ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ: ምስ ትግራይ ዝተገብረ ዕርቀ ሰላም ንቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ዓወት እዩ!

    • Author, ብኣሌክስ ደዋል
    • Role, ተንታኒ ኣፍሪቃ

ማሕበረ ሰብ ዓለም ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኲናት ንምቁራጽን ነቶም ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለው ወገናት ቅልጡፍ ረድኤት ንክበጽሖምን ዝኸተምዎ ውዕል ሰላም ብሓጎስ የድንቑዎ ኣለው።

ይኹን እምበር ናይ ብሓቂ'ዶ ይዕወት ይኸውን ዝብል ሕቶ ግን ከየልዓለ ኣይተረፈን። እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ፡ ኣብ ናይ ምፍርራም ስነ-ስርዓት ዝነበረ ናይ ሓጎስ ጣቕዒት ከይዘሓለ ኣብ ኣኽራን ትግራይ ድምጺ መዳፍዕ ይሃምም ኣሎ።

ዕላማታት እቲ ስምምዕ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብቲ ክልል ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ - ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት.) - ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝጀመሮ "ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ" ዝሰማማዕ ይመስል።

ሰራዊት ትግራይ ዕጥቆም ናይ ምውራድ ናይ ዘተ መስርሕ ክህሉ እዩ። ዶ/ር ኣቢይ እቲ ስምምዕ ምስ ወያነ ደኣ እምበር፡ ከምቲ ህዝቢ ትግራይ ዝደልይዎ "መንግስቲ ትግራይ" ከም ዘይኰነ እዩ ዝሕብር።

ንሱ ነቲ ብ2020 ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ብህወሓት እተዓወተ ምርጫ ብምንጻግ ሓዲሽ ምርጫ ንምክያድ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ኢዱ ክህብ ጠለብ ኣቕሪቡ ነይሩ። እዚ ግን ኣይሰለጦን።

ነቲ ንህወሓት ከም ግብረ ሽበራዊ ውድብ ዝምድብ ኣረኣእያ ብምልዓል ብዛዕባ ትግራይ ከመይ ክትካየድ ኣለዋ ኣብ ዝብል ፖለቲካዊ ዘተ ክኣቱ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ስምምዕ ክልቲኦም ወገናት በቲ ዘሎ ፌደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ክቕየዱ ምዃኖም እዩ ዘረድእ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቀዳሞት ሰሙናት ናይቲ ውግእ ብክልል ኣምሓራ ዝተታሕዘ ከም ምዕራብ ትግራይ ዝኣመሰለ ሃብታም ናይ ሕርሻ ቦታታት ብቅዋማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዘጠቓልል እዩ።

ይኹን እምበር እቶም ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ትግራዎት ሓረስቶትን፡ ምምሕዳራት ትግራይን ቅድም ናብ ቦትኡ ብዛዕባ ምምላስን ዘይምምላስን ግን ኣይገልጽን እዩ።

ሰብኣዊ ባእታ ናይቲ ስምምዕ ነቲ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ሰባት ኣብ ጥሜትን ዓጸባን ዘውደቐ ኩነታት ንምፍታሕ በሪ ክኸፍት እዩ።

ኣብ ቤልጀም ዝርከቡ ምሁራት ዘውጽእዎ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ከኣ እቲ ረድኤት ንኣስታት 10 ሚኢታዊት ካብቲ ከባቢ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ክሽፍን ይኽእል እዩ።

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ናይ ብዕጽዋን ከበባን ምጥማይን፡ ከምኡ እውን ዘየቋርጽ ወተሃደራዊ ጸቕጢ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጽኡ ሓይልታትን ከምኡ እውን ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝፍኖ መጥቃዕቲ፡ መራሕቲ ትግራይ ብዙሕ ሕድገታት ገይሮም እዮም።

ካብቲ ዝገብርዎ ገምጋም ከኣ ፈለማ ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽ እዩ ዝመስል። ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ውግእ ካብ ዝውላዕ ንነጀው ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝዘርኡዎ ምህርቶም ከይኣከቡ ተመዛቢሎም።

