳቐስ ተሰማሚዓ።
ብመሰረት እዚ ዝተገበረ ስምምዕ፡ ህወሓት ንጐንፅን ዓመፅን ዝግበሩ ምልመላታት፡ ስልጠናታት ወይ ካልኦት ምድላዋት ካብ ምግባር ክትዕቀብ እያ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ህወሓት ብዘይካ ኣፍልጦ መንግስቲ ፌደራል፡ ምስ ዝኾነ ይኹን ወፃኢ ኣካል ርክብ ምግባር ደው ክተብል፡ እቲ ስምምዕ ይቕይድ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ
ብመሰረት እዚ ዝተገበረ ስምምዕ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዝገብሮ ውግእ ደው ከብል እዩ።
ብመሰረት እቲ ዝተቐመጠ ግዘ ገደብ፡ ኣብ ትግራይ ዘቋረፆም ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክመልስ፡ እቲ ስምምዕ የገድድ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝርዝር ግብረ-ራዕዳውያን ክትምዝገብ ዝተገበረ ውሳነ ንክስረዝ ኩነታት ክፈጥር ይግደድ።
ኣብ ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብቅልጡፍ ከጀምርን ተግባራውነቱ ከረጋግፅን ትፅቢት ይግበር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ በቲ ኵናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊሱ ክሃንፅ ተሰማሚዑ'ሎ።
ብሰንኪ እቲ ኵናት ንዝተጎድአ ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ንክበፅሕን፡ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ምህላዉን የረጋግፅ።
ምስ ጎረቤት ሃገር ዘዳውቡ ዶባት ደሕንነትን ሰላምን ንምውሓስ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፍሪ ከካይድ እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባብታት ትግራይ ተንቀሳቒሱ ሕጊ ናይ ምኽባር ስልጣኑ ይርከብ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ፖሊስ ፌደራልን ካልኦት መሓውር ፀጥታን፡ ንክሊ ኣየር እታ ሃገር፡ ደሕንነት ኣቬሽን፡ ትካላት ፌደራል፡ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲን ቀንዲ መገድታትን ክሕሉ እዩ።
ምፍታሕ ዕጥቂ
ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ምፍታሕ ቀንዲ ኣካል እቲ ስምምዕ እዩ። ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ድማ፡ ኣብታ ሃገር ሓደ ሰራዊት ምክልኻል ጥራሕ ከምዘሎ ተሰማሚዖም’ዮም።
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ንሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ንምፍታሕ፡ ንምብታንን ናብ ህዝቢ ንምፅንባርን ዘኽእል ትልሚ ተዳልዩ፡ ተግባራዊ ዝኾነሉ ዝርዝር ክዳለው እዩ።
እዚ ስምምዕ ካብ ዝተፈረመሉ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ተራኺቦም ይዘራረቡ።
ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ዝፈትሕሉ ከይዲ ብዝርዝር የውፅኡ።
ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዝግበር ስምምዕ መሰረት፡ ህወሓት ከበድቲ ኣጽዋር ኵናት ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንምርካብ ተሰማሚዖም።
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተዘራሪቦም ምስ ተሰማምዑ ኣብ ዘለዉ ዓሰርተ መዓልታት፡ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ከይዲ ይዛዘም።
እቲ ዝተቐመጠ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ግዘ ገደብ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዝህብዎ ሓሳብን ብናይ ክልቲኦም ወገናት ኣፅዳቕነትን ክናዋሕ ይኽእል።
ድሕሪ እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ ዘለዉ 30 መዓልታት፡ ንቀለልቲ መሳርሒ ኵናት ሓዊሱ እቲ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ይዛዘም።
ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ናይ ምስንባትን ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምፅንባርን ስራሕ ድማ፡ ሕግን ድሌትን ትግራይ መሰረት ዝገበረ ይኸውን።
እዚ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ንምግታእ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ “ብቀዋምነት ድምፂ ብረት ከይስማዕ” ብምስምማዕ፡ እቲ ኵናት ብቀዋምነት ደው ክብል ዘኽእል ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦታት ክግበር ተሰማሚዖም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ንምፍታሕ፡ ኣብ ትግራይ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክሰፍንን ደሕንነት ሰላማውያን ዜጋታት ምውሓስን፡ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተሰማምዐሉ ጉዳይ’ዩ።