ሆስፒታላት ከም ኢንሱሊንን ጸረ-ነፍሳትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ መድሃኒታትን ስለዘይብለን ሰባት ክፍወስ ብዝኽእል ቀለልቲ ሕማማት ይሞቱ ኣለው። እዚ ጸገም እዚ ዝኾነ ፍታሕ ኣይተራእዮን።

ነቶም ምግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዘይብሎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ቅልጡፍ ረድኤት ክበጽሖም ኣይክእልን ዘሎ።

ብዙሕ ዘይተመለሰ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣሎ። ብፍላይ ሰለስተን ቀንድን ኣገደስቲ ሕቶታት ኣለዋ።

ቀዳማይ ጉዳይ ኤርትራ

ብመሰረት ጸብጻብ ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ እቲ ንመስመር ምክልኻል ትግራይ ዘፍረሰ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ እቲ ካብ ኣስመራ ዝእዘዝ ሓባራዊ ናይ ኤርትራውያን-ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ እዩ።

ኤርትራ፡ ኣብቲ ስምምዕ ብስም እኳ እንተዘይተጠቕሰት፡ እቲ ጽሑፍ ግን ክልቲኡ ወገን "ምስ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተጻብኦን ግጭትን ንኸይህሉ ስለዝእምም እቲ ጉዳይ ንኤርትራ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል።

ብዙሓት ሰባት፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ነዚ ንምትግባር ዓቕሚ ከይሓጽሮ ይጠራጠሩ እዮም። ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ስምምዕ ስለዘይተሓወሰ፡ ብኣብዪ አሕመድ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብዘየገድስ ነቲ ኲናት ክቕጽሎ ይኽእል ይኸውን።

እቲ ካልኣይ ፡ ምክትታልን ምርግጋጽን

እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጐና ንኽስለፍ ዝገበረቶ ዲፕሎማስያዊ እስትራቴጂ ዓወት እዩ።

እቲ መስርሕ ናይ ምክትታል፡ ምርግጋጽን ምእማንን፡ ኣስታት 10 ሰባት ዝሓዘ ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምእከል ንኣፍሪቃዊ ሕብረት ጸብጻብ ዝህብ ሓደ ንእሽቶ ኣሃዱ እዩ።

ናይ ስራሕ መዝነት ፕረዚደንት ኦባሳንጆ ከኣ ብኣቦ-መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ እምበር ብቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይኮነን ተዋሂቡ። ሕቡራት ሃገራት ምሉእ ብምሉእ ተገሊላ እያ።

ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝፍጠር ዘይምርድዳእን ብዝምልከት ኣብ ኢድ ክልተ ሰብኡት ሚስተር ኦባሳንጆን ሙሳ ፋቂን እዩ ወዲቑ።

ንሳቶም እዮም ነቲ ጸብጻብ ኽምርምሩ ዝኽእሉ። እዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ነቲ ጕዳይ ንምዕራይ ዘኽእል ፍልይ ዝበለ መስርሕ እዩ። ኩሉ ሳዕ ልዑል ስምምዕ ሰላም ብኣህጉራውያን መሻርኽቲ ኺምስከርሉ ዝግባእ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ናይ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ በይነ መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ ጥራይ እዩ ብተዓዛብነት ክሳተፋ ፈቒዱ፤ ይኹን እምበር ሓንቲ ካብአን እውን ኣብቲ ስምምዕ ክታመን ኣየንበራን።

ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ መዋሊ ንጥፈተታት ሕብረት ኣፍሪቃ እኳ እንተኾነ ኣብቲ ዘተ ብተዓዛብነት እውን ከይትሳተፍ ተኸልኪላ እያ። ኢትዮጵያን ናይ ወጻኢ ሓገዝ ስለ እትደሊ፡ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ደገፍ ንምርካብ ክሰርሓ እየን።

ሳልሳይ፡ ጉዳይ ፍትሕን ተሓታትነትን

እቲ ስምምዕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ሰፊሕ ሃገራዊ ናይ መሰጋገሪ ፍትሒ ፖሊሲ" ንኽምስርት ዝጠልብ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ዝኾነ ኣህጉራዊ መርመራታት ብዝምልከት፡ ንኣብነት፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ኮምሽን ኣፍሪቃ ንሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ንክግበር ኣይጠቐሰን።

ፕረዚደንት ኦባሳንጆ፡ ስምምዕ ምኽታም ሰላም ቀዳማይ ስጕምቲ ጥራይ ምዃኑ ብምጥቃስ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝያዳ ከቢድ ዕዮ ከም ዝዀነ እዩ ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ ንዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ዓጸቦን ደው ንምባል ዘሎ ተስፋን ምርግጋጽ ሰላምን ብቐንዱ ኣብ ናይ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እምነት እተመርኰሰ እዩ።

እቲ ኣብ መጀመርታ ዘጋጥም ፈተና፡ ምስ ወያነ ሓቢርካ ህዝባዊ መግለጺታት ምሃብን" ዝኾነ ተጻራሪ ፕሮፓጋንዳ፡ ረጽሚ፡ ዘረባ ጽልእን ንምውጋድ እዩ መብጽዓኡ።

ንኽትቅበሎም ዘሸግሩ ቃላት'ኣብ ዓድን ዲያስፖራ ዝነብሩን ዘለዉ ዝቢ ትግራይ ምስ ሓዘኖም እዮም ነቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ተቐቢሎምዎ።

ገሊኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ክንዲ እቲ ውርደት ዝመልኦ ናይ ሰላም ውዕል ዝግዝኡ ናይ ደባይ ውግእ ክቕጽልዎ ተኽእሎ ኣሎ።

ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ዶር ኣብዪ ዕድል እንተ ተዋሂቡዎ ንመገዲ ሰላም ክቕጽሎን ደሞክራስን ርግኣትን ከም ዝሰፍን ንምግባር ጽቡቕ ሓሳብ ከም ዘለዎ ይኣምኑ።ገሊኦም ከኣ፡ ብኣንጻሩ ዶር ኣቢይ፡ ኢሳይያስን ካልኦትን ብዝመሃሩዎ ትምህርቲ፡ ዕላምኡ ንምውቃዕ፡ ሓበሬታ ዓጽዪ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሰራዊት ኣዋፊሩ ንጥሜት ከም ውጽኢታዊ ኣጽዋር ከይጥቀመሉ ስግኣት ኣለዎም።

ኢትዮጵያውያን፡ እዚ ሜላታት እዚ፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝቕጽል ዘሎ ካልእ ፖለቲካዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ከም ዘይውዕል ተስፋ ክገብሩ እዮም።

እቲ ስምምዕ ዶር ኣብይ ንኢትዮጵያ ካብ ቅልውላው ንከውጽኣ ኣብ እምነት ዝተመስረተ እዩ። እቲ ቀዳማይ ትስፉው ፈተነ፡ ትማሊ ሓሙስ ሻምብቆ ብረት ተዅሲ'ዶ ኣቋሪጹ ዝብል እዩ። ግን ከምኡ ኣይተገብረን።

ኣብ ክንዳኡስ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሰለስተ ግንባራት ከቢድ መጥቃዕቲ ከምዝፈነውን ሰራዊት ትግራይ ቦታኦም ኣጽኒዖም ከምዘለው እዩም ምንጭታት ናይቲ ከባቢ ዝሕብሩ ዘለው።

ሕጂ እምበኣር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ኢጋድን ኣብቲ መኣዲ ዘተን ልዝብን ተዓዘብቲ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ሓይልታት ውግእ ደው ከብሉን ረጽሚ ከወግዱን ክጽውዑ ድሉዋት ክኾኑ ኣለዎም።